ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ በዓላት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ በዓላት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓደ በዓል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ብዛዕባ ምዃኑ ዚውስኑ ብኸመይ እዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ በዓል ኬብዕልዎ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ቕድሚ ምውሳኖም ንመጽሓፍ ቅዱስ ይውከሱ እዮም። ገሊኡ በዓላትን ጽምብላትን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይጋጮ እዩ። ከምኡ ኪኸውን ከሎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ በዓላት ኣይሳተፉን እዮም። ንገሊኡ በዓላት ብዚምልከት ግና ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽሩይ ሕልና” ኺህልዎ እናጸዓረ ናይ ርእሱ ውሳነ ይገብር እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:16

 ገለ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ በዓል ኬብዕልዎ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ቕድሚ ምውሳኖም ንርእሶም ዚሓትትዎ ሕቶታት እስከ ንርአ። a

  •   እቲ በዓል ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ እተመስረተ ድዩ፧

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “‘ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡ ‘ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ።’”—2 ቈረንቶስ 6:15-17

     ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈሳዊ መገዲ ርኹስ ካብ ዝዀነ፡ ማለት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚጋጮ ትምህርትታት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍለዩ፡ ነዚ ዚስዕብ ነገራት ዜጠቓልል በዓላት ኣየብዕሉን እዮም።

     ኣብ እምነት ወይ ኣምልኾ ኻልኦት ኣማልኽቲ እተመስረተ በዓላት። የሱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 4:10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ምኽሪ እዚ ብምስዓብ፡ በዓል ልደተ ክርስቶስበዓል ትንሳኤ፡ ወይ ባሕቲ ግንቦት ኣየብዕሉን እዮም፣ ከመይሲ፡ መበቈል እዚ በዓላት እዚ ንየሆዋ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚቐርብ ዝነበረ ኣምልኾ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብዚ ዚስዕብ በዓላት እውን ኣይሳተፉን እዮም።

    •  ክዋንዛ። እቲ ክዋንዛ ዚብል ስም፡ “ካብቲ ‘በዅሪ ፍረ’ ዝትርጕሙ ማቱንዳ ያ ክዋንዛ ዚብል ናይ ስዋሂሊ ቓላት ዝመጸ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ እዚ በዓል ካብቲ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ በዓላት በዅሪ ምህርቲ ዝመንጨወ ኸም ዝዀነ የመልክት።” (ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ብላክ ስታዲስ) ገሊኦም ንክዋንዛ ኸም ሃይማኖታዊ በዓል ገይሮም ዘይርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣፍሪካን ረሊጅንስ ግና ምስቲ በዅሪ ፍረ፡ “ንኣማልኽትን ንኣቦታትን ንምምስጋን ተባሂሉ ኸም መስዋእቲ ዚቐርበሉ” ኣብ ኣፍሪቃ ዚግበር በዓል የመሳስሎ እዩ። እቲ መወከሲ ቐጺሉ፡ “እቲ ክዋንዛ ዚብሃል ናይ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን በዓል፡ ኣቦታት ንዚህብዎ በረኸት ህይወት ሞሳኻ ንምግላጽ ዚግበር እዩ” ይብል።

      ክዋንዛ

    •  በዓል ክፍላ ቐውዒ። እዚ፡ “ንኽብሪ እታ ኣምላኽ ወርሒ ዚግበር በዓል” እዩ። (ሆሊደይስ፡ ፈስቲቫልስ፡ ኤንድ ሰለብሬሽንስ ኦቭ ዘ ዎርልድ ዲክሽነሪ) ኣብ ጽምብል እዚ በዓል እዚ፡ “ኣንስቲ ቤት ኣብ ቅድሚ እታ ኣምላኽ ይሰግዳ እየን፣ እዚ ብቻይንኛ ካውታው ተባሂሉ ይጽዋዕ።”—ረሊጅንስ ኦቭ ዘ ዎርልድ—ኤ ኮምፕርሀንሲቭ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ብሊቭስ ኤንድ ፕራክቲስስ።

