ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምህናጽ እምነት ኣብ ኣምላኽ

ስለምንታይ ብኣምላኽ ትኣምን፧

ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሓሙሽተ ዜእምን መርትዖታት ብምቕራብ መልሲ ይህብ እዩ።

ስለምንታይ እዩ እምነት ዘሎካ፧—ኣብ ህልውና ኣምላኽ

ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ሕልኽላኻት ንሓደ ፕሮፌሰር ኣብ ሓደ መደምደምታ ኺበጽሕ ሓገዞ።

ንኣምላኽ ፍለጦ

ስም ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣምላኽ በይኑ ዚልለየሉ ስም ከም ዘለዎስ ትፈልጥዶ፧

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንኣምላኽ ብቐረባ ኽትፈልጦ እትኽእል፧

ምስኡ ዕርክነት ንምህናጽ ሸውዓተ ስጕምትታት ኪሕግዘካ ይኽእል።

ፍጥረት ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ይገልጽ—ሰብነትና

ህዋሳትናን ናይ ምዝካር ክእለትናን ኣገዳሲ ነገር ይምህረና።

ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ነብያቱ ንምሃር

እዞም ሰለስተ እሙናት ነብያት ካብ ኣምላኽ ብኸመይ በረኸት ክንረክብ ከም እንኽእል ክንምሃር ይሕግዙና።

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፧

እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪርድኣካ ዘይክእል መዳያት፡ ንዕኡ ዝያዳ ንኽትፈልጦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ክትርእዮ ትኽእልዶ፧

‘ንኣዒንቲ ልብኻ’ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ርአ።

ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

ኣምላኽ እንታይ ባህርያት ኣለዎ፧

ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ የስተብህለልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ብኣኻ ኣዝዩ ኸም ዚግደስ ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

ኣምላኽ ይድንግጸልካ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ከም ዜስተብህለልናን ከም ዚርድኣልናን ከም ዚድንግጸልናን የረጋግጸልና።

ዋጋ እምነት

ኣምላኽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ምስ ኣምላኽ ርክብ ምግባር፡ ዜሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንኽትነብር ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ መርምር።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነት እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ’ ይብል። እምነት እንታይ እያ፧ ብኸመይከ ኸተጥርያ ትኽእል፧

ሃይማኖታዊ እምነት ስምዒታዊ ምርኩስ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዕሙትና ኽንኣምን ዘይኰነስ፡ መርትዖታት ምእንቲ ኽንግምግም ኣእምሮና ኽንጥቀም እዩ ዚምሕጸነና።

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልሲ ኽረክብ ንዝነበረኒ ጽምኢ ኣርወየለይ

መይሊ ጕንደል ኣቦኣ ምስ ሞተ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣቋረጸቶ። ናይ ሓቂ እምነትን ውሽጣዊ ሰላምን ክትረክብ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

ብሃይማኖት ተስፋ ቘሪጸ ነይረ

ቶም ብኣምላኽ ኪኣምን ይደሊ ነይሩ፣ ብሃይማኖትን በቲ ባዶ ጽምብላቱን ግና ተስፋ ቘሪጹ ነይሩ። እሞ ደኣ ብኸመይ እዩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋኡ ዘለምለመሉ፧

ብድሆታት እምነት

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧—ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮ

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ጽልኢ ንምውጋድ ዚሕግዝ ባህርያት ንምምዕባል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሃይማኖት ዓብዪ ንግዲ ድዩ፧

መብዛሕትኦም ናብ ገሊኡ ኣብያተ ክርስትያን ዚኸዱ ድኻታት እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ሰበኽቲ ግና ኣዝዮም ሃብታማት እዮም።

ንሕና ንኣምላኽ ክንሓትቶስ ግቡእ ድዩ፧

ንኣገዳሲ ሕቶታት ዚኸውን ዜዕግብ መልሲ ኻበይ ክንረክብ ንኽእል፧ ንኣምላኽ ክንሓትቶ ንኽእልዶ፧

ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት ስለምንታይ ዓለም ብጽልእን ብመከራን ከም ዝመልአት ይሓትቱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብን ዜጸናንዕን መልሲ ይህብ እዩ።

ሰባት፡ ኣምላኽ ጨካን ከም ዝዀነ ዚዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧

ሓያሎ ሰባት፡ ንኣምላኽ ከም ጨካን ወይ ከም ዘይግደስ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ንኣምላኽ ቅረቦ

ንኣምላኽ ዝቐረብካዮ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣምላኽ ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ኸም ዚርእዮም እዮም ዚኣምኑ።

ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዚሰምዖ እንተ ዀይኑን ብኸመይ ክንጽሊ ኸም ዘሎናን ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ እንታይ ካልእ ነገራት ክንገብር ከም ዘሎናን ርአ።

ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንሓደ ውህበት ኣዝዩ ኽቡር ዚገብሮ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ረቛሒታት እዚ ምሕሳብና ነቲ በጃ ንዘሎና ሞሳ ኼዕብዮ እዩ።

ቅኑዕን ጌጋን፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ዜተኣማመን መምርሒ

መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን ስነ ምግባራዊ መምርሒ ሒዙ ኸም ዘሎ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና፧

እቲ መልሲ ኣብ ህይወት እቶም ከቢድ ጌጋታት ዝገበሩ እዮብን ሎጥን ዳዊትን ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ከመይ ጌርካ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ የተስፉ እዩ። ኣምላኽ እንታይ ሰለስተ ነገር ክንገብር ከም ዚደልየና ርአ።

ሓልዮት ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዜደንቕ መጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምነት ከነሕድር ይሕግዘና።