ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብርቱዕ ጸበባ እንታይ እዩ፧

ብርቱዕ ጸበባ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ብርቱዕ ጸበባ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ግዜ ጭንቂ ኼምጽእ እዩ። ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ፍጻመ እዚ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ወይ ኣብ “ግዜ መወዳእታ” እዩ ኼጋጥም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ዳንኤል 12:4) ሽዑ፡ “ካብታ ኣምላኽ መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ጸበባ ኪኸውን እዩ።”—ማርቆስ 13:19፣ ዳንኤል 12:1፣ ማቴዎስ 24:21, 22

ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባ ዚህሉ ፍጻመታት

  •   ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዜገርም ቅልጣፈ ኽትጠፍእ እያ። (ራእይ 17:1, 5፣ 18:9, 10, 21) ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዚውከሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነዚ ስጕምቲ እዚ ብምውሳድ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጽሙ እዮም።—ራእይ 17:3, 15-18 a

  •   ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚወርድ መጥቃዕቲ። ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ዘለዉ ጕጅለ መንግስትታት፡ ንሰዓብቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኬጽንቱ ኺፍትኑ እዮም። ኣምላኽ ግና ንኣምለኽቱ ኻብ ጥፍኣት ኬዕቍቦም እዩ።—ህዝቅኤል 38:1, 2, 9-12, 18-23

  •   ፍርዲ ተቐማጦ ምድሪ። የሱስ ንዅሎም ደቂ ሰብ ኪፈርድ፡ “ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላልዮም እዩ።” (ማቴዎስ 25:31-33) ነዚ ፍርዲ እዚ መሰረት ዚኸውን ከኣ፡ እቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ‘ኣሕዋት’ ክርስቶስ ዝሃቦ ወይ ዘይሃቦ ደገፍ እዩ።—ማቴዎስ 25:34-46

  •   ምእካብ ገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ። ምስ ክርስቶስ ኪገዝኡ እተሓርዩ እሙናት ሰባት፡ ምድራዊ ህይወቶም ወዲኦም ኣብ ሰማይ ንምንባር ኪትንስኡ እዮም።—ማቴዎስ 24:31፣ 1 ቈረንቶስ 15:50-53፣ 1 ተሰሎንቄ 4:15-17

  •   ኣርማጌዶን። እዚ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡” “መዓልቲ የሆዋ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። (ራእይ 16:14, 16፣ ኢሳይያስ 13:9፣ 2 ጴጥሮስ 3:12) እቶም ክርስቶስ ንጥፍኣት ዝፈረዶም ዘበሉ፡ ኪጠፍኡ እዮም። (ጸፎንያስ 1:18፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-10) እዚ ኸኣ ንጥፍኣት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ተመሲሉ ዘሎ ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ዜጠቓልል እዩ።—ራእይ 19:19-21

ድሕሪ ብርቱዕ ጸበባ ዚህሉ ፍጻመታት

  •   ምእሳር ሰይጣንን ኣጋንንቱን። ሓደ ዓብዪ መልኣኽ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ናብ “መዓሙቝ” ኺድርብዮም እዩ፣ እዚ መዓሙቝ እዚ ነቲ ኸም ሞት ዝበለ ምንም ንጥፈት ዘይብሉ ዅነታት የመልክት። (ራእይ 20:1-3) እቲ ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ዚህልዎ ዅነታት ምስ ማእሰርቲ ኺመሳሰል እውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ጕዳያት ጽልዋ ኣይኪህልዎን እዩ።—ራእይ 20:7

  •   ሽሓዊ ግዝኣት ይጅምር። መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ናይ 1,000 ዓመት ግዝኣታ ኽትጅምር እያ፣ እዚ ኸኣ ንደቂ ሰብ ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ። (ራእይ 5:9, 10፣ 20:4, 6) ቍጽሮም ዘይፍለጥ “ብዙሓት ህዝቢ” ‘ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺወጹን’ ንምጅማር እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ሽሓዊ ግዝኣት ኪርእዩን እዮም።—ራእይ 7:9, 14፣ መዝሙር 37:9-11

a ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዓባይ ባቢሎን ወይ “ዓባይ ኣመንዝራ” ተመሲላ ኣላ። (ራእይ 17:1, 5) እቲ ንዓባይ ባቢሎን ዜጥፍእ ቀይሕ ኣራዊት፡ ነቲ ንሃገራት ዓለም ኬሕብርን ኪውክልን ዝቘመ ዓለምለኻዊ ውድብ የመልክት። ኣብ ፈለማ እተኣሳሰራ መንግስትታት ኰይኑ ተቐልቂሉ ነይሩ፣ ሕጂ ኸኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ኣሎ።