    •  ናውሩዝ (ኖውሩዝ)። “ገሊኡ መበቈል እዚ ጽምብል እዚ ኻብ ሃይማኖት ዞሮኣስተርነት ዝመጸ እዩ፣ ኣብ ጥንታዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዞሮኣስተር ከኣ ሓደ ኻብቲ ቕዱስ መዓልትታት እዩ ነይሩ። . . . ብመሰረት ልምዲ ዞሮኣስተር፡ እቲ ኣብ እዋን ቈራሪ ኣዋርሕ ብመንፈስ ሓጋይ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኺኣቱ ኸም ዚግደድ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ [ራፊትዊን] ተባሂሉ ዚፍለጥ መንፈስ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ እዋን ፍርቂ መዓልቲ ናይታ ኖውሩዝ እትብሃል መዓልቲ ናይ መርሓባ ጽምብል ይግበሩሉ ነይሩ እዩ።”—ትምህርታውን ሳይንሳውን ባህላውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩነስኮ)።

    •  ሻብ-ኢ ያልዳ። ብመሰረት መጽሓፍ ሱፊዝም ኢን ዘ ሲክረት ሂስትሪ ኦቭ ፐርሽያ፡ እዚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብቲ ቐትሪ ዚሓጽረሉን ለይቲ ዚነውሓሉን ግዜ ዚግበር ዝነበረ ጽምብል እዚ፡ “ምስ ኣምልኾ ሚትራ [ኣምላኽ ብርሃን] እተተሓሓዘ እዩ።” እዚ በዓል እዚ ምስ ኣምልኾ እቶም ኣማልኽቲ ጸሓይ ሮሜን ግሪኽን ምትሕሓዝ ኪህልዎ ኸም ዚኽእል እውን ይግለጽ እዩ። b

    •  ዕለተ ምስጋና (ታንክስጊቪንግ)። መበቈል እዚ በዓል እዚ፡ ከም መበቈል በዓል ክዋንዛ ኻብቲ ንእተፈላለዩ ኣማልኽቲ ኽብሪ ዚህብ ዝነበረ ጥንታዊ ጽምብላት ምህርቲ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ “እዚ ጥንታዊ ልምድታት እዚ ናብ ሃይማኖት ክርስትና ተኣታትዩ።”—ኤ ግሬት ኤንድ ጎድሊ ኣድቨንቸር—ዘ ፒልግሪምስ ኤንድ ዘ ሚዝ ኦቭ ዘ ፈርስት ታንክስጊቪንግ።

     ኣብ ማሪት ወይ ብዕድል ኣብ ምእማን እተመስረተ በዓላት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም “ንኣምላኽ ጽቡቕ ዕድል መኣዲ ዚሰርዑ፡” “ካብቶም ንየሆዋ ዚሓድጉ” ምዃኖም ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 65:11) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዚስዕብ በዓላት ኣየብዕሉን እዮም፦

    •  ኢቫን ኩፓላ። “ኣብ እዋን [ኢቫን ኩፓላ] ተፈጥሮ፡ ብመንፍዓትን ብዕድልን ክትቈጻጸሮ እትኽእል ስሒራዊ ሓይልታት ከም ዚፍኑ ዚገልጽ እምነት ሰፊሕ ተቐባልነት ኣለዎ።” (ዘ ኤ ቱ ዘድ ኦቭ በላሩስ) መበቈል እዚ በዓል እዚ ኣረማዊ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ቐትሪ ዚነውሓሉን ለይቲ ዚሓጽረሉን ግዜ ዚግበር ዝነበረ ጽምብል እዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኮንተምፖራሪ ራሻን ካልቸር ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ ኣረማውያን “ክርስትና ምስ ተቐበሉ ምስ በዓል እታ ቤተ ክርስትያን [“መዓልቲ ቕዱሳን” ናይ ዮሃንስ መጥምቕ] ተሓዋዊሱ” ይብል።

    •  ሓድሽ ዓመት ወርሒ (ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ወይ ሓድሽ ዓመት ኮርያውያን)። “ስድራ ቤታትን ፈተውትን ኣዝማድን፡ ኣብዚ ኽፍለ ዓመት እዚ ልዕሊ ዝዀነ ኻልእ እዋን፡ ጽቡቕ ዕድል ከም ዜጋጥሞም ኣብ ምግባር፡ ንኣማልኽትን ንመናፍስትን ክብሪ ኣብ ምሃብ፡ ንእትቕጽል ዓመት ድማ ጽቡቕ ምንዮቶም ኣብ ምግላጽ እዮም ዜተኵሩ።” (ሙንኬክስ ኤንድ ሃንግሪ ጎስትስ—ፈስቲቫልስ ኦቭ ቻይና) ሓድሽ ዓመት ኮርያውያን ድማ ብተመሳሳሊ፡ “ኣምልኾ ኣቦታት፡ እኩያት መናፍስቲ ንምስጓግን ኣብ እትቕጽል ዓመት ጽቡቕ ዕድል ንምርካብን ዚግበር ጽምብላት፡ ከምኡ ድማ እታ ሓዳስ ዓመት እንታይ ሒዛትሎም ከም ዘላ ንምፍላጥ ዚግበር ፋል ዝሓቘፈ እዩ።”—ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኒው ይርስ ሆሊደይስ ዎርልድዋይድ።

      ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን

     ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ኣብ ዚምህር እምነት እተመስረተ በዓላት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ኸም እትመውት ብንጹር ይምህር እዩ። (ህዝቅኤል 18:4) ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ንእምነት ኢመዋትነት ነፍሲ ዜስፋሕፍሕ በዓላት ኣየብዕልዎን እዮም፦

    •  መዓልቲ ዅለን ነፍሳት (መዓልቲ ምዉታት)። እዚ ብመሰረት ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ንዝኽሪ ዅሎም ምዉታት” ዚግበር በዓል እዩ። “ኣብ ቦታ ንስሓ ዘለዋ ነፍሳት፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ነቶም ብህይወት ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዝበደልወን ሰባት፡ ከም ምትሃት፡ ጠንቈልቲ፡ ቍርዖብ፡ ወዘተ ኰይነን ከም ዚመጻኦም ዚገልጽ እምነት ኣብ ብምሉኡ ማእከላይ ዘመን ኣስፋሕፊሑ ነይሩ እዩ።”

    •  በዓል ኲንግሚንግ (ቺንግ ሚንግ) ከምኡ እውን ሃንግሪ ጎስት ፈስቲቫል። ክልቲኡ እዚ በዓላት እዚ ንኽብሪ ኣቦታት ተባሂሉ ዚግበር እዩ። ሰለብሬቲንግ ላይፍ ካስተምስ ኣራውንድ ዘ ዎርልድ—ፍሮም በይቢ ሻወርስ ቱ ፍዩነራልስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ እዋን ቺንግ ሚንግ፡ “ምዉታት ምእንቲ ኸይጠምዩ ወይ ከይጸምኡ፡ ገንዘብ እውን ምእንቲ ኸይስእኑ ተባሂሉ ምግብን መስተን ገንዘብን ይቃጸል እዩ።” እታ መጽሓፍ ቀጺላ፡ “ሃንግሪ ጎስት ኣብ ዚብዓለሉ ወርሒ፡ ብፍላይ ድማ ኣብታ ምልእቲ ወርሒ እትርኣየላ ምሸት፡ ልዕሊ ዝዀነት ካልእ ምሸት፡ ኣብ መንጎ ምዉታትን ህያዋንን ዝያዳ ርክብ ከም ዘሎ፡ ስለዚ ኸኣ ንምዉታት ንምህዳእን ንኣቦታት ንምኽባርን ዝያዳ ጥንቃቐ ኺግበር ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዚእመን” ትብል።

    •  ቹሶክ። ብመሰረት እቲ ዘ ኮርያን ትራዲሽንስ ኦቭ ረሊጅን፡ ሶሳይቲ፡ ኤንድ ኢቲክስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዚ በዓል እዚ፡ “ንነፍሲ ምዉታት ምግብን ወይንን ምውፋይ” የጠቓልል። እዚ ወፈያ እዚ፡ ነቲ “ስጋ ሰብ ምስ ሞተ፡ ነፍሱ ብህይወት ከም እትቕጽል ዚገልጽ እምነት” ዜንጸባርቕ እዩ።

     ምስ ጥንቍልና ዚተኣሳሰር በዓላት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዚጥንቍል፡ ወይ ስሒር ዚገብር፡ ወይ ፋል ዚደሊ፡ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡ ወይ ጠንቋሊ፡ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ . . . ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ” ይብል እዩ። (ዘዳግም 18:10-12) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጥንቍልና፡ እንተላይ ካብቲ ሓደ መዳይ ጥንቍልና ዝዀነ ቘጸራ ኸዋኽብቲ ምእንቲ ኺርሕቁ፡ ሃሎዊን ይኹን እዚ ዚስዕብ ካልእ በዓላት ኣየብዕሉን እዮም፦

    •  ሲንሃላ ከምኡ እውን ሓድሽ ዓመት ታሚል። “እቲ ምስዚ ፍጻመ እዚ ተተሓሒዙ ዚግበር ልምዳዊ ጽምብላት . . . እተወሰነ ንጥፈታት ኣብቲ ቘጸርቲ ኸዋኽብቲ ዝመደብዎ ርሑስ ዚብሃል ግዜያት ምፍጻሙ የጠቓልል።”—ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ስሪ ላንካ።

