ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብራ ህይወተን ንዓና ብሉጽ ትምህርቲ ዚዀነና ብዙሓት ኣንስቲ ተጠቒሰን ንረክብ ኢና። (ሮሜ 15:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሒደት ካብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ኣንስቲ ኽትገልጽ እያ። ብዙሓት ካባታተን ክንቀድሖ ዚግባእ ኣብነት ሓዲገናልና እየን። ካልኦት ድማ መለበሚ ይዀናና እየን።—1 ቈረንቶስ 10:11፣ እብራውያን 6:12

  ኣቢጋይል

 ኣቢጋይል መን እያ፧ ሰበይቲ እቲ ሃብታም ግናኸ ጨካን ዝነበረ ናባል ዚብሃል ሰብኣይ እያ ነይራ። ኣቢጋይል ግና ኣስተውዓሊት፡ ትሕትቲ፡ መልክዐኛ፡ መንፈሳዊት እያ ነይራ።—1 ሳሙኤል 25:3

 እንታይ ገይራ፧ ኣቢጋይል ካብ መዓት ንምምላጥ ጥበብን ምስትውዓልን ዝመልኦ ስጕምቲ ወሲዳ እያ። ንሳን ናባልን ኣብቲ እቲ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ዚኸውን ዳዊት ኰብሊሉ ዚነብረሉ ዝነበረ ኸባቢ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ዳዊትን ሰቡን ኣብቲ ቦታ እቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንመጓሰ ኣባጊዕ ናባል ካብ ከተርቲ የዕቊቦምወን ነይሮም እዮም። ልኡኻት ዳዊት መጺኦም ንናባል ምግቢ ምስ ለመንዎ ግና ናባል ብግፍዒ ኣበዮም። ዳዊት ኣመና ተቘጥዐ! ንሱን ሰቡን ንናባልን ንዅሎም ኣብ ቤቱ ዚርከቡ ሰብኡትን ንምቕታል ድማ ተላዕሉ።—1 ሳሙኤል 25:13, 23

 ኣቢጋይል፡ ሰብኣያ ዝገበሮ ምስ ሰምዐት፡ ተቐላጢፋ ስጕምቲ ወሰደት። ንገላዉኣ ምግቢ ሂባ ንዳዊትን ንሰቡን ኪወስዱሎም ለኣኸቶም፣ ንዳዊት ምሕረት ክትልምኖ ድማ ደድሕሪኦም ሰዓበት። (1 ሳሙኤል 25:14-19, 24-31) ዳዊት ህያባ ምስ ረኣየን ትሕትናኣ ምስ ተዓዘበን ነቲ ጥበብ ዝመልኦ ምኽራ ምስ ሰምዐን፡ ኣምላኽ ብኣኣ ገይሩ ንናባልን ንሰቡን ካብ ምቕታል ከም ዝሰተሮ ተገንዘበ። (1 ሳሙኤል 25:32, 33) ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ናባል ሞተ፣ ኣቢጋይል ድማ ሰበይቲ ዳዊት ኰነት።—1 ሳሙኤል 25:37-41

 ካብ ኣቢጋይል እንታይ ንምሃር፧ ኣቢጋይል መልክዐኛን ሃብታምን እኳ እንተ ነበረት፡ ብዛዕባ ርእሳ ግና ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዋ። ምእንቲ ሰላም ኢላ ንዘይገበረቶ ጌጋ ይቕረ ኽትሓትተሉ ፍቓደኛ እያ ነይራ። ውጥረት ንዝመልኦ ዅነታት ከኣ ብህድኣትን ብሜላን ብትብዓትን ብብልሓትን ሒዛቶ እያ።

  ዴቦራ

 ዴቦራ መን እያ፧ እቲ ኣምላኽ እስራኤል ዝዀነ የሆዋ ኣብቲ ንህዝቡ ዚጸሉ ጕዳያት ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ዚገልጸላ ነብዪት እያ ነይራ። ኣምላኽ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ንዜጋጥም ዝነበረ ጸገማት ንምድቃስ እውን ተጠቒሙላ እዩ።—መሳፍንቲ 4:4, 5

 እንታይ ገይራ፧ ነብዪት ዴቦራ ብትብዓት ንኣምለኽቲ ኣምላኽ ደጊፋ እያ። ብመሰረት እቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህባ መምርሒ ኸኣ ንባራቅ ጸውዓቶ እሞ ንሰራዊት እስራኤል መሪሑ ኣንጻር እቶም ጨቊኖምዎም ዝነበሩ ከነኣናውያን ኪዋጋእ ነገረቶ። (መሳፍንቲ 4:6, 7) ባራቅ ንዴቦራ ምስኡ ኽትከይድ ምስ ሓተታ፡ ብፍርሂ ኣይተሰነፈትን፣ የግዳስ፡ ምስኡ ኽትከይድ ፍቓደኛ ዀይና እያ።—መሳፍንቲ 4:8, 9

 ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ወሳኒ ዓወት ምስ ሃቦም፡ እንተ ወሓደ ንገለ ኽፋል እቲ ምስ ባራቅ ኰይና ዝዘመረቶ ነቲ ፍጻመ ዜዘንቱ መዝሙር ኣዳልያ እያ። ኣብቲ መዝሙር ድማ ነቲ እታ ተባዕ ሰበይቲ ዝነበረት ያዔል ንከነኣናውያን ኣብ ምስዓር ዝነበራ ግደ ጠቒሳ ኣላ።—መሳፍንቲ፡ ምዕራፍ 5።

 ካብ ዴቦራ እንታይ ንምሃር፧ ዴቦራ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእን ተባዕን እያ ነይራ። ንኻልኦት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ኣተባቢዓቶም እያ። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ከኣ፡ ብዙሕ ትንእዶም ነይራ እያ።

