ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ርእሶም መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ ዘለዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ርእሶም መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ ዘለዎም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸለዉ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀሙ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ስም ኣምላኽ ስለ ዚጥቀም፡ ቅኑዕን ንጹርን ድማ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ትርጉም እዚ ኣብ ዘለወን ቋንቋታት፡ ንዕኡ ኽንጥቀም ኢና እንመርጽ።

  •   ስም ኣምላኽ ይጥቀም። ገሊኦም ኣሕተምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኽብሪ ዝግብኦ ኽብሪ ኣይሃብዎን። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስማት እቶም ኣብቲ ትርጉም እጃም ዝነበሮም ልዕሊ 70 ዝዀኑ ሰባት ተዘርዚሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንስም እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣይጠቐሶን!

     ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ዝነበረሉ ኣሽሓት ቦታታት ኣስፊርዎ ኣሎ፡ ስማት እቶም ኣብ ምድላው እዚ ትርጉም ግደ ዝነበሮም ኣባላት ኣዳላዊት ኮሚተ ዝዀኑ ሰባት ግና ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣይተረቝሐን።

  •   ልክዕ። ሓያሎ ትርጉማት፡ ነቲ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ኣየመሓላልፎን እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንማቴዎስ 27:40 “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። እቲ በዅሪ ጽሑፍ ግና፡ “ጕንዲ” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ቓል እዩ ዚጥቀም። እቶም ተርጐምቲ፡ “መስቀል” ኢሎም ዝተርጐምዎ፡ የሱስ ኣብ መስቀል ከም እተሰቕለ ስለ ዚኣምኑ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።መጽሓፍ ቅዱስ ግና ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ኣይድግፎን እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነታ ጥቕሲ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ ጕንዲ ስቅያት ውረድ!” ብምባል ብልክዕ ተርጒምዋ ኣሎ።

  •   ንጹር። ጽቡቕ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንጹርን ብቐሊሉ ኽትርድኦ እትኽእልን እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ማቴዎስ 5:3፡ የሱስ፡ ቃል ብቓሉ፡ “ብመንፈስ ድኻታት . . . ሕጉሳት እዮም” ዚብል ትርጉም ዘለዎ መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። እዚ መግለጺ እዚ ብዘመናዊ ቛንቋ ትግርኛ ንምርድኡ ስለ ዜሸግር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ንምርድኡ ቐሊል ብዝዀነ መገዲ ተተርጒሙ ኣሎ። እታ ጥቕሲ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም” ትብል።

 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ ርእሲ እቲ ስም ኣምላኽ ምጥቃሙ፡ ቅኑዕን ንጹርን ድማ ምዃኑ፡ ካልእ ሓለፋ እውን ኣለዎ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ብናጻ እዩ ዚዕደል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ኬንብብዎ ኽኢሎም እዮም። እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕዳግ ዓቕሚ ዘይብሎም ከይተረፈ ኼንብብዎ ኽኢሎም እዮም።