    •  ሶንግክራን። ስም እዚ ኣብ እስያ ዚብዓል በዓል፡ “ካብ ናይ ሳንስክሪት ቃል ዝመጸ ዀይኑ፡ ‘ምንቅስቓስ’ ወይ ‘ለውጢ’ ዚብል ትርጉም ኣለዎ፣ እዚ [በዓል] እዚ ነቲ ጸሓይ ናብቲ መናዝላዊ እኩባት ከዋኽብቲ እትንቀሳቐሰሉ እዋን የመልክት።”—ፉድ፡ ፊስትስ፡ ኤንድ ፈይዝ—ኣን ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ፉድ ካልቸር ኢን ዎርልድ ረሊጅንስ።

     ምስቲ የሱስ መስዋእቲ ምስ ኰነ ዘብቅዐ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ በዓላት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ክርስቶስ መወዳእታ ሕጊ እዩ” ይብል። (ሮሜ 10:4) ክርስትያናት ኣብቲ ንጥንታውያን እስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ገና ይጥቀሙ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ በዓላት፡ ምናዳ ኸኣ ነቲ ንምምጻእ እቲ መሲሕ ዜመልክት በዓላት ኣየብዕልዎን እዮም፣ ከመይሲ፡ መሲሕ ድሮ ኸም ዝመጸ ይኣምኑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዝስ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ፣ እቲ ናይ ሓቂ ግና ክርስቶስ እዩ” ይብል። (ቈሎሴ 2:17) ኣብ ርእሲ እዚ እተጠቕሰ ምኽንያት፡ ገሊኡ በዓላት ምስ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት እተሓናፈጸ ብምዃኑ፡ እዚ ስዒቡ ተጠቒሱ ዘሎ በዓላት ገለ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘየብዕልዎ በዓላት እዩ፦

    •  ሃኑካህ። እዚ በዓል እዚ ንዝኽሪ ምሕዳስ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣይሁድ ዚግበር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ የሱስ ሊቀ ኻህናት እታ “ብኢድ ዘይተገብረት፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነት፡ ዝዓበየትን ዝያዳ ፍጽምትን ድንኳን [ወይ፡ ቤተ መቕደስ]” ከም ዝዀነ ይሕብር እዩ። (እብራውያን 9:11) ክርስትያናት፡ እዛ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እዚኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ምድራዊት ቤተ መቕደስ ከም ዝተክኣታ እዮም ዚኣምኑ።

    •  ሮሽ ሃሻናህ። እዚኣ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዓመት ኣይሁድ እያ። ኣብ ግዜ ጥንቲ፡ እዚ በዓል እዚ ንኣምላኽ ዚቐርብ ፍሉይ መስዋእትታት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 29:1-6) ኰይኑ ግና፡ እቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ‘መስዋእትን መባእን ከም ዜቋርጽ’ ብምግባር፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ገይሩ እዩ።—ዳንኤል 9:26, 27

  •   እቲ በዓል፡ ምትሕንፋጽ እምነት ዜተባብዕ ድዩ፧

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ ቤተ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧”—2 ቈረንቶስ 6:15-17

     ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ካልኦት ሰባት ብሰላም ኪነብሩ ዚጽዕሩን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ኺኣምን ንዘለዎ መሰል ዜኽብሩን እኳ እንተ ዀኑ፡ በዚ ዚስዕብ መገዲ ምትሕንፋጽ እምነት ዜተባብዕ በዓላት ግና ኣየብዕሉን እዮም፦

     ንኽብሪ ውሩይ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ሰብ ዚግበር ጽምብላት ወይ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ሰባት ሓቢሮም ኬምልኹ ዜተባብዕ ፍጻመታት። ኣምላኽ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ ናብታ ኻልእ ሃይማኖት ዚስዕቡ ተቐማጦ ዘለዋ ሓዳስ ምድሪ ኺመርሖም ከሎ፡ “ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትተኣታቶ። . . . ንኣማልኽቶም እንተ ኣገልጊልካ፡ እዚ ብርግጽ ንዓኻ መፈንጠራ ኪዀነካ እዩ” ኢልዎም እዩ። (ዘጸኣት 23:32, 33) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ በዓላት ኣይሳተፉን እዮም፦