  ደሊላ

 ደሊላ መን እያ፧ እቲ እስራኤላዊ ፈራዲ ዝነበረ ሲምሶን ዘፍቀራ ሰበይቲ እያ።—መሳፍንቲ 16:4, 5

 እንታይ ገይራ፧ ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ፍልስጥኤማውያን ንምድሓን ዚጥቀመሉ ዝነበረ ሲምሶን ምእንቲ ኽትጠልሞ፡ ካብ ፍልስጥኤማውያን ሰበ ስልጣን ገንዘብ ተቐቢላ። ሲምሶን ተኣምራዊ ዝዀነ ኣካላዊ ሓይሊ ስለ ዝነበሮ፡ ፍልስጥኤማውያን ኬሰንፍዎ ኣይከኣሉን ነይሮም። (መሳፍንቲ 13:5) ስለዚ፡ ሰበ ስልጣኖም ካብ ደሊላ ሓገዝ ደለዩ።

 እቶም ፍልስጥኤማውያን፡ ሲምሶን እቲ ዓብዪ ሓይሉ ብኸመይ ከም ዝረኸቦ ፈሊጣ ምእንቲ ኽትነግሮም ንደሊላ ጉቦ ሃብዋ። ደሊላ ነቲ ገንዘብ ተቐበለቶ፣ ደጋጊማ ድሕሪ ምፍታን ድማ ኣብ መወዳእታኡ ምስጢር ሲምሶን ፈለጠት። (መሳፍንቲ 16:15-17) ምስጢሩ ነቶም ፍልስጥኤማውያን ምስ ነገረቶም ከኣ ሒዞም ኣሰርዎ።—መሳፍንቲ 16:18-21

 ካብ ደሊላ እንታይ ንምሃር፧ ደሊላ መለበሚ እያ እትዀነና። ብስስዐ ስለ እተሰነፈት ንኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ኣታሊላን ጠሊማን እያ፣ ጥቕሚ ርእሳ ጥራይ ከኣ እያ እትደሊ ነይራ።

  ኣስቴር

 ኣስቴር መን እያ፧ እቲ ፋርሳዊ ንጉስ ዝነበረ ኣሓሽዌሮስ፡ ንግስቲ ኽትከውን ዝሓረያ ኣይሁዳዊት እያ ነይራ።

 እንታይ ገይራ፧ ንግስቲ ኣስቴር ብስልጣና ተጠቒማ ንህዝባ ኸይጸንቱ ኣድሒናቶም እያ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ግዝኣት ፋርስ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድ ዚቕተሉላ ዕለት ዝሓዘ ወግዓዊ ኣዋጅ ከም ዝወጸ ፈለጠት። ነዚ እኩይ ውዲት እዚ ዝኣለመ ድማ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሃማን እዩ። (ኣስቴር 3:13-15፣ 4:1, 5) ኣስቴር ብሓገዝ እቲ ማርዶካይ ዝስሙ ሓው ኣቦኣ፡ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእትያ ንሰብኣያ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ብዛዕባ እቲ ውዲት ነገረቶ። (ኣስቴር 4:10-16፣ 7:1-10) ድሕርዚ፡ ኣሓሽዌሮስ ንኣስቴርን ንማርዶካይን፡ ኣይሁድ ንህይወቶም ኪከላኸሉ ዚእዝዝ ሓድሽ ኣዋጅ ኬውጽኡ ፈቐደሎም። ኣይሁድ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓብዪ ዓወት ተዓወቱ።—ኣስቴር 8:5-11፣ 9:16, 17

 ካብ ኣስቴር እንታይ ንምሃር፧ ንግስቲ ኣስቴር እተደንቕ ኣብነት ትብዓትን ትሕትናን እያ። (መዝሙር 31:24፣ ፊልጲ 2:3) መልክዐኛን ብዓልቲ ስልጣንን እኳ እንተ ነበረት፡ ካብ ካልኦት ምኽርን ሓገዝን ሓቲታ እያ። ምስ ብዓል ቤታ ብትብዓት ግናኸ ብሜላን ብኣኽብሮትን እያ እትዛረብ ነይራ። ንኣይሁድ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብትብዓት ኣይሁዳዊት ምዃና ገሊጻ እያ።

  ሄዋን

 ሄዋን መን እያ፧ እታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ እያ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ እዋን እተጠቕሰት ሰበይቲ እውን እያ።

 እንታይ ገይራ፧ ሄዋን ንጹር ሕጊ ኣምላኽ ጥሒሳ እያ። ከም ሰብኣያ ኣዳም፡ ፍጽምቲ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዋ፡ ከም ፍቕርን ጥበብን ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ድማ ከተማዕብል እትኽእል ኰይና እያ ተፈጢራ። (ዘፍጥረት 1:27) ሄዋን፡ ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ሓንቲ ኦም እንተ በሊዖም ኪሞቱ ምዃኖም ከም ዝነገሮ ትፈልጥ ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ስለ እተታለለት፡ ከም ዘይትመውት ኣመነት። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዛ፡ ዝሓሸ ህይወት ዚህልዋ መሲልዋ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነታ ፍረ በልዓታ፡ ንሰብኣያ እውን ኪበልዕ ኣእመነቶ።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:14

 ካብ ሄዋን እንታይ ንምሃር፧ ሄዋን ብዛዕባ ዘይግቡእ ነገራት ምስትንታን ሓደገኛ ኸም ዝዀነ መለበሚ ትዀነና እያ። ንጹር ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ፡ ናታ ዘይኰነ ነገር ክትወስድ ብርቱዕ ትምኒት ኣሕዲራ እያ።—ዘፍጥረት 3:6፣ 1 ዮሃንስ 2:16

  ሃና

 ሃና መን እያ፧ ሰበይቲ ኤልቃናን ኣደ እቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ፍሉጥ ነብዪ ዝነበረ ሳሙኤልን እያ ነይራ።—1 ሳሙኤል 1:1, 2, 4-7

