ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Military equipment: Anton Petrus/Moment via Getty Images; money: Wara1982/iStock via Getty Images Plus

ንቕሑ!

ትሪልዮናት ኣብ ውግእ ይውዕል ኣሎ—ብሓቂ ኽንደይ ወጻኢታት እዩ ዚወጽእ ዘሎ፧

ትሪልዮናት ኣብ ውግእ ይውዕል ኣሎ—ብሓቂ ኽንደይ ወጻኢታት እዩ ዚወጽእ ዘሎ፧

 ንውግእ ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዚወጽእ።

  •   “ኣብ መላእ ዓለም ንእተፈላለየ ውግኣት፡ 2.2 ትሪልዮን ዶላር እዩ ወጺኡ፡ እዚ ድማ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ።”—ዘ ዋሽንግተን ፖስት፡ 13 ለካቲት 2024።

 እቲ ኽሳራ ግና ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ውግእ፡ ከም ኣብነት ንርአ፦

  •   ወተሃደራት። ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ዳርጋ 500,000 ወተሃደራት ሞይቶም ወይ ቈሲሎም እዮም።

  •   ሲቭላት። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ 28,000 ሰባት ሞይቶም ወይ ቈሲሎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ቍጽሪ እቶም ኣብዚ ኣዕናዊ ውግእ ዝሞቱ ሲቭላት ክትግምቶ ኣይክእላን እዩ” a ኢሉ።

 ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ውግእን ግጭትን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ኣዝዩ ብዙሕ ስቓይ ኣጋጢሙ እዩ።

  •   114 ሚልዮን። ኣብ መስከረም 2023 ብስንኪ ውግእን ዓመጻን ካብ መረበቶም እተመዛበሉ።

  •   783 ሚልዮን። ዓጸቦ ዘጋጠሞም ሰባት። “ቀንዲ ምንጪ ዓጸቦ ግጭት እዩ፣ ኣብ ዓለም ብዓጸቦ ኻብ ዚሳቐዩ ሰባት፡ እቶም 70 ሚእታዊት ኣብ ውግእን ዓመጻን ዘለዎ ቦታ ዚነብሩ እዮም።”—ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ።

 ውግእ ዜብቅዓሉ እዋንሲ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ ሰላም ከም ዚመጽእ ተስፋ ኽንገብር ንኽእልዶ፧ ጸጋታት ዓለም ጥሜትን ድኽነትን ንምጥፋእ ይውዕልዶ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እዋን ውግእ

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም ውግእ ከም ዚህሉ ተንብዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ በቲ ምሳልያዊ ፈረስ እተወጥሐ ኣቢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።

  •   “ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተፈቕደሉ፣ ዓብዪ ሰይፊ እውን ተዋህቦ።”—ራእይ 6:4

 እቲ ምሳልያዊ ፈረሰኛ፡ ክልተ ለበዳ ጥሜትን ሞትን ዜመልክቱ ፈረሰኛታት ይስዕብዎ ነበሩ። (ራእይ 6:5-8) ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን እዚ ኣብዚ ግዜና ይፍጸም ከም ዘሎ ስለምንታይ ርግጸኛታት ከም እንኸውንን ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

መጻኢ ሰላም

 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ጸጋታት ዓለም ንውግእ ኣይክውዕልን እዩ። እዚ ግና፡ ብጻዕሪ ሰባት ዚመጽእ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦

  •   ኣምላኽ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:9

  •   ኣምላኽ ውግእ ዘስዓቦ ዜሕዝን ነገራት ኬወግዶ እዩ። “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:4

  •   ኣምላኽ ንሓዋሩ ሰላም ኬስፍን እዩ። “ህዝበይ ኣብ ሰላማዊ መንበሪ፡ ደሓን ኣብ ዘለዎ መንበርን ህድኣት ኣብ ዘለዎ መዕረፍን ኪቕመጥ እዩ።”—ኢሳይያስ 32:18

 ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ውግእን ካልእ ፍጻመታትን ሰላም ከም ዝቐረበ ዚሕብር እዩ።

 ኣምላኽ ሰላማዊ መጻኢ ዜምጽኣልና ብኸመይ እዩ፧ ብሰማያዊት መንግስቱ ኣብሊ እዩ። (ማቴዎስ 6:10) መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃንናን ንዓኻ እንታይ ከም እትገብረልካን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ።

a ሚሮስላቭ ጀንካ፡ ናይ ኤውሮጳ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ 6 ታሕሳስ 2023።