    •  ሎይ ክራቶንግ። ኣብ እዋን እዚ ናይ ታይላንድ በዓል፡ “ሰባት ኣቝጽልቲ ዝመልአ ጭሔሎታት የዳልዉ፡ ሽምዓታት ወይ ዑድ ድማ ይውስኽሉ፣ ሽዑ ነቲ ጭሔሎታት ናብ ማይ ይፍንውዎ። እተን ጀላቡ፡ ሕማቕ ዕድል ከም ዜርሕቓ እዩ ዚንገረለን። ከም ሓቂ፡ እቲ በዓል ንኽብሪ እቲ ቡድሃ ዝሓደጎ ቕዱስ ኣሰር እዩ ዚብዓል።”—ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ቡድሂዝም።

    •  ሃገራዊ መዓልቲ ንስሓ። ኣብታ ዘ ናሽናል እትብሃል ጋዜጣ ፓፕዋ ኒው ጊኒ እተጠቕሰ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ፡ እቶም ኣብዚ ፍጻመ እዚ ዚሳተፉ፡ “ንመሰረታዊ እምነታት ክርስትና ይሰማምዑሉ እዮም” በለ። ወሲኹ ድማ፡ እታ መዓልቲ፡ ክርስትያናዊ ስርዓታት ኣብታ ሃገር ንምስፍሕፋሕ ከም እትሕግዝ ገለጸ።

    •  ቨሳክ። “እዚኣ ኣብ እምነት ቡድህና እታ ኣዝያ ቕድስቲ መዓልቲ እያ፣ ናይ ቡድሃ ልደት፡ ልቦና፡ ሞት፡ ወይ ናብ ኒርቫና ምብጻሕ ድማ እዩ ዚብዓለላ።”—ሆሊደይስ፡ ፈስቲቫልስ፡ ኤንድ ሰለብሬሽንስ ኦቭ ዘ ዎርልድ ዲክሽነሪ።

      ቨሳክ

     መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይድግፎ ሃይማኖታዊ ልምድታት እተመስረተ በዓላት። የሱስ ንመራሕቲ ሃይማኖት፡ “ምእንቲ ስርዓትኩም፡ ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ጌርኩምዎ ኣለኹም” ኢልዎም እዩ። “ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ” ድማ ኣምልኾኦም ከንቱ ኸም ዝዀነ ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 15:6, 9) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብ ልቦም ስለ ዜሕድርዎ፡ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ኣየብዕሉን እዮም።

    •  ጥምቀት (መዓልቲ ሰለስተ ነገስታት ወይ ሎስ ረየስ ማጎስ)። እቶም ነዚ በዓል እዚ ዜኽብሩ፡ ወይ ነቲ ቘጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብ የሱስ ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ ወይ ድማ ንጥምቀት የሱስ እዮም ዜብዕልዎ። እዚ በዓል እዚ፡ “ካብቲ ኣረማውያን ንኽብሪ ኣማልኽቲ ወሓይዛትን ኣፍላግን ኢሎም ኣብ ጽድያ ዜብዕልዎ ዝነበሩ በዓላት ናብ ክርስትና እተኣታተወ እዩ።” (ዘ ክሪስትማስ ኢንሳይክሎፔድያ) እቲ ምስዚ ዚመሳሰል በዓለ ጥምቀት እውን፡ “ኣብ ዝጸንሐ ልምዲ ኣጸቢቑ እተሰረተ እዩ።”—ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሶሳይቲ ኤንድ ካልቸር ኢን ዘ ኤንሸንት ዎርልድ።

    •  በዓለ ፍልሰታ ድንግል ማርያም። እዚ በዓል እዚ ኣብቲ ኣደ የሱስ ስጋዊ ኣካላ ሒዛ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገት ዚገልጽ እምነት እተመስረተ እዩ። ረሊጅን ኤንድ ሶሳይቲ—ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ፋንዳመንታሊዝም ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እዚ እምነት እዚ፡ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ፍሉጥ ኣይነበረን፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ተጠቒሱ ኣይንረኽቦን ኢና” ትብል።

    •  በዓለ ጽንሰታ ለማርያም። “እቲ [ማርያም] ካብቲ ኻብ ኣዳም ዚውረስ ሓጢኣት ሓራ ኸም ዝነበረት ዚገልጽ ትምህርቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት የልቦን፣ . . . ቤተ ክርስትያን ዝበጽሓቶ መደምደምታ እዩ።”—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ።