 እንታይ ገይራ፧ ሃና መኻን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ካብ ኣምላኽ ምጽንናዕ ክትረክብ ለሚና እያ። ሰብኣይ ሃና ኽልተ ኣንስቲ እየን ነይረናኦ። እታ ጵኒና ዝስማ ኻልአይቲ ሰበይቱ፡ ውሉዳት ነይሮምዋ እዮም፣ ሃና ግና ድሕሪ መርዓኣ ንነዊሕ እዋን መኻን እያ ነይራ። ጵኒና ብጭከና እኳ እንተ ኣላገጸትላ፡ ሃና ምጽንናዕ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ጸለየት። ኣምላኽ ወዲ እንተ ሂብዋ፡ ነቲ ቘልዓ ኣብቲ እስራኤላውያን ንኣምልኾ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ማሕደር ዚብሃል ተንቀሳቓሲ ድንኳን ኬገልግል ከም እትውፍዮ ድማ ንኣምላኽ ተመባጽዐት።—1 ሳሙኤል 1:11

 ኣምላኽ ንጸሎት ሃና ሰምዖ፣ ንሳሙኤል ድማ ወለደት። ሃና መብጽዓኣ ብምሕላው ንሳሙኤል ገና ንእሽቶ ኸሎ ኣብቲ ማሕደር ኬገልግል ናብኡ ወሰደቶ። (1 ሳሙኤል 1:27, 28) ዓመታዊ ኸኣ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ገይራ ተምጽኣሉ ነበረት። ድሕሪ ግዜ፡ ኣምላኽ ንሃና ሓሙሽተ ቘልዑ—ሰለስተ ኣወዳትን ኽልተ ኣዋልድን—ብምሃብ ባረኻ።—1 ሳሙኤል 2:18-21

 ካብ ሃና እንታይ ንምሃር፧ እቲ ሃና ዘቕረበቶ ልባዊ ጸሎት፡ ፈተናታት ክትጻወር ሓጊዝዋ እዩ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ሳሙኤል 2:1-10 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸሎት ምስጋና፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበራ ዓሚቝ እምነት ዜንጸባርቕ እዩ።

  ያዔል

 ያዔል መን እያ፧ ሰበይቲ እቲ ሔበር ዚብሃል እስራኤላዊ ዘይኰነ ሰብኣይ እያ ነይራ። ያዔል ተቢዓ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኣምላኽ ቈይማ እያ።

 እንታይ ገይራ፧ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከነኣን ዝነበረ ሲሰራ ናብ ድንኳና ምስ መጸ፡ ብቘራጽነት ስጕምቲ ወሲዳ እያ። ሲሰራ ኣብቲ ምስ እስራኤል ዝገበሮ ውግእ ምስ ተሳዕረ፡ ዚዕቈበሉን ዜዕርፈሉን ቦታ ኺደሊ ጀመረ። ያዔል ድማ ኣብ ድንኳና ኺሕባእን ኬዕርፍን ዓደመቶ። ደቂሱ ኸሎ ድማ ቀተለቶ።—መሳፍንቲ 4:17-21

 ያዔል ነቲ ብዴቦራ እተነግረ፡ “የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺህቦ እዩ” ዚብል ትንቢት ፈጺማቶ እያ። (መሳፍንቲ 4:9) ስለቲ ዝነበራ ግደ ኸኣ ፡ “ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ” ተባሂላ ተወዲሳ እያ።—መሳፍንቲ 5:24

 ካብ ያዔል እንታይ ንምሃር፧ ያዔል ብትብዓት ስጕምቲ ወሲዳ እያ። ዛንታኣ፡ ኣምላኽ ትንቢቱ ኸም ዚፍጸም ኪገብር ከም ዚኽእል የርኢ።

  ኢዛቤል

 ኢዛቤል መን እያ፧ ሰበይቲ እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ኣከኣብ እያ ነይራ። እስራኤላዊትን ንየሆዋ እተምልኽን ኣይነበረትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣምላኽ ከነኣናውያን ዝነበረ በዓል እያ እተምልኽ ነይራ።

 እንታይ ገይራ፧ ንግስቲ ኢዛቤል ዓብላሊትን ጨካንን ዓመጸኛን እያ ነይራ። ኣምልኾ በዓልን ነቲ ምስኡ ዚተኣሳሰር ጾታዊ ርኽሰትን ኣተባቢዓ እያ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኸተጥፍእ ሃቂና እያ።—1 ነገስት 18:4, 13፣ 19:1-3

 ኢዛቤል ዝደለየቶ ኽትረክብ ኢላ ትሕሱን ሰብ ትቐትልን ነይራ እያ። (1 ነገስት 21:8-16) ከምቲ ኣምላኽ እተነበዮ ኸኣ፡ ሕማቕ ኣማውታ ሞይታ፡ ከይተቐብረት እውን ተሪፋ እያ።—1 ነገስት 21:23፣ 2 ነገስት 9:10, 32-37

 ካብ ኢዛቤል እንታይ ንምሃር፧ ኢዛቤል መለበሚ ትዀነና እያ። ብስነ ምግባር ብልሽውትን ዓመጸኛን ካብ ምንባራ እተላዕለ፡ ስማ መለለዪ ዘይትሓንኽን ብዕልግትን ቀይዲ በተኽን ሰበይቲ ዀይኑ እዩ።

  ልያ

 ልያ መን እያ፧ ቀዳመይቲ ሰበይቲ እቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ እያ ነይራ። እታ ምንኣሳ ዝነበረት ሓብታ ራሄል ድማ እታ ኻልአይቲ ሰበይቱ እያ።—ዘፍጥረት 29:20-29

 እንታይ ገይራ፧ ልያ ንያእቆብ ሸውዓተ ኣወዳት ወሊዳትሉ። (ሩት 4:11) ያእቆብ ንልያ ዘይኰነስ ንራሄል ኪምርዓዋ እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣቦአን ላባን፡ ኣብ ክንዲ ንራሄል፡ ንልያ ሃቦ። ያእቆብ ንልያ ተታሊሉ ኸም እተመርዓዋ ምስ ፈለጠ፡ ምስ ላባን ተፋጠጠ። ላባን ከኣ፡ እታ ንእሽቶ ቕድሚ እታ ዓባይ ክትምርዖ ባህሎም ከም ዘይኰነ ገለጸሉ። ድሕሪ ሰሙን፡ ያእቆብ ንራሄል ተመርዓዋ።—ዘፍጥረት 29:26-28

