ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመአከቢኦም ቤተ ክርስትያን ኢሎም ዘይጽውዕዎ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመአከቢኦም ቤተ ክርስትያን ኢሎም ዘይጽውዕዎ ስለምንታይ እዮም፧

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ሓድሓደ ግዜ “ቤተ ክርስትያን” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንጕጅለ ኣምለኽቲ እምበር፡ ነቲ ዚእከብሉ ህንጻ ኣይተመልክትን እያ።

 ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ኣኪላስን ጵርስካን ንዝስሞም ሰብ ሓዳር ሰላምታ ለኣኸሎም፣ ወሲኹ ድማ፡ “ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተ ክርስትያን እውን ሰላም በሉለይ” በለ። (ሮሜ 16:5ትርጉም 1990) ጳውሎስ ንህንጻ ሰላም ኪብልሉ ኣይኰነን ሓቲቱ። የግዳስ፡ ናብ ሰባት፡ ማለት ኣብታ ቤት ትእከብ ናብ ዝነበረት ጉባኤ እዩ ሰላምታ ልኢኹ። a

 ስለዚ፡ ንቦታ ኣምልኾና ቤተ ክርስትያን ኢልና ኣይንጽውዖን ኢና፣ የግዳስ፡ “ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ” ዚብል መጸውዒ ኢና እንጥቀም።

“ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል መጸውዒ እንጥቀም ስለምንታይ ኢና፧

 እዚ ግቡእ መጸውዒ ዝዀነሉ ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎ፦

  •   እቲ ህንጻ፡ ኣዳራሽ ወይ መአከቢ እዩ።

  •   ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኸነምልኽን ብዛዕባኡ ኽንምስክርን ኢና እንእከብ።—መዝሙር 83:18፣ ኢሳይያስ 43:12

  •   ብዛዕባ እታ የሱስ ብዙሕ ሳዕ እተዛረበላ መንግስቲ ኣምላኽ ክንምሃር እውን ኢና እንእከብ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14፣ ሉቃስ 4:43

 ኣብ ጥቓኻ ናብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከይድን ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዓይንኻ ኽትርእን ንዕድመካ።

a ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:19፣ ቈሎሴ 4:15፣ ፊልሞን 2 እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ንረክብ ኢና።