ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ

እዚ ሓጸርቲ ቪድዮታት እዚ፡ ብዛዕባ ድሕረ ባይታን ትሕዝቶን መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። እዚ ቪድዮታት እዚ ንንባብን ንመጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ከተዕምቝ ይሕግዘካ።

መእተዊ ዘፍጥረት

ዘፍጥረት ብዛዕባ መበቈል ወዲ ሰብን ብዛዕባ መበቈል መከራን ሞትን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትህብ።

መእተዊ ዘጸኣት

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ኣውጺኡ ንዕኡ እተወፈዩ ህዝቢ ገይሩ ኣቘሞም።

መእተዊ ዘሌዋውያን

ዘሌዋውያን ብዛዕባ ቕድስና ኣምላኽን ንሕና ስለምንታይ ቅዱሳት ክንከውን ከም ዘሎናን ትገልጽ።

መእተዊ ዘሁልቍ

ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንየሆዋ እዙዝ ምዃንን ነቶም ንህዝቡ ኺመርሑ እተሸሙ ምኽባርን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ርአ።

መእተዊ ዘዳግም

ኣብቲ የሆዋ ንእስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ዓሚቝ ፍቕሩ ብኸመይ ከም እተንጸባረቐ ርአ።

መእተዊ እያሱ

ህዝቢ እስራኤል ነታ ኣምላኽ ዝሃቦም ምድሪ ብኸመይ ከም እተቘጻጸርዋን ከም እተማቐልዋን ርአ።

መእተዊ መሳፍንቲ

እዛ መሳጢት መጽሓፍ እዚኣ በቶም ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ጨቈንቶም ንምድሓን እተጠቕመሎም ተባዓት ሰብ እምነት እያ ተጸዊዓ።

መእተዊ ሩት

ኣብ መጽሓፍ ሩት፡ ሓንቲ መንእሰይ መበለት ነታ ዝመብለወት ሓማታ ብኸመይ ንጹህ ፍቕሪ ኸም ዘርኣየታን የሆዋ ንኽልቲአን ብኸመይ ዓስበን ከም ዝሃበንን ተዘንትዩ ኣሎ።

መእተዊ 1 ሳሙኤል

ብዛዕባ እቲ እስራኤል ካብ ዘመነ መሳፍንቲ ናብ ዘመነ ነገስታት እተሰጋገረሉ እዋን ርአ።

መእተዊ 2 ሳሙኤል

ዳዊት ሳላ ትሕትናኡን እምነቱን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ፍቱውን ፍሉጥን ገጸ ባህርይ ከም ዝዀነ ርአ።

መእተዊ 1 ነገስት

ህዝቢ እስራኤል ካብቲ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝነበሮ ኽብርን ብልጽግናን ክሳዕ እቲ ኣብ ክልተ መንግስትታት እስራኤልን ይሁዳን እተኸፍለሉ እዋን ነውጺ ዝነበረ ታሪኽ ርአ።

መእተዊ 2 ነገስት

እታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ብኽሕደት ተበላሽያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ የሆዋ ብምሉእ ልቦም ንዜገልግልዎ ሒደት ውልቀ ሰባት ብኸመይ ከም ዝባረኾም ርአ።

መእተዊ 1 ዜና መዋእል

ብዛዕባ ሓረግ ወለዶ እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ንጉስ ዳዊት፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝነገሰሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ዘሕለፎ መሳጢ ህይወት ርአ።

መእተዊ 2 ዜና መዋእል

ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ንኣገዳስነት እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ብኸመይ ከም ዜጕልሕ ርአ።

መእተዊ እዝራ

የሆዋ ነቲ ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኸም ዜውጽኦምን ኣብ የሩሳሌም ናይ ሓቂ ኣምልኾ መሊሱ ኸም ዜቕውምን ዘተስፈዎ ተስፋ ፈጺምዎ እዩ።

መእተዊ ነህምያ

እታ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ነህምያ፡ ሎሚ ንዘለዉ ዅሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርቲ ሒዛ ኣላ።

መእተዊ ኣስቴር

ብግዜ ኣስቴር ዝዀነ ዜደንቕ ፍጻመታት ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ሎሚ ንህዝቡ ኻብ ጸገማት ኬድሕኖም ከም ዚኽእል ዘሎካ እምነት ኬደልድሎ እዩ።