 ያእቆብ ንራሄል ልዕሊ ልያ ፈተዋ። (ዘፍጥረት 29:30) ከም ውጽኢቱ፡ ልያ ስለ ዝቐንአት ፍቕርን ኣቓልቦን ያእቆብ ንምርካብ ምስ ሓብታ ኣብ ውድድር ኣተወት። ኣምላኽ ንስምዒት ልያ ስለ ዘስተብሃለሉ ሸውዓተ ውሉዳት—ሽዱሽተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን—ብምሃብ ባረኻ።—ዘፍጥረት 29:31

 ካብ ልያ እንታይ ንምሃር፧ ልያ ብጸሎት ኣቢላ ኣብ ኣምላኽ ተወኪላ እያ፣ እቲ ዜጨንቕ ኵነታት ስድራ ቤታ ንደገፍ ኣምላኽ ከም ዘይተስተብህለሉ ኺገብራ ኣይፈቐደትን። (ዘፍጥረት 29:32-35፣ 30:20) ታሪኽ ህይወት ልያ፡ ድርብ መውስቦ ዕዉት ኪኸውን ከም ዘይክእል እውን የርኢ እዩ። ኣምላኽ ንድርብ መውስቦ ንእተወሰነ እዋን ተጻዊርዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ዚቕበሎ መውስቦ ግና ሓደ ምስ ሓንቲ እዩ።—ማቴዎስ 19:4-6

  ማርታ

 ማርታ መን እያ፧ ሓብቲ ኣልኣዛርን ማርያም እያ ነይራ፣ ሰለስቲኦም ድማ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም፡ ቢታንያ ኣብ እትብሃል ቍሸት ይነብሩ ነበሩ።

 እንታይ ገይራ፧ ማርታ ምስ የሱስ ናይ ቀረባ ዕርክነት ነይርዋ እዩ፣ “የሱስ ድማ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ።” (ዮሃንስ 11:5) ማርታ ተቐባሊት ጋሻ እያ ነይራ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ኪበጽሖም ምስ ከደ፡ ማርታ ዕዮ ቤት ክትዓዪ ከላ ማርያም ግና ንየሱስ ትሰምዖ ነበረት። ማርታ ድማ፡ ማርያም ስለ ዘይሓገዘታ ንየሱስ ጠርዓትላ። የሱስ ግና ንኣረኣእያ ማርታ ብለውሃት ኣረሞ።—ሉቃስ 10:38-42

 ኣልኣዛር ምስ ሓመመ፡ ማርታን ሓብታን፡ የሱስ ንሓወን ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል እምነት ስለ ዝነበረን ንየሱስ ኪመጽእ ለኣኻሉ። (ዮሃንስ 11:3, 21) ግናኸ፡ ኣልኣዛር ሞተ። እቲ ማርታ ምስ የሱስ ዝገበረቶ ዝርርብ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤን ኣብቲ የሱስ ንሓዋ ኼተንስእ ዘለዎ ኽእለትን እምነት ከም ዝነበራ ኣርእዩ እዩ።—ዮሃንስ 11:20-27

 ካብ ማርታ እንታይ ንምሃር፧ ማርታ ኣጋይሽ ኣብ ምቕባል ኣበርቲዓ ዓይያ እያ። ምኽሪ ኽትቅበል ፍቓደኛ ዀይና እያ። ብዛዕባ ስምዒታን እምነታን ድማ ብግልጺ ተዛሪባ እያ።

  •  ብዛዕባ ማርታ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “አሚነ አሎኹ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

  ማርያም (ኣደ የሱስ)

 ማርያም መን እያ፧ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ እያ ነይራ፣ ንየሱስ ኣብ ዝወለደትሉ እዋን ድማ ድንግል እያ ነይራ። ብተኣምራዊ መገዲ ኸኣ እያ ንወዲ ኣምላኽ ጠኒሳቶ።

 እንታይ ገይራ፧ ማርያም ብትሕትና ፍቓድ ኣምላኽ ፈጺማ እያ። ሓደ መልኣኽ መጺኡ ኸም እትጠንስን ነቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ መሲሕ ከም እትወልድን ኪነግራ ኸሎ ንዮሴፍ ሕጽይቲ እያ ነይራ። (ሉቃስ 1:26-33) ነቲ መዝነት ድማ ፍቓደኛ ዀይና ተቐበለቶ። የሱስ ምስ ተወልደ፡ ዮሴፍን ማርያምን ኣርባዕተ ኣወዳትን እንተ ወሓደ ክልተ ኣዋልድን ወለዱ። ስለዚ፡ ማርያም ድንግል ኰይና ኣይቀጸለትን። (ማቴዎስ 13:55, 56) ፍሉይ መሰል ረኺባ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ እዋን ኣገልግሎት የሱስ ኰነ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ፡ ውዳሰን ፍሉይ ኣተሓሕዛን ኣይደለየትን ወይ ኣይተቐበለትን።

 ካብ ማርያም እንታይ ንምሃር፧ ማርያም ከቢድ ሓላፍነት ክትቅበል ፍቓደኛ ዝነበረት እምንቲ ሰበይቲ እያ። ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ፍልጠት ነይርዋ እዩ። ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኣብ ሉቃስ 1:46-55 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላታ፡ ኣስታት 20 ግዜ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሳ ኣላ።

  •  ብዛዕባ ማርያም ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

  ማርያም (ሓብቲ ማርታን ኣልኣዛርን)

 ማርያም መን እያ፧ ንሳን ሓዋ ኣልኣዛርን ሓብታ ማርታን ንየሱስ ናይ ቀረባ ፈተውቱ እዮም ነይሮም።

 እንታይ ገይራ፧ ማርያም ንየሱስ ከም ወዲ ኣምላኽ መጠን ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዝነበራ ብዙሕ ግዜ ኣርእያ እያ። የሱስ ንሓዋ ኣልኣዛር ካብ ሞት ኬድሕኖ ኸም ዚኽእል ዝነበራ እምነት ገሊጻ እያ፣ የሱስ ኬተንስኦ ኸሎ ድማ ኣብኡ ነይራ እያ። ኣብ ዕዮ ቤት ኣብ ክንዲ እትሕግዝ ንየሱስ ክትሰምዕ ብምድላያ፡ ብሓብታ ማርያም ተነቒፋ እያ። የሱስ ግና ማርያም ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ብምሃባ ንኢድዋ እዩ።—ሉቃስ 10:38-42

