ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ዚኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ዚኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) የሱስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ኺሰድዶም ከሎ፡ ናብ ቤት ሰባት ኪኸዱ እዩ ኣዚዝዎም። (ማቴዎስ 10:7, 11-13) ድሕሪ ሞት የሱስ እውን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ መልእኽቶም “ብግህዶን ኣብ በቤትን” ምዝርጋሖም ቀጺሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20) ንሕና እውን ኣብነት እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንስዕብ ኢና፡ እቲ ኣብ በቤት እናኸድና እንገብሮ ኣገልግሎት ድማ ምስ ሰባት እንራኸበሉ ዝበለጸ መገዲ እዩ።