መእተዊ እዮብ

ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ይፍተኑ እዮም። ዛንታ እዮብ፡ ንጽህናና ኽንሕሉን ልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍን ከም እንኽእል እምንቶና የደልድሎ።

መእተዊ መዝሙር

መጽሓፍ መዝሙር ንልዑላውነት የሆዋ ትድግፍ፡ ነቶም ዜፍቅርዎ ትድግፎምን ተጸናንዖምን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዓለም ብኸመይ ከም እትቕይራ ኸኣ ትገልጽ።

መእተዊ ምሳሌ

ንዅሉ መዳይ መዓልታዊ ህይወትካ፡ ማለት ካብ ዋኒን ስራሕ ክሳዕ ጕዳይ ስድራ ቤት ዚኸውን መለኮታዊ መምርሒ ኣንብብ።

መእተዊ መክብብ

ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ብዝያዳ ዜገድስ ነገራት ገሊጹ፡ ነዚ ኸኣ ምስቲ ኣንጻር ጥበብ ኣምላኽ ዝዀነ ነገራት ኣወዳዲርዎ ኣሎ።

መእተዊ መሃልየ መሃልይ

እታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ እታ ሹላማዊትን እቲ ጓሳን፡ “ሃልሃልታ ያህ” ተባሂላ ኣላ። ስለምንታይ፧

መእተዊ ኢሳይያስ

መጽሓፍ ኢሳይያስ፡ የሆዋ ቓሉ ኸም ዚፍጽምን ኣምላኽ ድሕነትና ምዃኑን እምንቶ ዜሕድረልካ ብልክዕ ዚፍጸም ትንቢት ሒዛ ኣላ።

መእተዊ ኤርምያስ

ኤርምያስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተፈረ፡ ነቲ ነብዪ ኪኸውን እተዋህቦ ዕዮ ፈጺምዎ እዩ። ኣብዚ ሎሚ ግዜ ንዘለዉ ክርስትያናት ከኣ ጽቡቕ ኣብነት ኰይኑ እዩ።

መእተዊ ድጕዓ

ኣብታ ነብዪ ኤርምያስ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ድጕዓ ጥፍኣት የሩሳሌም ዘስዓቦ ሓዘን ተገሊጹ ኣሎ፣ ንስሓ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ከም ዚመርሕ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

መእተዊ ህዝቅኤል

ህዝቅኤል ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ብትሕትናን ብትብዓትን ፈጺምዎ እዩ። ኣብነቱ ድማ ንዓና ይጠቕመና እዩ።

መእተዊ ዳንኤል

ዳንኤልን ብጾቱን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዅነታት ተኣማንነቶም ሓልዮም እዮም። ኣብነቶምን እተፈጸመ ትንቢታትን፡ ንዓና ኣብ ግዜ መወዳእታ ንእንነብር ይጠቕመና እዩ።

መእተዊ ሆሴእ

ኣብ ትንቢት ሆሴእ፡ የሆዋ ንዚንስሑ ኣበስቲ ኸም ዚምሕሮምን እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ኸም ዚደልን ዚገልጽ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኣሎ።

መእተዊ ዮኤል

ዮኤል ብዛዕባ ምቕራብ “መዓልቲ የሆዋ” ተነብዩ፡ ንድሕነት እንታይ ከም ዜድሊ ድማ ገሊጹ እዩ። ትንቢቱ ምናዳ ሎሚ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ።

መእተዊ ኦብድያ

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እታ ዝሓጸረት መጽሓፍ እያ። ንግስነት የሆዋ ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ኸም ዚረጋገጽ ድማ ተተስፉ።

መእተዊ ዮናስ

ነብዪ ዮናስ መአረምታ ተቐቢሉ፡ እተዋህቦ ዕዮ ፈጺሙ፡ ኣምላኽ ብተኣማንነት ከም ዜፍቅርን ከም ዚምሕርን ተማሂሩ እዩ። ዛንታኡ ንልብኻ ኪትንክዮ እዩ።

መእተዊ ሚክያስ

እዚ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ትንቢት እዚ፡ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ነገር ሚዛናውን ጠቓምን ከም ዝዀነ የረጋግጸልና።