 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ “ክቡር ቅዱይ ቅብኢ” ኣብ ርእስን እግርን የሱስ ብምፍሳስ ፍሉይ ልግሲ ኣርእያ እያ። (ማቴዎስ 26:6, 7) ነዚ ዝረኣዩ ሰባት ንማርያም መባኸኒት ከም ዝዀነት ገይሮም ነቒፎምዋ እዮም። የሱስ ግና “እዚ ብስራት [መንግስቲ ኣምላኽ] እዚ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ እተሰብኮ ዘበለ፡ እዛ ሰበይቲ ዝገበረቶ ግብሪ ንመዘከሪኣ ኺንገር እዩ” ብምባል ተኸላኺሉላ እዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 26:8-13

 ካብ ማርያም እንታይ ንምሃር፧ ማርያም ድልድልቲ እምነት ኣማዕቢላ እያ። ነቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣምልኾ ቕድሚ ዓለማዊ ጕዳያት ሰሪዓቶ እያ። ብዙሕ ገንዘብ ብምውጻእ እውን ከይተረፈ ንየሱስ ብትሕትና ኣኽቢራቶ እያ።

  ማርያም መግደላዊት

 ማርያም መግደላዊት መን እያ፧ እምንቲ ጓል መዝሙር የሱስ እያ ነይራ።

 እንታይ ገይራ፧ ማርያም መግደላዊት ሓንቲ ኻብተን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ዚጐዓዛ ዝነበራ ኣንስቲ እያ። ዜድልዮም ነገራት ምእንቲ ኺማልኣሎም ገንዘባ ብልግሲ ትውፊ ነይራ እያ። (ሉቃስ 8:1-3) ንየሱስ ክሳዕ መወዳእታ ኣገልግሎቱ ስዒባቶ እያ፣ ኪቕተል ከሎ እውን ኣብቲ ኸባቢ ነይራ እያ። ሓንቲ ኻብቶም ንየሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ ዝረኣይዎ ቐዳሞት ሰባት ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል እውን ረኺባ እያ።—ዮሃንስ 20:11-18

 ካብ ማርያም እንታይ ንምሃር፧ ማርያም መግደላዊት ንኣገልግሎት የሱስ ብልግሲ ደጊፋን ውፍይቲ ጓል መዝሙር ኰይና ቐጺላን እያ።

  ሚርያም

 ሚርያም መን እያ፧ ሓብቲ ሙሴን ኣሮንን እያ ነይራ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነብዪት ተባሂላ እተጸውዐት ናይ ፈለማ ሰበይቲ ድማ እያ።

 እንታይ ገይራ፧ ከም ነብዪት መጠን መልእኽቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ትነግር ነይራ እያ። ኣብ እስራኤል ጕሉሕ ቦታ እውን ነይርዋ እዩ፣ ኣምላኽ ንሰራዊት ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ደምሰሶም ከኣ ምስቶም ሰብኡት ኰይና መዝሙር ዓወት ዘሚራ እያ።—ዘጸኣት 15:1, 20, 21

 ድሕሪ ግዜ፡ ሚርያምን ኣሮንን ንሙሴ ወቐስዎ። ብትዕቢትን ብቕንእን ተደሪኾም ከምኡ ኸም ዝገበሩ ንጹር እዩ ነይሩ። ኣምላኽ “ይሰምዕ” ስለ ዝነበረ፡ ንሚርያምን ንኣሮንን ተሪር ምኽሪ ሃቦም። (ዘሁልቍ 12:1-9) ነቲ ነቐፌታ ዘበገሰቶ ሚርያም እያ ኽትከውን ዘለዋ፣ ስለዚ፡ ኣምላኽ ብደዌ ወቕዓ። ሙሴ ምእንታኣ ምስ ለመነ ግና ኣምላኽ ኣሕወያ። ንሸውዓተ መዓልቲ ምስ ተወሸበት ከኣ ኣብ ሰፈር እስራኤል ክትኣቱ ተፈቕደላ።—ዘሁልቍ 12:10-15

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሚርያም ነቲ መአረምታ ኸም እተቐበለቶ ይእምት እዩ። ዘመናት ጸኒሑ፡ ንእስራኤላውያን፡ “ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን ድማ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም” ብምባል ኬዘኻኽሮም ከሎ፡ ነቲ ሚርያም ዝነበራ ፍሉይ መሰል ጠቒስዎ እዩ።—ሚክያስ 6:4

 ካብ ሚርያም እንታይ ንምሃር፧ ዛንታ ሚርያም፡ ኣምላኽ ነቲ ኣምለኽቱ ንሓድሕዶም ወይ ብዛዕባ ሓድሕዶም ዚብልዎ ኸም ዜቕልበሉ ይገልጽ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ፡ ነቲ ንጽቡቕ ስም ካልኦት ሰባት ከም እነበላሹ ኺገብረና ዚኽእል ዘየድሊ ትዕቢትን ቅንእን ከነርሕቕ ከም ዘሎና ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

  ራሄል

 ራሄል መን እያ፧ ጓል ላባንን እታ ብዝያዳ እትፍቀር ሰበይቲ ያእቆብን እያ ነይራ።

 እንታይ ገይራ፧ ራሄል ንያእቆብ ተመርዕያን ክልተ ኣወዳት ወሊዳትሉን እያ፣ እዞም ኣወዳት ድማ ካብቶም ነቶም 12 ነገዳት ጥንታዊት እስራኤል ዝመስረቱ ርእስታት ስድራ ቤት ኰይኖም እዮም። ራሄል ኣባጊዕ ኣቦኣ ኽትጓሲ ኸላ፡ ምስቲ ጸኒሑ ሰብኣያ ዝዀነ ያእቆብ ተራኸበት። (ዘፍጥረት 29:9, 10) ምስታ ምዕባያ ዝነበረት ልያ ኽትነጻጸር ከላ፡ “ውቅብቲ” እያ ነይራ።—ዘፍጥረት 29:17