    •  ጾም ኣርብዓ። ብመሰረት ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ እዚ ናይ ንስሓን ጾምን እዋን እዚ፡ “ኣብ ራብዓይ ዘመን፡” ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኻብ ዚዛዘም ልዕሊ 200 ዓመት ጸኒሑ እዩ ተኣታትዩ። እዚ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጾም ኣርብዓ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “እቲ ጾም ኣርብዓ ኣብ እትጅምረላ መዓልቲ ኣብቶም ምእመናን ሓሙዅሽቲ ናይ ምግባር ልምዲ፡ ካብቲ ኣብ 1091 እተገብረ ሲኖዶስ በነቨንቶ ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ኪግበር ጸኒሑ እዩ” ይብል።

    •  መስቀል። ብመሰረት እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሶሳይቲ ኤንድ ካልቸር ኢን ዘ መዲቫል ዎርልድ ዚገልጾ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዚብዓል በዓል እዚ፡ “ንርኽበት እቲ ናይ ሓቂ መስቀል (እቲ ክርስቶስ እተሰቕለሉ መስቀል) ዳሜራ ብምውላዕን ኣብ ዙርያኡ ብምስዕሳዕን” እዩ ዚኽበር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ኣይጥቀሙን እዮም።

  •   እቲ በዓል ንሰብ፡ ንሓደ ውድብ፡ ወይ ንሃገራዊ ኣርማ ኽብ ዜብል ድዩ፧

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሰብ ዚእመን፡ ኣብ ሓይሊ ሰብ ከኣ ዚጽጋዕ፡ ልቡ ድማ ካብ የሆዋ ዚርሕቕ ሰብ ርጉም ይኹን።’”—ኤርምያስ 17:5

     ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ዘለዎም ምስጋና ዚገልጹ፡ አረ ምእንታኦም እውን ዚጽልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ከምዚ ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ዝኣመሰለ ጽምብላት ግና ኣይሳተፉን እዮም፦

     ንሓደ ገዛኢ ወይ ፍሉጥ ሰብ ዜኽብር በዓላት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምእንቲ ርእስኹምሲ በቲ ኣብ ኣፍንጫኡ ኸም ዘሎ ትንፋስ ዝዀነ ሰብ ምእማን ሕደግዎ፣ ስለምንታይከ ኣብ ግምት ዚኣቱ፧” ይብል። (ኢሳይያስ 2:22) ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ልደት ንጉስ ወይ ንግስቲ ዝኣመሰለ በዓላት ኣየኽብሩን እዮም።

     ንኽብሪ ሰንደቕ ዕላማ ሃገር ዚግበር ጽምብል። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣየብዕሉን እዮም። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ጣኦታት ተሓለዉ” ስለ ዚብል እዩ። (1 ዮሃንስ 5:21) ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ንባንዴራ ኸም ጣኦት፡—እትምለኽ ነገር፡—ገይሮም ኣይርእይዋን እዮም። ካርልተን ሀይዝ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ግና፡ “ኣብ ሃገራውነት፡ ቀንዲ ምልክት እምነትን ኣምልኾ ዚውሃቦ ነገርን ሰንደቕ ዕላማ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።

     ንቕዱስ ሰብ ክብ ዜብል በዓላት ወይ ጽምብላት። ሓደ ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብኣይ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ሰገደሉ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጴጥሮስ ግና፡ ‘ተንስእ፣ ኣነ እውን ከማኻ ሰብ እየ’ ኢሉ ኣተንስኦ” ይብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:25, 26) ጴጥሮስ ኰነ ኻልኦት ሃዋርያት፡ ፍሉይ ክብሪ ወይ ኣምልኾ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከምዚ ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ንኽብሪ እቶም ከም ቅዱሳን ጌርካ ዚርኣዩ ሰባት ተባሂሉ ዚግበር በዓላት ኣይሳተፉን እዮም፦

    •  መዓልቲ ቕዱሳን። “ንኽብሪ ዅሎም ቅዱሳን ዚግበር ድግስ . . . መበቈል እዚ በዓል እዚ ኻበይ ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ።”—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ።

    •  በዓለ እመቤትና ጓደሉፕ። እዚ በዓል እዚ ንኽብሪ እታ ገሊኦም ሰባት ንማርያም ኣደ የሱስ ከም እተመልክት ዚኣምኑላ፡ “ንመክሲኮ እተዕቍብ ቅድስቲ” ተባሂሉ ዚግበር እዩ። ብ1531 ንሓደ ሓረስታይ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም እተራእየቶ እዩ ዚእመን።—ዘ ግሪንዉድ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ላቲኖ ሊተረቸር።