መእተዊ ናሆም

እዚ ትንቢት እዚ የሆዋ ቓሉ ወትሩ ኸም ዚፍጽምን ንዅሎም እቶም ሰላምን ድሕነትን ዚደልዩ ዘበሉ ብመንግስቱ ኣቢሉ ኸም ዜጸናንዖምን የረጋግጸልና እዩ።

መእተዊ ኣንባቆም

የሆዋ ንህዝቡ ዜድሕነሉ ብሉጽ ግዜን መገድን ከም ዚፈልጥ ርግጸኛታት ኢና።

መእተዊ ጸፎንያስ

‘መዓልቲ የሆዋ ኣይትመጽእን እያ’ ኻብ ዚብል ኣተሓሳስባ ኽንሕሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መእተዊ ሃጌ

እዛ ትንቢት እዚኣ ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣምልኾ ኻብ ብሕታዊ ጥቕምታት ንላዕሊ ቐዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዘለዎ ተጕልሕ።

መእተዊ ዘካርያስ

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ሓያሎ ብድራኸ መንፈስ እተራእየ ራእያትን ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ትንቢታትን ንህዝቢ ኣምላኽ ኣተባቢዕዎም እዩ። እዚ ትንቢታት እዚ ሎሚ እውን ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘሎና የረጋግጸልና እዩ።

መእተዊ ሚልክያስ

እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ዘይልወጥ ስርዓታትን ምሕረትን ፍቕርን የሆዋ ዚገልጽ ትንቢት ሒዛ ኣላ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ትንቢት ንግዜና ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርትታት ኣሎ።

መእተዊ ማቴዎስ

ብዛዕባ እታ ኻብተን ኣርባዕተ ወንጌላት ቀዳመይቲ ዝዀነት መጽሓፍ ማቴዎስ ዚገልጽ መሰረታዊ ሓቅታት ተምሃር።

መእተዊ ማርቆስ

እታ ኻብተን ኣርባዕተ ወንጌላት ዝሓጸረት ዝዀነት መጽሓፍ ማርቆስ፡ ነቲ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ ዚገብሮ ነገራት ብእተወሰነ ተርኢ።

መእተዊ ሉቃስ

ወንጌል ሉቃስ እንታይ ኣብ ካልእ ዘይርከብ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ፧

መእተዊ ዮሃንስ

እቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ዛንታ፡ ነቲ የሱስ ንደቂ ሰብ ዘርኣዮ ፍቕሪ፡ ነቲ ትሕትና ብምርኣይ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ከምኡ ድማ ንመንነቱ ማለት ነቲ መሲሕ ወይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር ነገራት የጕልሕ።

መእተዊ ግብሪ ሃዋርያት

ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ይጽዕሩ ነይሮም እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ነቲ ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣትን ውዕዉዕ ስምዒትን ከተዕዝዞ ትኽእል እያ።

መእተዊ ሮሜ

የሆዋ ኸም ዘየዳሉን ብየሱስ ክርስቶስ ምእማን ኣገዳሲ ምዃኑን ዚገልጽ ብድራኸ መንፈስ እተዋህበ መምርሒ።

መእተዊ 1 ቈረንቶስ

ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ብዛዕባ ሓድነትን ስነ ምግባራዊ ንጽህናን ፍቕርን እምነት ትንሳኤን ዚገልጽ ምኽሪ ሒዛ ኣላ።

መእተዊ 2 ቈረንቶስ

እቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ንኣገልገልቱ የበርትዖምን የጽንዖምን እዩ።

መእተዊ ገላትያ

ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ከምቲ ሽዑ ሕጂ እውን ጥቕሚ ኣለዋ። ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከኣ ብተኣማንነት ኪመላለሱ ትሕግዞም።

መእተዊ ኤፌሶን

እዛ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈት መልእኽቲ ነቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ሰላምን ሓድነትን ኬምጽእ ዘለዎ ዕላማ ተጕልሕ።

