ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ናይ ሓቂ ሃብቲ ረኺበ

ናይ ሓቂ ሃብቲ ረኺበ
  • ዓመተ ልደት፦ 1968

  • መበቈል ሃገር፦ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

  • ታሪኽ፦ ሃብቲ ኺረክብ ዝጸለየ ኣካያዲ ስራሕ

ሕሉፍ ህይወተይ

 ኣብ ሮቸስተር፡ ኒው ዮርክ፡ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ኰይነ እየ ዓብየ። ወለደይ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከለኹ እዮም ተፈላልዮም። ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ሰሙን ምስ ኣደይ ኣብቲ ንድኻታት እተዳለወ ቤት፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ድማ ምስ ኣቦይ ኣብ ሰፈር ሃብታማት እነብር ነይረ። ኣደይ፡ ሽዱሽተ ቘልዑ ንምዕባይ እተሕልፎ ዝነበረት ቃልሲ ምስ ረኣኹ፡ ሃብቲመ ንስድራ ቤተይ ንምሕጋዝ ክምነ ጀመርኩ።

 ኣቦይ ዕዉት ኪኸውን ይደልየኒ ስለ ዝነበረ፡ ንሓደ ጽቡቕ ስም ዝነበሮ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር ሆቴል ክርእዮ ምድላዋት ገበረ። ነቲ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝፈቶኽዎ ድማ ኣብኡ ተመዝገብኩ፣ ኣምላኽ ነቲ ሃብታምን ሕጉስን ክኸውን ዘቕረብክዎ ጸሎት ዚምልሰለይ ዘሎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ኣብ ላስ ቬጋስ፡ ነቫዳ ኣብ ሓደ ካዚኖ ዘለዎ ሆቴል እናሰራሕኩ ኸኣ ንሓሙሽተ ዓመት ምሕደራ ሆቴልን ሕጊ ንግድን ምሕደራ ገንዘብን ኣጽናዕኩ።

ሓደ ኻብቲ ስራሐይ፡ ንሃብታማት ተጣላዕቲ ምእንጋድ እዩ ነይሩ

 ወዲ 22 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሓጋዚ ምክትል ፕረዚደንት ካዚኖ ዘለዎ ሆቴል ኰንኩ። ብሉጽ ምግቢ እምገብ፡ ክቡር ወይንን ኣልኮላዊ መስተን ድማ እሰቲ ነይረ፣ ሰባት ከም ሃብታምን ዕዉትን ሰብ ገይሮም እዮም ዚርእዩኒ ነይሮም። ናይ ስራሕ ኣዕሩኸይ፡ “ኣብ ዓለም እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ገንዘብ ስለ ዝዀነ፡ ኣብኡ ኣተኵር” ይብሉኒ ነይሮም። ብኣረኣእያኦም፡ ገንዘብ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ እዩ ነይሩ።

 ሓደ ኻብቲ ስራሐይ፡ ነቶም ኪጣልዑ ናብ ላስ ቬጋስ ዝመጹ ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት ምእንጋድ እዩ ነይሩ። ሃብታማት እኳ እንተ ነበሩ፡ ሕጉሳት ግና ኣይነበሩን። ኣነ እውን ሓጐሰይ ከጥፍእ ጀመርኩ። ዝያዳ ገንዘብ እናደለብኩ ብዝኸድኩ ኸኣ ዝያዳ እጭነቕን ድቃስ እስእንን ነበርኩ። ርእሰይ ከጥፍእ እውን ክሓስብ ጀመርኩ። ብህይወተይ ስለ ዝጐሃኹ ድማ፡ “ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ክረክብ እኽእል፧” ኢለ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሉ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ኣሓተይ ናብ ላስ ቬጋስ ገዓዛ። ጽሑፋተን ምቕባል እኳ እንተ ኣበኹ፡ ነቲ ናተይ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳታተን ኰይነ ኸንብቦ ግና ተሰማማዕኩ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱሰይ፡ ቃላት የሱስ ብቐይሕ እዩ ተጻሒፉ ነይሩ። ንዅሉ እቲ የሱስ ዚብሎ እቕበሎ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣሓተይ ኣብ ቃላቱ ኣተኰራ። በይነይ ክኸውን ከለኹ እውን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ አንብቦ ነይረ።

