ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ሎሚ ዘለዉ ሰባት ተነብዩ ነይሩ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ሎሚ ዘለዉ ሰባት ተነብዩ ነይሩ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት፡ እናኸፍኡ ኪኸዱ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ፡ መጠነ ሰፊሕ ስነ ምግባራዊ ውድቀት ከም ዜስዕብ እዩ ዚገብር። a (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኰይኑ ግና፡ በዚ ባህርያት እዚ ዘይጽለዉ ገለ ሰባት ከም ዚህልዉ እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ነዚ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሰኒፎም፡ ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ የሰማምዕዎ።—ኢሳይያስ 2:2, 3

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት እንታይ ይብል፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሰ ፍትወት እተመርኰሰ እተፈላለየ ኣሉታዊ ባህርያትን ተግባራትን ኣብ ፈቐዶኡ ኸም ዚህሉ ይገልጽ እዩ። ሰባት፡ “ርእሶም ዘይገትኡ፡” “ፈተውቲ ርእሶም፡” “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ” ኪዀኑ ምዃኖም ተነብዩ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2-4

 ከምቲ እዚ ትንቢት እዚ ዚብሎ፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ እዮም ዚሓስቡ። ኣብ ረብሓኦምን ኣብ ዜሐጕሶምን ኣብ ዜገድሶምን ነገራት ጥራይ እዮም ዜተኵሩ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ልሙድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ሎሚ ሰባት ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ እዮም ዚሓስቡ፣ እዚ ኸኣ እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶም ስለ ዜተኵሩ፡ “ሰናይ ዘይፈትዉ፡” ማለት ጽቡቕ ባህርያት ኪፈትዉ ዘይኽእሉ እዮም ኰይኖም ዘለዉ። ስለ “ዘየመስግኑ፡” በቲ ዘለዎም ኰነ ኻልኦት ብዚገብሩሎም ኬማስዉ ዘለዎም ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2, 3

 ርእሰ ፍትወት ጠንቂ ኹሉ እቲ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት እዩ፦

  •   ስስዐ። ብዙሓት ሰባት “ፈተውቲ ገንዘብ” እዮም። ነቲ ኣብ ህይወቶም ዚረኽብዎ ዓወት መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዘለዎም ገንዘብ ወይ ሃብቲ እዮም ዚልክዕዎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2

  •   ትዕቢት። መብዛሕትኦም ሰባት፡ “ምኩሓት፡ ዕቡያት፡” “ብትዕቢት እተነፍሑ” እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:2, 4) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብኽእለቶም፡ ብባህርያቶም፡ ወይ ብሃብቶም ይጅሃሩ እዮም።

  •   ሓመይቲ። ተጻረፍትን ሓመይትን ኣብ ፍቐዶኡ እዮም ዚርከቡ። (2 ጢሞቴዎስ 3:2, 3)እዚ ቓላት እዚ፡ ነቶም ንኣምላኽ ወይ ንኻልኦት ሰባት ዚጻረፉ ወይ ብዛዕባኦም ሓሶት ዚዛረቡ የመልክት።

  •   ነቓጻት። ብዙሓት ሰባት፡ “ዘይእሙናት፡” “ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡” “ጠላማት፡” ከምኡ እውን “ነቓጻት” እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:2-4) ንስምምዕ ፍቓደኛታት ብዘይምዃን ወይ ኣብ ቃሎም ብዘይምጽናዕ እዮም ነዚ ባህርያት እዚ ዜንጸባርቑ።

  •   ዓመጽቲ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት፡ ብቐሊሉ ዚቝጥዑ ጨካናት ብምዃኖም ዜስካሕክሕ ኣረመናዊ ተግባራት እዮም ዚፍጽሙ።—2 ጢሞቴዎስ 3:3

  •   ጠሓስቲ ሕጊ። የሱስ ኣብዚ ግዜና ጥሕሰት ሕጊ ኺበዝሕ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:12) ህውከት ወይ ናዕቢ ኸም ዚበዝሕ እውን ተነብዩ ነይሩ።—ሉቃስ 21:9፡ እግረ ጽሑፍ።

  •   ፍቕሪ ስድራ ቤት ዘይብሎም። “ንወለዶም ዘይእዘዙ”ን “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም”ን ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝበዝሑ ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣላዪ ዘይብለንን ኣደዳ ዓመጽን ኰይነን ተሪፈን እየን።—2 ጢሞቴዎስ 3:2, 3

  •   ሃይማኖታዊ ግብዝና ዘለዎም። “ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ” ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:5) ነቲ ኣምላኽ ካብኦም ዚደልዮ ነገራት ኣብ ክንዲ ዚገብሩ፡ ነቲ ንዕኦም ባህ ዜብሎም፡ ብመራሕቲ ሃይማኖቶም ዚንገሮም ነገራት እዮም ዚስዕቡ።—2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