      በዓለ እመቤትና ጓደሉፕ

    •  መዓልቲ ስም። ብመሰረት እታ ሰለብሬቲን ላይፍ ካስተምስ ኣራውንድ ዘ ዎርልድ—ፍሮም በይቢ ሻወርስ ቱ ፍዩነራልስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መዓልቲ ስም ነቲ ሓደ ቘልዓ ኣብ መዓልቲ ጥምቀቱ ወይ ኣባል ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝዀነላ መዓልቲ ብስሙ እተሰየመሉ ቕዱስ ሰብ ንምኽባር ዚግበር በዓል እዩ።” ወሲኻ ድማ፡ “ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሃይማኖታዊ ነገራት እዩ ዚግበር” ትብል።

     ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ዜኽብር በዓላት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ሰብ ካብ ምእማንሲ፡ ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ ይሓይሽ” ይብል። (መዝሙር 118:8, 9) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገም ኪፍታሕ ዚኽእል ብሰባት ዘይኰነስ ብኣምላኽ ምዃኑ ኸም ዚኣምኑ ምእንቲ ኼርእዩ፡ ኣብ ከም መዓልቲ መንእሰያት ወይ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ዜኽብር በዓላት ኣይሳተፉን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ መዓልቲ ሓርነት ወይ ተመሳሳሊ ጽምብላት ኣይሳተፉን እዮም። ኣብ ክንዳኡ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ምስ ዓሌትነትን ዘይማዕርነትን ዚተሓሓዝ ጸገማት ክትፈትሖ እዮም ዚጽበዩ።—ሮሜ 2:11፣ 8:21

  •   እቲ በዓል ንሓንቲ ሃገር ወይ ንሓደ ዓሌት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኽብ ዜብል ድዩ፧

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

     ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመበቈል ሃገሮም ዚፈትውዋ እኳ እንተ ዀኑ፡ በዚ ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ መገዲ ኣቢሉ ንሓንቲ ሃገር ወይ ንሓደ ዓሌት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኽብ ዜብል በዓላት ግና ኣየብዕሉን እዮም።

     ንኽብሪ ሰራዊት ዚግበር በዓላት። የሱስ ውግእ ኣብ ክንዲ ዜተባብዕ፡ ንሰዓብቱ፡ “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ” በሎም። (ማቴዎስ 5:44) ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽብሪ ወተሃደራት ኣብ ዚግበር በዓላት ኣይሳተፉን እዮም፣ እዚ፡ ነዚ ዚስዕብ በዓላት የጠቓልል፦

    •  መዓልቲ ኣንዛክ። “ኣንዛክ ንጕጅለ ሰራዊት ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ዚውክል መጸውዒ እዩ።” ስለዚ፡ “መዓልቲ ኣንዛክ፡ ድሕሪ ግዜ ነቶም ኣብ ውግእ ዝሞቱ እትዝከረላ መዓልቲ ዀይና።”—ሂስቶሪካል ዲክሽነሪ ኦቭ ኣውስትራልያ።

    •  መዓልቲ ገዳይም ወይ መዓልቲ ዝኽሪ (ቨተራንስ ደይ፡ ሪመምበራንስ ደይ፡ ሪመምበራንስ ሳንደይ፡ ወይ መሞርያል ደይ)። እዚ በዓላት እዚ ንዝኽሪ “ገዳይም ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ውግእ እታ ሃገር ዝሞቱን” ዚግበር እዩ።—ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ።

     ንታሪኽ ወይ ንናጽነት ሓንቲ ሃገር ንምብዓል ዚግበር ጽምብላት። የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ ኺዛረብ ከሎ፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:16) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ታሪኽ ሓንቲ ሃገር ምፍላጥ የሐጕሶም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ከምዚ ስዒቡ ተጠቒሱ ዘሎ ዝኣመሰለ በዓላት ግና ኣይሳተፉን እዮም፦

    •  መዓልቲ ኣውስትራልያ። ብመሰረት ዎርልድማርክ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ካልቸርስ ኤንድ ደይሊ ላይፍ፡ እዚ በዓል እዚ፡ “ነታ ወተሃደራት እንግሊዝ ብ1788 ባንዴራኦም ብምልዓል ኣውስትራልያ ሓዳስ ግዝኣቶም ከም ዝዀነት ዝኣወጁላ መዓልቲ” ዜኽብር እዩ።

