ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞተይ እምነ ኣለኹ—ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧

ሞተይ እምነ ኣለኹ—ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ “ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ” ዝመጸ እዩ። (2 ቈረንቶስ 7:6) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዚምህር መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንብዙሓት ሰባት ገዛእ ርእሶም ንምቕታል ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ነዚ ኺዋጽኡሉ ሓጊዝዎም እዩ። እቲ ዚህቦ ግብራዊ ምኽሪ፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ፧

  • ስምዒትካ ግለጽ።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17

     ትርጉሙ፦ ዜጨንቕ ሓሳብ ክንሓስብ ከለና፡ ደገፍ ካልኦት የድልየና እዩ።

     ስምዒትካ ንኻልኦት ዘይትገልጽ እንተ ዄንካ፡ ዘይጽወር ኪኸውን ዚኽእል ጾር ኢኻ በይንኻ እትስከሞ። ስምዒትካ ተካፍል እንተ ዄንካ ግና ጾርካ ኺፈዅሰካ፡ ንዅነታትካ ድማ ብሓድሽ መገዲ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

     ነዚ ፈትኖ፦ ሎሚ ንሓደ ሰብ ኣዛርቦ፣ እዚ ሰብ እዚ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ እትኣምኖ ፈታዊኻ ኪኸውን ይኽእል እዩ። a ስምዒትካ ኣብ ጽሑፍ ብምስፋር እውን፡ ስምዒትካ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ።

  • ሕክምናዊ ሓገዝ ርኸብ።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።”—ማቴዎስ 9:12

     ትርጉሙ፦ ክንሓምም ከለና፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምርካብ ክንጽዕር ኣሎና።

     ርእሰ ቕትለታዊ ሓሳብ፡ ምልክት ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ ሕማም እዩ። ልክዕ ከም ኣካላዊ ሕማም፡ እዚ ሕማም እዚ ዜሕፍር ኣይኰነን። ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ሕማም ኪፍወስ ይከኣል እዩ።

     ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ካብ ክኢላ ሓኪም ሓገዝ ርኸብ።

  • ኣምላኽ ከም ዚሓልየልካ ዘክር።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “ሓሙሽተ ጨራሩ ብኽልተ ዘይረብሓ ሰናቲም ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይትርሳዕን እያ። . . . ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።”—ሉቃስ 12:6, 7

     ትርጉሙ፦ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ኢኻ።

     ብዛዕባኻ ዚሓሊ ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዓካን ይኸውን፣ ኣምላኽ ግና ንመከራኻ ይርእዮ እዩ። ዋላ እኳ ደጊም ብህይወት ክትነብር ዘይትደሊ ዀይኑ እንተ ተሰምዓካ፡ ኣምላኽ ይሓልየልካ እዩ። መዝሙር 51:17፡ “ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ” ትብል። ኣምላኽ ስለ ዜፍቅረካ፡ ብህይወት ክትነብር እዩ ዚደልየካ።

     ነዚ ፈትኖ፦ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረካ ዜርኢ መርትዖ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መርምር። ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራፍ 24 እታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ እትሕግዝ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

  • ናብ ኣምላኽ ጸሊ።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “ንሱ [ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7

     ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ብግልጽን ብቕንዕናን ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐካ ነገራት ክትነግሮ ይዕድመካ እዩ።

     ኣምላኽ ንዅነታትካ ኽትጻወሮ ዚሕግዘካ ውሽጣዊ ሰላምን ብርታዐን ኪህበካ ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7, 13) በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ፡ ነቶም ሓገዙ ደልዮም ናብኡ ዚጽልዩ ዘበሉ ይድግፎም እዩ።—መዝሙር 55:22

     ነዚ ፈትኖ፦ ሎሚ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ነቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ጠቒስካ፡ ስምዒትካ ግለጸሉ። (መዝሙር 83:18) ብህይወት ክትቅጽል ኪሕግዘካ ድማ ለምኖ።

  • ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ዚህቦ ተስፋ ኣስተንትን።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “እዛ ዘላትና ተስፋ እዚኣ ኸም መልህቕ ህይወት፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ።”—እብራውያን 6:19፡ እግረ ጽሑፍ።