መእተዊ ፊልጲ

ኣብ ትሕቲ ፈተና እንተ ጸኒዕና፡ ንኻልኦት ሰባት ኪጸንዑ ነተባብዖም ኢና።

መእተዊ ቈሎሴ

ነቲ እተምሃርናዮ ብምትግባር፡ ንሓድሕድና ይቕረ ብምብህሃል፡ ነቲ የሱስ ዘለዎ ቦታን ስልጣንን ከኣ ብምቕባል፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንኽእል ኢና።

መእተዊ 1 ተሰሎንቄ

ብመንፈሳዊ መዳይ ክንነቅሕ፡ ‘ንዅሉ ኽንምርምር፡’ ‘ከየቋረጽና ኽንጽሊ፡’ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኣሎና።

መእተዊ 2 ተሰሎንቄ

ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ዝነበረ ግጉይ ኣረኣእያ ኣረመ፣ ነቶም ኣሕዋት ከኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ኣተባብዐ።

መእተዊ 1 ጢሞቴዎስ

ጳውሎስ ን1 ጢሞቴዎስ፡ ኣብ ጉባኤ ውድባዊ ኣሰራርሓ ንምስራዕ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ፍቕሪ ገንዘብን ንምጥንቃቕ እዩ ጽሒፍዋ።

መእተዊ 2 ጢሞቴዎስ

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም ኣተባቢዕዎ።

መእተዊ ቲቶስ

እታ ጳውሎስ ናብ ቲቶስ ዝለኣኻ መልእኽቲ ኣብቲ ኣብ ጉባኤታት ቅሬጥስ ዝነበረ ጸገማት ተተኵር፡ ሽማግለታት ኬማልእዎ ዚግባእ መንፈሳዊ ብቕዓታት እውን ትዝርዝር እያ።

መእተዊ ፊልሞን

እዛ ሓጻር ግናኸ ዓብዪ ቑም ነገራት ዝሓዘት መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ትሕትናን ለውሃትን ይቕረታን ግብራዊ ትምህርትታት ሒዛ ኣላ።

መእተዊ እብራውያን

ክርስትያናዊ ኣምልኾ ኻብ ምድራዊ ኣብያተ መቕደስን መስዋእቲ እንስሳታትን ኣጸቢቑ ኣብ ዚበልጽ ነገራት እተመስረተ እዩ።

መእተዊ ያእቆብ

ያእቆብ ኣገዳሲ ክርስትያናዊ ስርዓታት ንምምሃር፡ ንጹር ስእላዊ ቓላት ተጠቒሙ ኣሎ።

መእተዊ 1 ጴጥሮስ

ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ንጡፋት ክንከውንን ኵሉ ጭንቀትና ናብ ኣምላኽ ክንድርብዮን ተተባብዓና።

መእተዊ 2 ጴጥሮስ

ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ነቲ ሓድሽ ሰማያትን ነታ ሓዳስ ምድርን እናተጸበና ብተኣማንነት ክንመላለስ ተተባብዕ።

መእተዊ 1 ዮሃንስ

መልእኽቲ ዮሃንስ ብዛዕባ ኣጽራረ ክርስቶስ ተጠንቅቕ፡ እንታይ ከነፍቅር ከም ዘሎናን እንታይ ከነፍቅር ከም ዘይብልናን እውን ትሕብር።

መእተዊ 2 ዮሃንስ

ካልአይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ በታ ሓቂ ኽንመላለስን ካብ መስሓትቲ ኽንጥንቀቕን ከም ዘሎና ተዘኻኽረና።

መእተዊ 3 ዮሃንስ

ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ምቕባል ጋሻ ጽቡቕ ትምህርቲ ትምህር።

መእተዊ ይሁዳ

ይሁዳ ንቔናን መገድታት እቶም ንክርስትያናት ኬታልሉን ኬበላሽዉን ዚደልዩ ዘበሉ ኣቃሊዑ ኣሎ።

መእተዊ ራእይ

መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ከም እትፍጽሞ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ ዜደንቕ ራእያት ተገሊጹ ኣሎ።

መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ

ኵሉ እቲ መጻሕፍቲ ነቲ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ርአ፣ እዚ ፍረ ነገር እዚ ኸኣ፡ በታ ክርስቶስ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ዚፍጸም ምርግጋጽ ሓቅነት ስም የሆዋ እዩ።

እዚ ዚስዕብ እውን ኣሎ

መጻሕፍትን ብሮሹራትን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧

ቀንዲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