 ብዙሕ ካብቲ ዘንበብክዎ ነገራት ይገርመኒ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ፡ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምቲ ብምብዛሕ ቃላት ዚስምዑ ዚመስሎም ኣህዛብ ዚገብርዎ፡ ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 6:7) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ኻህን ንዓይ ስእሊ የሱስ ሂቡ፡ ዓሰርተ ኣቡነ ዘበሰማያትን ዓሰርተ ውዳሰ ማርያምን እናደገምኩ ናብታ ስእሊ እንተ ጸልየ፡ ኣምላኽ ዝደለኽዎ መጠን ገንዘብ ከም ዚህበኒ ነጊሩኒ ነይሩ እዩ። ከምዚ ኽገብር ከለኹ ደኣ እሞ፡ ሕደ ቓላትዶ ኣይኰንኩን ዝደጋግም ዘለኹ፧ ነቲ፡ “ኣቦኹም እውን ሓደ፡ ንሱ ድማ ሰማያዊ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ” ዚብል ካልእ ቃላት የሱስ እውን ኣንቢበዮ እየ። (ማቴዎስ 23:9) ስለዚ፡ ‘ኣነን ካልኦት ምእመናን ካቶሊክን ንኻህናትና “ኣባ” ኢልና እንጽውዖም ደኣ ስለምንታይ ኢና’ ኢለ ሓሰብኩ።

 ንመልእኽቲ ያእቆብ ምስ ኣንበብክዋ፡ ብዛዕባ እቲ ዓለማዊ ኣሳልጦይ ብዕምቈት ክሓስብ ጀመርኩ። ኣብ ምዕራፍ 4፡ ያእቆብ፡ “ኣትን ዘመውቲ፡ ዕርክነት ምስ ዓለምሲ ጽልኢ ምስ ኣምላኽ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣር፡ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደሊ፡ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእቆብ 4:4) እታ፡ “እቲ ቕኑዕ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንዕኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ” እትብል ፍቕዲ 17 ኸኣ ብዝያዳ መሲጣትኒ እያ። ሽዑ ናብ ኣሓተይ ደዊለ እቲ ናይ ካዚኖ ስራሐይ ከም ጠላዕን ስስዐን ዝኣመሰለ ደጊም ኣነ ክቕበሎ ዘይክእል ነገራት ዜጠቓልል ስለ ዝዀነ፡ ክሓድጎ ምዃነይ ነገርክወን።

“ንመልእኽቲ ያእቆብ ምስ ኣንበብክዋ፡ ብዛዕባ እቲ ዓለማዊ ኣሳልጦይ ብዕምቈት ክሓስብ ጀመርኩ”