 ያእቆብ ንራሄል ስለ ዘፍቀራ፡ ምእንቲ ኺምርዓዋ ንሸውዓተ ዓመት ኬገልግል ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። (ዘፍጥረት 29:18) ኰይኑ ግና፡ ላባን ንያእቆብ ኣታሊሉ ፈለማ ንልያ ኸም ዚምርዓዋ ገበረ፣ ድሕሪኡ፡ ላባን ንያእቆብ፡ ንራሄል ኪምርዓዋ ፈቐደሉ።—ዘፍጥረት 29:25-27

 ያእቆብ ካብ ልያን ካብቶም ንሳ ዝወለደትሉን ደቁን ንላዕሊ፡ ንራሄልን ንደቃን እዩ ዝያዳ ዜፍቅሮም ነይሩ። (ዘፍጥረት 37:3፣ 44:20, 27-29) ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ኣንስቲ ውድድር ተላዕለ።—ዘፍጥረት 29:30፣ 30:1, 15

 ካብ ራሄል እንታይ ንምሃር፧ ራሄል፡ ኣምላኽ ጸሎታ ኸም ዚሰምዕ ብምትእምማን ኣጸጋሚ ዅነታት ስድራ ቤት ተጻዊራ እያ። (ዘፍጥረት 30:22-24) ታሪኻ ድማ፡ ድርብ መውስቦ ንስድራ ቤታት ከም ዚጐድአን የርኢ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣምላኽ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትህልዎ ዝሰርዖ ናይ መጀመርታ ስርዓት ጥበባዊ ኸም ዝነበረ እውን የነጽር እዩ።—ማቴዎስ 19:4-6

  ረሃብ

 ረሃብ መን እያ፧ ኣብታ ኣብ ከነኣን እትርከብ ከተማ ያሪኮ እትቕመጥ፡ ቅድም ኣመንዝራ ዝነበረት ጸኒሓ ግና ኣምላኺት የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነት ሰበይቲ እያ ነይራ።

 እንታይ ገይራ፧ ረሃብ ነታ ሃገር ንዝስልዩ ኽልተ እስራኤላውያን ሓቢኣቶም እያ። ከምዚ ዝገበረት ከኣ፡ እቲ ኣምላኽ እስራኤል ዝዀነ የሆዋ ንህዝቡ ኸመይ ገይሩ ኻብ ግብጺ ኸም ዘድሓኖም፡ ጸኒሑ ድማ ኣሞራውያን ካብ ዚብሃሉ ዓሌት ብኸመይ ከም ዘናገፎም ዚገልጽ ታሪኽ ስለ ዝሰምዐት እያ።

 ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓገዘቶም፣ እስራኤላውያን ንያሪኮ ኼጥፍእዋ ኺመጹ ኸለዉ ንዓኣን ንስድራ ቤታን ብህይወት ኪሓድግዎም ድማ ለመነቶም። እቶም ሰለይቲ ምስዚ ተሰማምዑ፣ ከምኡ ቕድሚ ምግባሮም ግና ፈለማ ንሳ ንተልእኾኦም ብምስጢር ክትሕዞ፡ እስራኤላውያን ኬጥቅዑ ኸለዉ ንሳን ስድራ ቤታን ካብ ቤታ ኸይወጹ፡ ከምኡ ድማ ምልክት ምእንቲ ኪኸውን ቀይሕ ገመድ ኣብ መስኰት ቤታ ኽትኣስር ከም ዘለዋ ነገርዋ። ረሃብ ንዅሉ እቲ ዝበልዋ ተኣዘዘቶ፣ እስራኤላውያን ንያሪኮ ምስ ሓዝዋ ኸኣ ንሳን ስድራ ቤታን ደሓኑ።

 ረሃብ ጸኒሓ እስራኤላዊ ሰብኣይ ተመርዓወት፣ እኖሓጎ ንጉስ ዳዊትን የሱስ ክርስቶስን ድማ ኰነት።—እያሱ 2:1-24፣ 6:25፣ ማቴዎስ 1:5, 6, 16

 ካብ ረሃብ እንታይ ንምሃር፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንረሃብ ከም እተደንቕ ኣብነት እምነት ገይሩ እዩ ዚገልጻ። (እብራውያን 11:30, 31፣ ያእቆብ 2:25) ታሪኻ ድማ፡ ኣምላኽ መሓርን ዘየዳሉን ከም ዝዀነ፡ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ኸኣ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ ከም ዚባርኾም የርኢ እዩ።

  ርብቃ

 ርብቃ መን እያ፧ ሰበይቲ ይስሃቅን ኣደ እቶም ያእቆብን ኤሳውን ዚብሃሉ ኽልተ ማናቱ ደቆምን እያ ነይራ።

 እንታይ ገይራ፧ ርብቃ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነ እዋን እኳ ኸይተረፈ ፍቓድ ኣምላኽ ፈጺማ እያ። ካብ ዒላ ማይ ክትወርድ ከላ፡ ሓደ ሰብኣይ ሒደት ማይ ከተስትዮ ሓተታ። ርብቃ ቀልጢፋ ኣስተየቶ፣ ንኣግማል እቲ ሰብኣይ ማይ ክትቀድሓለን እውን ፍቓደኛ ዀነት። (ዘፍጥረት 24:15-20) እቲ ሰብኣይ ኣገልጋሊ ኣብርሃም እዩ ነይሩ፣ ነቲ ይስሃቅ ዝስሙ ወዲ ኣብርሃም ሰበይቲ ምእንቲ ኺደልየሉ ድማ ነዊሕ ተጓዒዙ እዩ መጺኡ። (ዘፍጥረት 24:2-4) በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ እውን ጸልዩ እዩ። ርብቃ ትግህትን ተቐባሊት ጋሻን ከም ዝዀነት ምስ ረኣየ ኸኣ ኣምላኽ ጸሎቱ ኸም ዝመለሰሉን ርብቃ ሰበይቲ ይስሃቅ ክትከውን ከም ዝሓረያን ኣስተውዓለ።—ዘፍጥረት 24:10-14, 21, 27