    •  መዓልቲ ጋይ ፋውክስ። እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ “ንፍሽለት እቲ ጋይ ፋውክስን ካልኦት ደገፍቲ ካቶሊክን ብ1605 ንንጉስ ጄምስ ቀዳማይ ኰነ ንኣባላት ፓርላማ [እንግሊዝ] ንምቕታል ዝገበርዎ ፈተነ ዚዝከረላን ሃገራዊ በዓል ዚግበረላን መዓልቲ እያ።”—ኤ ዲክሽነሪ ኦቭ ኢንግሊሽ ፎክሎር።

    •  መዓልቲ ናጽነት። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ “ነቲ ሓንቲ ሃገር ናጻ ዝወጸትሉ ዕለት ንምዝካር ህዝባዊ በዓል ክትከውን እተሓርየት መዓልቲ እያ።”—ሚርያም-ወብስተርስ ኣንብሪጅድ ዲክሽነሪ።

  •   እቲ በዓል ብቐይዲ በተኽ ወይ ብጽዩፍ ባህርያት ዚልለ ድዩ፧

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ብንውርምና፡ ብፍትወት፡ ብስኽራን፡ ብፈንጠዝያ፡ ብመስተ ብምውድዳር፡ ብፍንፉን ኣምልኾ ጣኦት ክትመላለሱ ኸለኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ግዜ ይኣክል እዩ።”—1 ጴጥሮስ 4:3

     ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስዚ ስርዓት ብምስምማዕ፡ ስኽራንን ፈንጠዝያን ካብ ዘለዎ ጽምብላት ይርሕቁ እዮም። ምስ ፈተውትኻ ተኣኻኺብካ ግዜ ምሕላፍ ይፈትዉ እዮም፣ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ እንተ ወሲኖም ድማ ብመጠኑ ይሰትዩ እዮም። ነቲ፡ “እንተ በሊዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቲኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ጌርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዝብል ማዕዳ ኺስዕብዎ ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም።—1 ቈረንቶስ 10:31

     ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚዅንኖ ጽዩፍ ነገራት ኣብ ዜተባብዕ ካርኒቫላት ወይ ተመሳሳሊ በዓላት ኣይሳተፉን እዮም። እዚ ነቲ ጱሪም ዚብሃል በዓል ኣይሁድ የጠቓልል። ጱሪም ንዝኽሪ እቲ ኣይሁድ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ሓራ ዝወጹሉ ኣጋጣሚ ዚግበር ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ በዓል እኳ እንተ ዀነ፡ ኢሰንሻል ጁዳይዝም ዚብሃል መጽሓፍ ከም ዝገልጾ ግና፡ ሎሚ እዚ በዓል እዚ፡ “ከም ናይ ኣይሁድ ካርኒቫል ተገይሩ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።” መብዛሕትኦም እቶም ፈንጠዝቲ፡ “ፍሉይ ልብሲ (መብዛሕትኡ ግዜ ሰብኡት ክዳን ኣንስቲ) ይለብሱ፣ ባህርያት ናዕቢ የንጸባርቑ፡ እምብዛ ይሰትዩ፡ ጫውጫው ድማ ይብሉ እዮም።”

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ በዓላት ዘየብዕሉ ኽነሶም ንስድራ ቤቶም የፍቅሩ ድዮም፧

 እወ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤቶም፡ እንተላይ ነቶም እተፈልየ እምነት ዘለዎም፡ ኬፍቅሩን ኬኽብሩን ይምህር እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2, 7) ሓቂ እዩ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ገሊኡ በዓላት ምስታፍ ምስ ዜቋርጽ፡ ገሊኦም ኣባላት ቤተ ሰቡ ኺጕህዩ፡ ኺጕድኡ፡ ወይ እተጠልሙ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተበግሶኦም ንቤተ ሰቦም ከም ዜፍቅርዎም ይገልጹሎም፡ እቲ ውሳነ እቲ ዝወሰኑሉ ምኽንያት ብሜላ የረድእዎም፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን ይበጽሕዎም እዮም።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት፡ ገሊኡ በዓላት ከየብዕሉ ይነግርዎም ድዮም፧

 ኣይፋልን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ኺገብር ከም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። (እያሱ 24:15) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖታዊ እምነቶም ብዘየገድስ፡ ‘ንዅሉ ዓይነት ሰብ የኽብሩ’ እዮም።—1 ጴጥሮስ 2:17

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዅሉ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘየብዕልዎ በዓላት ኰነ ንዅሉ እቲ ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትጠቅስን እያ።

b ከይ. ኢ. ኢዱልጂ ዝጸሓፋ፡ ሚትራ፡ ሚትራይዝም፡ ክሪስትማስ ደይ ኤንድ ያልዳ፡ ገጽ 31-33።