     ትርጉሙ፦ ስምዒታትካ ኸምታ ብማዕበል እትናወጽ መርከብ ክብን ለጠቕን ኪብል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ተስፋ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኬጽንዓካ ይኽእል እዩ።

     እዛ ተስፋ እዚኣ፡ ሕልሚ ኣይኰነትን፣ የግዳስ፡ ኣብቲ ንዅሉ ምንጪ ስቓይና ኺኣልዮ ምዃኑ ቓል ዝኣተወልና ኣምላኽ እተመስረተት እያ።—ራእይ 21:4

     ነዚ ፈትኖ፦ ንትምህርቲ 5 እታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብምንባብ፡ ብዛዕባ ተስፋ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ተምሃር።

  • ባህ ዜብለካ ነገር ግበር።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ።”—ምሳሌ 17:22

     ትርጉሙ፦ ዜሐጕሰና ነገር ክንገብር ከለና፡ ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ ጥዕናና ይመሓየሽ እዩ።

     ነዚ ፈትኖ፦ ዜሐጕሰካ ነገር ግበር። ንኣብነት፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ዚገብር ሙዚቃ ስማዕ፡ ዜተባብዕ ጽሑፍ ኣንብብ፡ ወይ ካልእ ባህ ዜብለካ ንጥፈት ግበር። ዋላ እውን ንእሽቶ ነገር ይኹን፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ገለ ነገር ምስ እትገብር፡ ሓጐስካ ኸተዛይድ ኢኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

  • ኣካላዊ ጥዕናኻ ተኸናኸን።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ ‘ኣካላዊ ስልጠና ይጠቅም እዩ።’—1 ጢሞቴዎስ 4:8

     ትርጉሙ፦ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር፡ እኹል ድቃስ ምርካብ፡ ከምኡ ድማ ጥዕና ዚህብ ምግቢ ምምጋብ ይጠቕመና እዩ።

     ነዚ ፈትኖ፦ ን15 ደቒቕ እውን ይኹን ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ብእግርኻ ተጕዓዝ።

  • ኣብ ህይወትካ ዚስምዓካ ስምዒትን ዜጋጥመካ ኻልእ ነገራትን ከም ዚቕየር ኣይትረስዕ።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ “ጽባሕ ህይወትኩም እንታይ ከም እትኸውን ኣይትፈልጡን ኢኹም።”—ያእቆብ 4:14

     ትርጉሙ፦ ዜጨንቐካን ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ዀይኑ ዚስምዓካን ጸገም እውን እንተ ዀነ፡ ግዝያዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

     ኵነታትካ ኣመና ተስፋ ዜቝርጽ ይምሰል ብዘየገድስ፡ ጽባሕ ንግሆ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ክትዋጽኣሉ እትኽእለሉ መገድታት ኣናዲ። (2 ቈረንቶስ 4:8) ዜጨንቕ ኵነታትካ ድሕሪ ግዜ ኪቕየር ይኽእል እዩ፣ ህይወትካ እንተ ኣጥፊእካ ግና፡ ክትመልሳ ኣይትኽእልን ኢኻ።

     ነዚ ፈትኖ፦ ብዛዕባ እቶም ተስፋ ኻብ ምቝራጾም እተላዕለ ኺሞቱ ደልዮም ዝነበሩ እሞ፡ ድሕሪ ግዜ ግና ሓሲቦምዎ ብዘይፈልጡ መገዲ ዝሓሸ ህይወት ዝረኸቡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም እንረኽቦም ሰባት ኣንብብ። ሒደት ኣብነታት ርአ፦

 መጽሓፍ ቅዱስ ኪሞቱ ብዛዕባ እተመነዩ ሰባት ይነግረና ድዩ፧

 እወ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞት ተመንዮም ብዛዕባ ዝነበሩ ሰባት ይነግረና እዩ። ኣምላኽ ኣይገንሖምን፣ የግዳስ፡ ሓገዙ እዩ ሂብዎም። ንዓኻ እውን ከምኡ ኺገብረልካ ይኽእል እዩ።