 ርብቃ ብዛዕባ እቲ ኣገልጋሊ ዝመጽኣሉ ዕላማ ምስ ፈለጠት፡ ምስኡ ኽትምለስን ሰበይቲ ይስሃቅ ክትከውንን ፍቓደኛ ዀነት። (ዘፍጥረት 24:57-59) ርብቃ ጸኒሓ ማናቱ ኣወዳት ወለደት። ኣምላኽ ድማ እቲ በዅሪ ዝዀነ ኤሳው ነቲ ምንኣሱ ዝዀነ ያእቆብ ከም ዚግዝኦ ገለጸላ። (ዘፍጥረት 25:23) ይስሃቅ ንኤሳው ከም በዅሪ መጠን ኪምርቖ ምስ መደበ፡ ርብቃ ምስቲ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ዝነበራ ፍልጠት ብምስምማዕ፡ እቲ ምርቓ ንያእቆብ ከም ዚኸውን ንምግባር ስጕምቲ ወሰደት።—ዘፍጥረት 27:1-17

 ካብ ርብቃ እንታይ ንምሃር፧ ርብቃ ትሕትትን ትግህትን ተቐባሊት ጋሻን እያ ነይራ፣ እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ ዕውትቲ ሰበይትን ኣደን ኣምላኺት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ክትከውን ኣኽኢልዋ እዩ።

  ሩት

 ሩት መን እያ፧ ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣምላኺት የሆዋ ኽትከውን ኢላ ኣማልኽታን ዓዳን ዝሓደገት ሞኣባዊት እያ ነይራ።

 እንታይ ገይራ፧ ሩት ንናእሚ ሓማታ ብልጽቲ ፍቕሪ ኣርእያታ እያ። ናእሚን ሰብኣያን ክልተ ኣወዳት ደቆምን፡ ካብቲ ኣብ እስራኤል ኣትዩ ዝነበረ ጥሜት ንምምላጥ ናብ ሞኣብ ግዒዞም ነይሮም እዮም። እቶም ኣወዳት ከኣ ሩትን ዖርጳን ዝስመን ሞኣባውያን ኣንስቲ ተመርዓዉ። ድሕሪ ግዜ ግና ሰብኣይ ናእሚን እቶም ክልተ ኣወዳትን ሞቱ፣ ናእሚን ሩትን ዖርጳን ከኣ መበለታት ኰና።

 እቲ ደርቂ ምስ ኣብቅዐ፡ ናእሚ ናብ እስራኤል ክትምለስ ወሰነት። ሩትን ዖርጳን ድማ ምስኣ ኪኸዳ መረጻ። ናእሚ ግና ናብ ኣዝማደን ኪምለሳ ነገረተን። ዖርጳ ተመልሰት። (ሩት 1:1-6, 15) ሩት ግና ብተኣማንነት ምስ ሓማታ ጠበቐት። ንናእሚ ተፍቅራ ነይራ እያ፣ ነቲ ናእሚ እተምልኾ ኣምላኽ ኬተምልኾ ድማ ትደሊ ነይራ እያ።—ሩት 1:16, 17፣ 2:11

 ሩት ውፍይቲ ሰበይቲ ወድን ትግህቲ ሰራሕተኛን ስለ ዝነበረት፡ ኣብታ ዓዲ ናእሚ ዝዀነት ቤት-ልሄም ጽቡቕ ስም ኣጥረየት። ቦኣዝ ዝስሙ ሃብታም ብዓል መሬት ከኣ ብሩት ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ ንዓኣን ንናእሚን ምግቢ ለገሰለን። (ሩት 2:5-7, 20) ሩት ጸኒሓ ንቦኣዝ ተመርዓወቶ፣ እኖሓጎ ንጉስ ዳዊትን የሱስ ክርስቶስን ድማ ዀነት።—ማቴዎስ 1:5, 6, 16

 ካብ ሩት እንታይ ንምሃር፧ ሩት ንናእምን ንየሆዋን ካብ ዝነበራ ፍቕሪ እተላዕለ ዓዳን ቤተ ሰባን ክትሓድግ ፍቓደኛ ዀይና እያ። ኣብ እዋን መከራ እኳ ኸይተረፈ፡ ጻዕረኛን ውፍይትን እምንትን እያ ነይራ።

  ሳራ

 ሳራ መን እያ፧ ሰበይቲ ኣብርሃምን ኣደ ይስሃቅን እያ ነይራ።

 እንታይ ገይራ፧ ሳራ ኣብቲ ኣምላኽ ንሰብኣያ ኣብርሃም ዝኣተዉሉ ቓል እምነት ስለ ዝነበራ፡ ኣብታ ብልጽግቲ ኸተማ ኡር ንዝነበራ ምሹእ ህይወት ጠንጢናቶ እያ። ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ንኡር ሓዲጉ ናብ ምድሪ ኸነኣን ኪኸይድ ነገሮ። ከም ዚባርኾን ዓብዪ ህዝቢ ኸም ዚገብሮን ድማ ቃል ኣተወሉ። (ዘፍጥረት 12:1-5) ሳራ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ 60ታት ዕድሚኣ እያ ነይራ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዞም፡ ኣብርሃምን ሳራን ኣብ ድንኳን ኪቕመጡን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዙ ኺነብሩን ጀመሩ።

 ሳራ ዘላን ኰይና እትነብሮ ናብራ ንሓደጋ እኳ እንተ ኣቃልዓ፡ ንኣብርሃም ግና መምርሒ ኣምላኽ ኪስዕብ ደጊፋቶ እያ። (ዘፍጥረት 12:10, 15) ሳራ ንነዊሕ ዓመት መኻን ስለ ዝነበረት ብዙሕ ትጕሂ ነይራ እያ። ኣምላኽ ግና ንዘርኢ ኣብርሃም ከም ዚባርኾ ቓል ኣተወ። (ዘፍጥረት 12:7፣ 13:15፣ 15:18፣ 16:1, 2, 15) ድሕሪ ግዜ፡ ሳራ ንኣብርሃም ወዲ ኸም እትወልደሉ ኣምላኽ ኣረጋገጸሎም። ውሉድ ክትወልደሉ እትኽእል ዕድመ ኣጸቢቓ ምስ ሓለፈት ድማ ወለደት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሳ ጓል 90 ዓመት እያ ነይራ፡ ሰብኣያ ድማ ወዲ 100 ዓመት እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 17:17፣ 21:2-5) ነቲ ውላድ ኸኣ ይስሃቅ ኢሎም ሰመይዎ።

