ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊ መዛግብቲ፡ ሓደ ነገድ እስራኤል ኣበይ ሰፊሩ ምንባሩ ኣረጋጊጹ

ጥንታዊ መዛግብቲ፡ ሓደ ነገድ እስራኤል ኣበይ ሰፊሩ ምንባሩ ኣረጋጊጹ

 እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ምስ ተቘጻጸርዋ፡ በብነገድ ከም እተማቐልዋ፡ ዓሰርተ እንዳታት ነገድ ምናሴ ኸኣ ካብቲ ዝተረፈ ነገድ ተፈልዮም ኣብ ምዕራብ ዮርዳኖስ ርስቲ ኸም እተዋህቦም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እያሱ 17:1-6) እሞ ደኣ ኸምኡ ኸም ዝዀነ ዜረጋግጽ ስነ ጥንታዊ መርትዖ ኣሎዶ፧

 ብ1910፡ ኣብ ሰማርያ ኣብ እተገብረ ዅዕታ፡ ጽሑፍ ዘለዎ ስብርባር ካይላታት ኪርከብ ተኻኢሉ እዩ። ኣብዚ ስብርባር ካይላታት ወይ ኣጋልዕ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ መዛግብቲ ኣሎ። ኣብቲ ጽሑፍ ድማ ሰባት ናብቲ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዚርከብ ቤተ መንግስቲ መጋየጺ ነገራት ከም ዘብጽሑ፡ እንተላይ ወይንን መኰሓሓሊ ዘይትን ከም ዘብጽሑ ተገሊጹ ኣሎ። ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ዝዕለቱ ብድምር 102 ኣጋልዕ እዩ ተረኺቡ፣ ካብዚ ግና እቲ 63 ጥራይ እዩ ጽቡቕ ኪንበብ ዚከኣል። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ 63 ኣጋልዕ ዘሎ ሓበሬታ ብሓደ ኺጥርነፍ ከሎ፡ ዕለታትን ስማት እንዳታትን፡ ከምኡ እውን ለኣኽትን ተቐበልትን እቲ ሸቐጣት ይሕብር እዩ።

 ኵሎም እቶም ኣብ ኣጋልዕ ሰማርያ እተለለዩ እንዳታት፡ ካብ ነገድ ምናሴ እዮም። ብመሰረት ኤን.ኣይ.ቪ. ኣርኪዮሎጂካል ስታዲ ባይብል፡ እዚ ሓበሬታ እዚ “ኣብ መንጎ እቶም እንዳታት ምናሴን መጽሓፍ ቅዱስ ተረስትዮምዎ ዚብሎ ኽልን ንዝነበረ ምትእስሳር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዚርከብ መረጋገጺ እዩ።”

ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኖዓ ዝስማ ሰበይቲ፡ ዘርኢ ምናሴ ምዃና ተገሊጹ ኣሎ

 ኣጋልዕ ሰማርያ፡ እቲ ኣሞጽ ዚብሃል ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፎ ነገር ልክዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣሞጽ ብዛዕባ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሃብታማት፡ “ብጭሔሎ መሊኦም ወይኒ ይሰትዩ፡ ሕሩይ ዘይቲ ኸኣ ይቕብኡ” ኢሉ እዩ። (ኣሞጽ 6:1, 6) እዚ ሸቐጣት እዚ ኻብ ካልእ ቦታታት ናብቲ እቶም ዓሰርተ እንዳታት ምናሴ ዝሰፈሩሉ ኽፋል እታ ምድሪ ይመጽእ ምንባሩ፡ ኣጋልዕ ሰማርያ የረጋግጽ እዩ።