ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቐብሪ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቐብሪ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

 ብዛዕባ ቐብሪ ዘሎና ኣረኣእያን ቀብሪ እንፍጽመሉ ስርዓትን ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። ከም ኣብነት ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ርአ፦

  •   ሰብካ ምስ ዚሞተካ፡ ምሕዛን ንቡር እዩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ሰቦም ምስ ሞቶም ሓዚኖም እዮም። (ዮሃንስ 11:33-35, 38፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:2፣ 9:39) ስለዚ፡ ንቐብሪ ኸም እዋን ፈንጠዝያ ጌርና ኣይንወስዶን ኢና። (መክብብ 3:1, 4፣ 7:1-4) ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓዘንና እንገልጸሉ እዋን እዩ።—ሮሜ 12:15

  •   ምውታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ዓሌትና ወይ ባህልና ብዘየገድስ፡ ‘ምውታት ብህይወት ይቕጽሉ እዮም፡ ንህያዋን ድማ ኪጐድኡ ወይ ኪጠቕሙ ይኽእሉ እዮም’ ኣብ ዚብል ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እምነት እተመስረተ ልምድታት ወይ ስርዓታት ኣይንስዕብን ኢና። (መክብብ 9:5, 6, 10) እዚ ኸኣ ከም ምስ ሬሳ ኾፍ ኢልካ ምሕዳር፡ ደድሕሪ ቐብሪ ዚግበር ጓይላ ዘለዎ ፍልይ ዝበለ ድግስ፡ ተዝካር፡ ንምዉታት መስዋእቲ ምቕራብ፡ ንምዉታት ምሕታት ከምኡ እውን መጻምድቶም ብሞት እተፈለይዎም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ዚገብርዎ ልምድታት፡ ዝኣመሰለ ልምድታት የጠቓልል። ነቲ ‘ኻብ መንጎኦም ተፈለዩ፡ ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ’ ዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንስዕብ ኢና ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታትን ስርዓታትን እንርሕቕ።—2 ቈረንቶስ 6:17

  •   ምዉታት ተስፋ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትንሳኤ ኸም ዚኸውንን ደጊም ሞት ዘይህልወሉ እዋን ከም ዚመጽእን ይምህር እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ራእይ 21:4) እዚ ተስፋ እዚ ኸምቲ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝሓገዞም፡ ንዓና እውን ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኸይንሓዝን ይሕግዘና እዩ።—1 ተሰሎንቄ 4:13

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ትሕትና ኸነርኢ ይምዕደና። (ምሳሌ 11:2) ቀብሪ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ደረጃና ‘ንምርኣይ’ ኣይንጥቀመሉን ኢና። (1 ዮሃንስ 2:16) ንምዝንጋዕ ወይ ተዓዘብቲ ንምምሳጥ ብዚብል ብሉጽን ክቡርን ሳንዱቕ ሬሳ ዓዲግናን ፍሉይ ኣልባሳት ተኸዲናን እተጋነነ ቐብሪ ኣይንገብርን ኢና።

  •   ነቲ ብዛዕባ ቐብሪ ዘሎና ኣረኣእያ ኣብ ኻልኦት ኣይንጽዕንን ኢና። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ነቲ፡ “ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ዚብል ስርዓት ኢና እንስዕብ። (ሮሜ 14:12) ይኹን እምበር፡ ዕድል እንተ ተዋሂቡና፡ ብዛዕባ እምነትና “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ንገልጽ ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:15

ስርዓተ ቐብሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧

 ቦታ፦ ስርዓተ ቐብሪ፡ እቶም ሰቦም ዝሞቶም ስድራ ቤት ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ኺግበር ይከኣል እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ቤት ወይ ኣብ መካነ መቓብር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

 መደረ፦ ኣብቲ ቐብሪ፡ ነቶም ሓዘንተኛታት ዜጸናንዕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞትን ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤን እንታይ ከም ዚብል ዚገልጽ መደረ ይውሃብ እዩ። (ዮሃንስ 11:25፣ ሮሜ 5:12፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ኣብቲ መደረ፡ እቲ ዝሞተ ሰብ ዝነበሮ ጽቡቕ ባህርያትን ተኣማንነቱ ብምሕላው ዝገደፎ ዜተባብዕ ኣብነትን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።—2 ሳሙኤል 1:17-27

 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ መዝሙር ኪዝመር እውን ይከኣል እዩ። (ቈሎሴ 3:16) ኣብ መወዳእታ ድማ ብዜጸናንዕ ጸሎት ይድምደም።—ፊሊጲ 4:6, 7።

 ክፍሊት ወይ ምእካብ ገንዘብ፦ ንኣባላትና ንዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዋላ እውን ንስርዓተ ቐብሪ ኣይነኸፍሎምን ኢና፣ ኣብ ኣኼባታትና እውን እናዞርና ገንዘብ ኣይንእክብን ኢና።—ማቴዎስ 10:8

 ተሳተፍቲ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ስርዓተ ቐብሪ ኺሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ከም ካልእ ኣኼባታትና፡ ስርዓተ ቐብሪ እውን ንዅሉ ሰብ ክፉት እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ዚገብርዎ ስርዓተ ቐብሪ ይርከቡ ድዮም፧

 ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመሰረት እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ እዩ ዚውስን። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ኣብ ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ግና ኣይንካፈልን ኢና።—2 ቈረንቶስ 6:14-17