 ምስ ኣምላኽን ምስ ስድራ ቤተይን ዘሎኒ ርክብ ከመሓይሽ ስለ ዝደለኹ፡ ከምኡ ንምግባር ዜድልየኒ ግዜ ምእንቲ ኽረክብ፡ ህይወተይ ከቕልል ወሰንኩ። ምትዕርራይ ምግባር ግና ቀሊል ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ኣብቲ ካዚኖ ናይ ስራሕ ዕቤት ቀሪቡለይ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንደሞዘይ ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ዕጽፊ ዚውስኽ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ጸለኹ ግና፡ ደጊም ከምዚ ዓይነት ህይወት ክነብር ከም ዘይደሊ ወሰንኩ። ስለዚ፡ ንስርሐይ ሓዲገ ኣብ ናይ ኣደይ ጋራጅ ክነብር ጀመርኩ፣ ዝርዝር ዓይነት ምግቢ ዝሓዘ ሜኑ ዝጥርዘሉ ንእሽቶ ስራሕ ድማ ከፈትኩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ንዝሓሸ ነገራት ቀዳምነት ክህብ እኳ እንተ ሓገዘኒ፡ ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ኣይከይድን እየ ነይረ። ኣሓተይ ከኣ ስለምንታይ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይፈትዎም ሓተታኒ። ኣነ ድማ፡ “ኣምላኽኩም የሆዋ ንስድራ ቤታት ስለ ዚፈላሊ እዩ። ምስ ስድራ ቤተይ ከሕልፎ ዝኽእል እንኮ ግዜ ኣብ እዋን ልደተ ክርስቶስን ዕለተ ልደትን ጥራይ እዩ፣ ንስኻትኩም ድማ ነዚ በዓላት ኣይተብዕልዎን ኢኹም” ኢለ መለስኩለን። እታ ሓንቲ ሓብተይ ከኣ ክትነብዕ ጀመረት፣ “ኣብተን ኣብ ዓመት ዘለዋ ዝተረፋ መዓልትታትከ ኣበይ ኣለኻ፧ ኣብ ዝዀነ እዋን ኣእዳውና ዘርጊሕና ኽንቅበለካ ንደሊ ኢና። ንስኻ ግና ኣብዘን በዓላት ጥራይ ኢኻ ኽትመጽእ እትደሊ፣ ነዚ ኸኣ ግዴታ ዀይኑካ ኢኻ እትገብሮ” ድማ በለትኒ። ቃላታ ንልበይ ስለ ዝተንከዮ ኸኣ፡ ኣነ እውን ነባዕኩ።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራ ቤቶም ዜፍቅሩ ምዃኖም፡ ኣነ ድማ ተጋግየ ምንባረይ ምስ ተረድኣኒ፡ ኣብ ከባቢና ኣብ እትርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክእከብ ወሰንኩ። ሽዑ ምስ ሓደ ምኩር መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኬቨን ተራኺብና፣ ንሱ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረኒ ጀመረ።

 ኬቨንን ብዓልቲ ቤቱን፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዜድሊ እኹል ግዜ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ሚዛናውን ቀሊልን ህይወት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣታዊኦም ነቲ ናብ ኣፍሪቃን ናብ ማእከላይ ኣመሪካን ንምጋሽ ዜድልዮም ወጻኢታት ይሽፍኑሉ ነይሮም እዮም፣ ስለምንታይሲ ኣብኡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይህነጽ ነይሩ እዩ። ሕጉሳትን ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ‘ከምዚ ዓይነት ህይወት እየ ኽነብር ዝደሊ’ ኢለ ሓሰብኩ።

 ኬቨን፡ ዕዮ ሚስዮናውነት ዜምጽኦ ሓጐስ እትገልጽ ቪድዮ ምስ ኣርኣየኒ፡ ኣነ እውን ከምኡ ኽገብር ከም ዚደሊ ወሰንኩ። ንሽዱሽተ ወርሒ ጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባረይ፡ ብ1995 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ። ንኣምላኽ ሃብቲ ኺህበኒ ኣብ ክንዲ ዝልምን፡ “ድኽነት ኰነ ሃብቲ ኣይትሃበኒ” ኢለ ኽጽሊ ድማ ጀመርኩ።—ምሳሌ 30:8

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 ሕጂ ናይ ሓቂ ሃብቲ ረኺበ እየ፣ እዚ ሃብቲ እዚ ግና ገንዘብ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ሃብቲ እዩ። ኣብ ሆንዱራስ ምስታ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ ዝዀነት ኑርያ ተራኸብኩ፣ ክልቴና ድማ ኣብ ፓናማን መክሲኮን ሚስዮናውያን ኴንና ኣገልጊልና ኢና። እተን፡ “በረኸት የሆዋ የሀብትም፣ ስቓይ እውን ኣይውስኸሉን” ዚብላ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እየን!—ምሳሌ 10:22