 ፈተውቲ ርእሶም ዝዀኑ ሰባት ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኣለዎም፧

 ክቱር ርእሰ ፍትወት ንብዙሓት ሰባት ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸገማት ኣስዒቡሎም እዩ። (መክብብ 7:7) ንኣብነት፡ ገሊኦም ፈተውቲ ገንዘብ ዝዀኑ ሰባት ንኻልኦት ይብለጹሎም እዮም። ገሊኦም ሰባት፡ ፍቕሪ ስድራ ቤት ስለ ዘይብሎም በቲ ዚገብርዎ ጭቈና፡ ንገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤቶም ናብ ጭንቀት ወይ ርእሰ ቕትለት ከም ዜምርሑ ይገብሮም። ጠላማት ወይ ዘይእሙናት ሰባት ነቶም ዚጠልምዎም ሰባት ዘይሃስስ ስምዒታዊ በሰላ እዮም ዚገድፉሎም።

 ሰባት ብሓፈሻ እናኸፍኡ ዚኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጠንቂ እቲ ኣብ ሰባት ዚርአ ዘሎ ናይ ባህርያት ለውጢ እንታይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ።

  •   ንኣምላኽን ንብጻይን ኪህሉ ዚግባእ ሓቀኛ ፍቕሪ እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:12) ብእኡ መጠን ከኣ ርእሰ ፍትወት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

  •   ሰይጣን ድያብሎስ ካብ ሰማይ ተደርብዩ ኣብ ከባቢ ምድሪ እዩ ተሓጺሩ ዘሎ። (ራእይ 12:9, 12) ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኸኣ ሰባት ዝያዳ ስሱዓት ኪዀኑ ጽልዋ ይገብረሎም ኣሎ።—1 ዮሃንስ 5:19

 ነዚ ሕማቕ ባህርያት እዚ ኽንርኢ ኸለና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

 ቃል ኣምላኽ፡ “ካብዚኣቶም ርሓቕ” እዩ ዚብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:5) እዚ ኺበሃል ከሎ ግና፡ ፈጺምና ኻብ ማሕበረ ሰብ ክንግለል ኣሎና ማለት ዘይኰነስ፡ ምስቶም ስሱዓትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎምን ሰባት ናይ ቀረባ ዕርክነት ክንምስርት የብልናን ማለት እዩ።—ያእቆብ 4:4

 ኵሉ ሰብ ድዩ እናኸፍአ ኪኸይድ፧

 ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ በቲ “ዚግበር ዘሎ ዅሉ ፍንፉን ነገራት፡ እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን ሰባት” ከም ዚህልዉ ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ህዝቅኤል 9:4) ንሳቶም ስስዐ ብምውጋድ ብስርዓታት ኣምላኽ እዮም ዚምርሑ። እቲ ዚብልዎን ዚገብርዎን ነገራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሰባት እተፈልየ እዩ። (ሚልክያስ 3:16, 18) ንኣብነት፡ ምስ ኵሎም ሰባት ሰላም ኪገብሩ ይጽዕሩ፣ ኣብ ውግእን ዓመጻን እውን ኣይሳተፉን እዮም።—ሚክያስ 4:3

 ደቂ ሰብ ብምሉኦም ድዮም ናብ ዓመጽን ስርዓት ኣልቦነትን ኪሽመሙ፧

 ኣይፋልን። ንደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ሕንፍሽፍሽ ይኣትዎም ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ነቶም ብስርዓታቱ ኸይመላለሱ ዝመረጹ ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። (መዝሙር 37:38) ንሱ ሓዳስ ምድሪ፡ ማለት ሓድሽ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምድሪ ኬቕውም እዩ። ኣብኡ ድማ፡ እቶም ትሑታት ሰባት ንዘለኣለም ብሰላም ኪነብሩ እዮም። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ መዝሙር 37:11, 29) እዚ ተስፋ እዚ፡ ሕልሚ ጥራይ ኣይኰነን። ሕጂ እውን ከይተረፈ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ህይወቶም ቀዪሮም ብጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኪመላለሱ ይሕግዞም ኣሎ።—ኤፌሶን 4:23, 24

a ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ዓለምን፡ ኣብቲ “ጽንኩር ግዜ” ወይ “ክፉእ ዘመን” ተባሂሉ ዚፍለጥ ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዘለና የረጋግጸልና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1ትርጉም 1956) ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “ምልክት ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ እንታይ እዩ፧” ርአ።