ኤልያስ

  •  መን እዩ፧ ኤልያስ ተባዕ ነብዪ እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ንሱ እውን ከይተረፈ ተስፋ ይቘርጽ ነይሩ እዩ። ያእቆብ 5:17፡ “ኤልያስ ከማና ዝስምዒቱ ሰብ እዩ ነይሩ” ትብል።

  •  ሞት እተመነየ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ እዋን፡ ጽምዋን ፍርህን ከንቱነትን ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ “ኦ የሆዋ፡ . . . ንህይወተይ ኣጥፍኣያ” ኢሉ ለሚኑ እዩ።—1 ነገስት 19:4

  •  እንታይ ሓጊዝዎ፧ ኤልያስ ስምዒቱ ንኣምላኽ ነጊርዎ እዩ። ኣምላኽ ብኸመይ ኣተባቢዕዎ፧ ኣምላኽ ብዛዕባኡ ኸም ዚሓልን ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑን ኣርእይዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ተደላዪ ምዃኑ ኣረጋጊጹሉ፡ ሓላይን ክኢላን ሓጋዚ ድማ ሂብዎ እዩ።

  •  ብዛዕባ ኤልያስ ኣንብብ፦ 1 ነገስት 19:2-18

እዮብ

  •  መን እዩ፧ እዮብ ሃብታምን ዓብዪ ስድራ ቤትን ዝነበሮ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ብተኣማንነት ዜምልኽ ሰብ እዩ ነይሩ።

  •  ሞት እተመነየ ስለምንታይ እዩ፧ እዮብ ብሃንደበት ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ኣጋጢምዎ እዩ። ኵሉ ጥሪቱ ጠፊኡ። ኵሎም ደቁ ብሓደጋ ሞይቶም። ዜሳቒ ሕማም ሓሚሙ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምንጪ ዅሉ ጸገማቱ ባዕሉ ኸም ዝዀነ ብጭከናን ብሓሶትን ተኸሲሱ። እዮብ፡ “ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ” ኢሉ እዩ።—እዮብ 7:16

  •  እንታይ ሓጊዝዎ፧ እዮብ ናብ ኣምላኽ ጸልዩን ምስ ካልኦት ተዛራሪቡን እዩ። (እዮብ 10:1-3) ኤሊሁ ዚብሃል ርሕሩሕ ፈታዊኡ ድማ፡ ንዅነታቱ ብኻልእ ኣንፈት ኪርእዮ ብምሕጋዝ ኣተባቢዕዎ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ እዮብ ምኽርን ሓገዝን ኣምላኽ ተቐቢሉ እዩ።

  •  ብዛዕባ እዮብ ኣንብብ፦ እዮብ 1:1-3, 13-22፣ 2:7፣ 3:1-13፣ 36:1-7፣ 38:1-3፣ 42:1, 2, 10-13

ሙሴ

  •  መን እዩ፧ ሙሴ መራሒ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤልን እሙን ነብይን እዩ ነይሩ።

  •  ሞት እተመነየ ስለምንታይ እዩ፧ ሙሴ ሓላፍነቱ ኸቢድዎ፡ ኣደዳ ቐጻሊ ነቐፌታ ይኸውን፡ ሓይሉ ድማ ጽንቅቕ ይብሎ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ “በጃኻ ሕጂ ሕጂ ቕተለኒ” ኢሉ ንኣምላኽ ለሚንዎ እዩ።—ዘሁልቍ 11:11, 15

  •  እንታይ ሓጊዝዎ፧ ሙሴ ስምዒቱ ንኣምላኽ ነጊርዎ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ውጥረቱ ምእንቲ ኺንከየሉ፡ ጾሩ ኼጕድል ሓጊዝዎ እዩ።

  •  ብዛዕባ ሙሴ ኣንብብ፦ ዘሁልቍ 11:4-6, 10-17

a ርእሰ ቕትለታዊ ሓሳብ እንተ በርቲዑካ፡ እትኣምኖም ሰባት ድማ ኣብ ቀረባኻ ኽትረኽቦም እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣብ ከባቢኻ ናብ ዘሎ ኣብ ህጹጽ እዋን ዚድወሎ ቝጽሪ ተሌፎን ደውል።