 ካብ ሳራ እንታይ ንምሃር፧ እቲ ኣምላኽ ከም ዚፍጽሞ ዝኣተዎ ቓል ዘይከኣል እኳ እንተ መሰለ፡ ወትሩ ኽንኣምኖ ኸም እንኽእል ካብ ሳራ ንምሃር ኢና። (እብራውያን 11:11) እቲ ኸም ብዓልቲ ቤት መጠን ዝሓደገቶ ኣብነት ከኣ፡ ኣብ ሓዳር ኣኽብሮት ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ የጕልሕ እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:5, 6

  ሹላማዊት

 እታ ሹላማዊት መን እያ፧ መልክዐኛ ዕባይ ገጠር እያ ነይራ፣ ቀንዲ ገጸ ባህርይ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መሃልየ መሃልይ እትብሃል መጽሓፍ ድማ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ስማ መን ምዃኑ ኣይጠቅስን እዩ።

 እንታይ ገይራ፧ እታ ሹላማዊት ጓል ነቲ እተፍቅሮ ዝነበረት ጓሳ እምንቲ እያ ነይራ። (መሃልየ መሃልይ 2:16) እቲ ዜደንቕ ጽባቐኣ ግና ኣቓልቦ እቲ ሃብታም ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ሰሓበ፣ ፍቕራ ኺረክብ ድማ ጸዓረ። (መሃልየ መሃልይ 7:6) ካልኦት ሰባት ንሰሎሞን ክትሓሪ እኳ እንተ ደፋፍኣኣ፡ እታ ሹላማዊት ጓል ግና ኣቕበጸት። ነቲ ትሑት ጓሳ ተፍቅሮን ንዕኡ እምንትን እያ ነይራ።—መሃልየ መሃልይ 3:5፣ 7:10፣ 8:6

 ካብታ ሹላማዊት ጓል እንታይ ንምሃር፧ መልክዐኛን ማራኺትን እኳ እንተ ነበረት፡ ትሕትቲ እያ ነይራ። ነቲ ጓሳ ዝነበራ ፍቕሪ ኸኣ ብጸቕጢ መዛኑ ዀነ ብስጋዊ ሃብትን ዝናን ኪጽሎ ኣይፈቐደትን። ስምዒታ ተቘጻጺራን ስነ ምግባራዊ ንጽህናኣ ዓቂባን እያ።

  ሰበይቲ ሎጥ

 ሰበይቲ ሎጥ መን እያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ስማ ኣይነግረናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ክልተ ኣዋልድ ከም ዝነበራኣ፡ ንሳን ስድራ ቤታን ከኣ ኣብ ከተማ ሶዶም ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ይነግረና እዩ።—ዘፍጥረት 19:1, 15

 እንታይ ገይራ፧ ትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሳ እያ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣምላኽ ንሶዶምን ኣብ ከባቢኣ ንዝነበራ ኸተማታትን ብምኽንያት እቲ ኣባታተን ዝነበረ ዓብዪ ጾታዊ ርኽሰት ኬጥፍአን መደበ። ነቲ ኣብ ሶዶም ዚቕመጥ ዝነበረ ጻድቕ ሎጥን ንስድራ ቤቱን ካብ ዝነበሮ ፍቕሪ ተላዒሉ ድማ ካብኡ ኼውጽእዎም ክልተ መላእኽቲ ለኣኸሎም።—ዘፍጥረት 18:20፣ 19:1, 12, 13

 እቶም መላእኽቲ ንስድራ ቤት ሎጥ ካብቲ ቦታ ኺሃድሙ፡ ንድሕሪት ከይጥምቱ፡ እንተ ጠሚቶም ግና ከም ዚሞቱ ነገርዎም። (ዘፍጥረት 19:17) ሰበይቲ ሎጥ ግና፡ “ንድሕሪት ግልጽ በለት፣ ሓወልቲ ጨው ከኣ ኰነት።”—ዘፍጥረት 19:26

 ካብ ሰበይቲ ሎጥ እንታይ ንምሃር፧ ፍቕሪ ስጋዊ ጥሪት፡ ንኣምላኽ ከም ዘይንእዘዞ ኺገብረና ኸም ዚኽእል ካብ ታሪኻ ንምሃር ኢና። የሱስ፡ “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ብምባል መለበሚ ኸም እትዀነና ገሊጹ እዩ።—ሉቃስ 17:32

 ሰሌዳ ግዜ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣንስቲ

  1.  ሄዋን

  2. ማይ ኣይሂ (2370 ቅ.ክ.)

  3.  ሳራ

  4.  ሰበይቲ ሎጥ

  5.  ርብቃ

  6.  ልያ

  7.  ራሄል

  8. ጻኦት ወይ ምውጻእ እስራኤላውያን (1513 ቅ.ክ.)

  9.  ሚርያም

  10.  ረሃብ

  11.  ሩት

  12.  ዴቦራ

  13.  ያዔል

  14.  ደሊላ

  15.  ሃና

  16. ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል (1117 ቅ.ክ.)

  17.  ኣቢጋይል

  18.  ሹላማዊት

  19.  ኢዛቤል

  20.  ኣስቴር

  21.  ማርያም (ኣደ የሱስ)

  22. ጥምቀት የሱስ (29 ድ.ክ.)

  23.  ማርታ

  24.  ማርያም (ሓብቲ ማርታን ኣልኣዛርን)

  25.  ማርያም መግደላዊት

  26. ሞት የሱስ (33 ድ.ክ.)