ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ይህቡ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ይህቡ ድዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ኣይንህብን እዮም። ዕዮና ፈቲኻ ብዚግበር ወፈያ እዩ ዚድገፍ። ዕሽር እንታይ እዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ዘይህቡኸ ስለምንታይ እዮም፧

 እቲ ኻብ ንብረትካ ዕሽር ወይ ዓስራይ ኣፍ ክትህብ ዚእዝዝ ትእዛዝ፡ ሓደ ኻብቲ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል እተዋህበ ሕጊ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ፡ እንተላይ እቲ ‘ዕሽር ክትእክብ ዚእዝዝ ትእዛዝ’ ኣብ ክርስትያናት ከም ዘይዓዪ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። —እብራውያን 7:5, 18፣ ቈሎሴ 2:13, 14

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ኣይህቡን እዮም። የግዳስ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ዝሓደግዎ ኣብነት ብምስዓብ ንኣገልግሎቶም ብኽልተ መገዲ ይድግፍዎ እዮም። እቲ ቐዳማይ፡ ገንዘብ ከይተኸፍሎም ኣብ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ብምክፋል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ብፍታዎም ወፈያ ብምግባር እዩ።

 በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ዚብል መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ዝሃቦ መምርሒ ንስዕብ ኢና።—2 ቈረንቶስ 9:7