ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማእከላይ ኣመሪካ ይበጽሑ

ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማእከላይ ኣመሪካ ይበጽሑ

ብ2015 ኣስታት 175,000 ሰባት ነቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማእከላይ ኣመሪካ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጺሖም፣ እዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብገምጋም 670 ዚዀኑ ሰባት ይበጽሑ ነይሮም ማለት እዩ። ብዙሓት ካብቶም በጻሕቲ፡ በብጕጅለ ዀይኖም ብእተኻረይወን ኣውቶቡሳት ንመዓልታት ተጓዒዞም እዮም መጺኦም። ገሊኣቶም ድማ ነዚ ጕዕዞ እዚ ኣዋርሕ ኣቐዲሞም እዮም መዲቦምዎ።

“ፕሮጀክት ቤት-ኤል”

ገሊኣቶም ነዚ ቤት-ኤል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዚ ንምብጻሕ መስዋእቲ ኺገብሩ ኣድልይዎም እዩ። ንኣብነት፡ መብዛሕትኦም ኣባላት እታ ኣብ ኣውራጃ ቨራክሩዝ እትርከብ ጉባኤ ነቲ ን550 ኪሎ ሜተር ብኣውቶቡስ ዚግበር ጕዕዞ መኽፈሊ ዚኸውን ገንዘብ ኣይነበሮምን። ስለዚ፡ “ፕሮጀክት ቤት-ኤል” ዝሰመይዎ መደብ ኣውጽኡ። በብጕጅለ ተወዲቦም ከኣ ምግቢ ሰሪሖም ኪሸጡ ጀመሩ። ብዘይካዚ፡ ብፕላስቲክ እተሰርሐ ጥርሙዝ ከም ብሓድሽ ይምስርሑ ነበሩ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ነቲ ጕዕዞ ኺፍጽምዎ ዜኽእሎም ገንዘብ ኣዋህለሉ።

እሞኸ እዚ ዅሉ ጻዕሪ ዚኽሕስ ድዩ ነይሩ፧ እቶም በጻሕቲ፡ ዚኽሕስ ምንባሩ እዮም ዚኣምኑ። ንኣብነት፡ ኣባል እታ ጉባኤ ዝዀነ ሉስዮ ዚብሃል መንእሰይ፡ “እቲ ናብ ቤት-ኤል ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ተወሳኺ መንፈሳዊ ሸቶታት ከውጽእ ደሪኹኒ እዩ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ጉባኤና ብዝያዳ አገልግል ኣለኹ” ኢሉ ጸሓፈ። ጓል 18 ዓመት ዝዀነት ኤልዛቤት ድማ፡ “ኣብ ቤት-ኤል ነታ መለለዪት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዀነት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽርእያ ኽኢለ እየ። ንኣምላኽ ዝያዳ ኽህቦ ስለ እተደረኽኩ ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ” በለት።

ኣሽሓት ኰይኖም ይመጹ

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ በጻሕቲ ዑደት ኪገብሩ ይመጹ እዮም። እቶም ኣብ ክፍሊ ዑደት ዚዓይዩ ንዅሎም በጻሕቲ ንምእንጋድ ኣበርቲዖም እዮም ዚዓይዩ። ሊዚ፡ “ብዝሒ እቶም ዝመጹ ምርኣይ፡ ብሓቂ ዜተባብዕ እዩ። እቶም በጻሕቲ ዘለዎም ሞሳ ኽርኢ ኸለኹ፡ ናብዚ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንምምጻእ ዚኸፍልዎ መስዋእቲ ድማ ክሰምዕ ከለኹ፡ እምነተይ ትድልድል እያ” በለት።

ነቶም ዝመጹ ኣሽሓት በጻሕቲ ንምእንጋድ፡ እቶም ኣብ ቤት-ኤል ካልእ ዕዮ ዘለዎም እውን ከይተረፉ ዑደት የግብሩ እዮም። እዚ ንዓታቶም ተወሳኺ ስራሕ እኳ እንተ ዀነ፡ በጻሕቲ ምቕባል የሐጕሶም እዩ። ህዋን፡ “ዑደት ምስ ኣግበርኩ፡ ኣብ ገጾም ሓጐስ ስለ ዘንብብ፡ ጻዕረይ ዓስቢ ኸም ዘለዎ እፈልጥ እየ” በለ።

“ቈልዑ ብዙሕ እዮም ዚፈትውዎ”

ቈልዑ እውን ናብ ቤት-ኤል ምብጻሕ የሐጕሶም እዩ። ኣብ ክፍሊ ኮምፕዩተር እትዓዪ ኖሪኮ፡ “ዑደት ኪገብሩ ንዝመጹ ቘልዑ፡ ኣብ ቤት-ኤል ኬገልግሉ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም እሓትቶም እየ። ኵላቶም ከኣ ‘እወ!’ ኢሎም እዮም ዚምልሱ” በለት። ሓደ ኻብቲ እቶም ቈልዑ ዚፈትውዎ ነገራት፡ እቲ “ኵርናዕ ካሌብ” ዚብሃል ክፋል እዩ። ኣብኡ ብዓቐን እቶም ኣብቲ ዓርኪ የሆዋ ኹን ዘርእስቱ ብተኸታታሊ ዚወጽእ ቪድዮታት ዚቐርቡ ካርቱናት ካሌብን ሶፍያን ተቘሪጹ ምስ ዝወጸ ምስሊ ኺስኣሉ ይኽእሉ እዮም። ኖሪኮ፡ “ቈልዑ ነዚ ብዙሕ እዮም ዚፈትውዎ” በለት።

ብዙሓት ቈልዑ ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚዕየ ዕዮ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜማስዉሉ ይገልጹ እዮም። ንኣብነት፡ ሄንሪ ዝስሙ ኣብ መክሲኮ ዚነብር ቈልዓ፡ ናብ ቤት-ኤል ምስ መጸ ዚውፍዮ ገንዘብ ኣዋህለለ። ምስ ወፈያኡ ኣሰንዩ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኸኣ፡ “ነዚ ገንዘብ እዚ ተወሳኺ ጽሑፋት ንምድላው ተጠቐሙሉ” ኢሉ ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ንየሆዋ ስለ እተገልግልዎ ነመስግነኩም” በለ።

ክትመጽእ ተዓዲምካ ኣለኻ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈሮምን ናይ ሕትመት መሳለጥያታቶምን ብናጻ ዑደት የግብሩ እዮም። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትበጽሕ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ክትመጽእ ብኽብሪ ንዕድመካ። ንእትገብሮ ምብጻሕ ከም እትሕጐሰሉ ድማ ርግጸኛታት ኢና። ብዛዕባ እዚ ዑደታት እዚ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ትሕቲ ABOUT US > OFFICES & TOURS ርአ።