ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፋስጋ እንታይ እዩ፧

ፋስጋ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ፋስጋ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ክ. ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ስለ ዘውጽኦም ኣይሁድ ዜብዕልዎ በዓል እዩ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ በብዓመቱ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ ኣቢብ እትብሃል፡ ጸኒሓ ኸኣ ኒሳን እተባህለት ወርሒ ኼብዕልዎ ኣዘዞም።—ዘጸኣት 12:42፣ ዘሌዋውያን 23:5

ፋስጋ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

 እታ “ፋስጋ” እትብል ቃል ካብታ “ምሕላፍ” ዝትርጉማ ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት ኰይና፡ ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብቲ ንዅሉ በዅሪ ግብጺ ዝቐተለ መዓት ዝነሓፈሉ እዋን ተመልክት። (ዘጸኣት 12:27፣ 13:15) ኣምላኽ ነዚ ብርቱዕ ለበዳ እዚ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ንእስራኤላውያን ጤል ወይ በጊዕ ሓሪዶም ንደሙ ኣብ ልዳት ቤቶም ኪነጽግዎ ነገሮም። (ዘጸኣት 12:21, 22) ኣምላኽ ከኣ ነዚ ምልክት እዚ ርእዩ ንቤቶም ‘ኪሓልፎን’ ንበዅሮም ኪንሕፎን ነበሮ።—ዘጸኣት 12:7, 13

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ፋስጋ ብኸመይ ይብዓል ነይሩ፧

 ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ነቲ ናይ መጀመርታ ፋስጋ ብኸመይ ኬብዕልዎ ኸም ዘለዎም መምርሒታት ሃቦም። a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ በዓላት ፋስጋ፡ ነዚ ዚስዕብ ነገራት ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

  •   መስዋእቲ፦ ስድራ ቤታት ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ወርሒ ኣቢብ (ኒሳን፡) ዓመት ዝገበረ ገንሸል (ወይ ጤል) መሪጾም፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ይሓርድዎ ነበሩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ፋስጋ፡ እስራኤላውያን ነቲ ደሙ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳቶምን ኣብ ላዕለዋይ ልዳቶምን ነጸግዎ፣ ብሓዊ ጠቢሶም ድማ በልዕዎ።—ዘጸኣት 12:3-9

  •   ምግቢ፦ እስራኤላውያን ኣብ ርእሲ እቲ ገንሸል (ወይ ጤል፡) ከም ክፍሊ ድራር ፋስጋ፡ ቅጫን መሪር ሓምልን እውን ይበልዑ ነበሩ።—ዘጸኣት 12:8

  •   በዓል፦ እስራኤላውያን ድሕሪ ፋስጋ ንሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ የብዕሉ ነይሮም እዮም፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ብኹዕ ዘበለ ኣይበልዑን ነበሩ።—ዘጸኣት 12:17-20፣ 2 ዜና መዋእል 30:21

  •   ትምህርቲ፦ ወለዲ ንበዓል ፋስጋ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ይጥቀሙሉ ነበሩ።—ዘጸኣት 12:25-27

  •   ጕዕዞ፦ ድሕሪ ግዜ፡ እስራኤላውያን በዓል ፋስጋ ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ይጐዓዙ ነበሩ።—ዘዳግም 16:5-7፣ ሉቃስ 2:41

  •   ካልእ ልምድታት፦ ብግዜ የሱስ፡ በዓል ፋስጋ ወይንን መዝሙርን እውን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 26:19, 30፣ ሉቃስ 22:15-18

ብዛዕባ ፋስጋ ዘሎ ግጉይ ምርዳእ

 ግጉይ ርድኢት፦ እስራኤላውያን ንድራር ፋስጋ ኣብ 15 ኒሳን እዮም በሊዖምዎ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ 14 ኒሳን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ገንሸል ኪሓርዱን ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኺበልዕዎን ኣዘዞም። (ዘጸኣት 12:6, 8) ብኣቈጻጽራ እስራኤላውያን ሓንቲ መዓልቲ፡ ካብ ምዕራብ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ጸሓይ እያ እትቕጽል ነይራ። (ዘሌዋውያን 23:32) ስለዚ እምበኣር፡ እስራኤላውያን ገንሸል ሓሪዶም ድራር ፋስጋ ዚበልዑ ዝነበሩ ኣብ ምጅማር 14 ኒሳን እዮም።

 ግጉይ ርድኢት፦ ክርስትያናት ፋስጋ ኼብዕሉ ኣለዎም።

 ሓቂ፦ የሱስ ኣብ 14 ኒሳን፡ 33 ድ.ክ. በዓል ፋስጋ ምስ ኣብዓለ፡ ሓድሽ በዓል ኣተኣታተወ፣ እዚ ኸኣ ድራር ጐይታ እዩ። (ሉቃስ 22:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 11:20) እዚ ድራር እዚ፡ መስዋእቲ “ክርስቶስ እቲ ገንሸል ፋስጋ” ዚኽበረሉ ስለ ዝዀነ ንፋስጋ ተኪእዎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:7) መስዋእታዊ በጃ የሱስ ንዅሎም ሰባት ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ስለ ዜውጽኦም፡ ካብ መስዋእቲ ፋስጋ ዚበልጽ እዩ።—ማቴዎስ 20:28፣ እብራውያን 9:15

a ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ገለ ምትዕርራያት ኪግበር ኣድልዩ ነበረ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ነቲ ናይ መጀመርታ ፋስጋ ብሃታሃታ እዮም ኣብዒሎምዎ፣ ከመይሲ፡ ካብ ግብጺ ኺወጹ ድሉዋት ኪዀኑ ነበሮም። (ዘጸኣት 12:11) ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ ግና፡ ደጊም ብሃወኽ ኬብዕልዎ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ።