ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ “ከውሒ” እተገብረ ምርኢት

ኣብ “ከውሒ” እተገብረ ምርኢት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ጽሑፋት ዚሓትማ 15 ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣለዋኦም። እቲ ኣብ ሰልተርስ፡ ጀርመን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማእከላይ ኤውሮጳ ሓደ ኻብዚኣተን እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ብጀርመንኛ “ኸውሒ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ሽቲንፊልስ ዚብሃል ከባቢ እዩ ዚርከብ።

ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ካብ 23-25 ግንቦት 2014 ንጐረባብትን ንነጋዶን ንሰበ ስልጣን እቲ ኸባብን ናብቲ ዘዳለዎ ምርኢት ዓዲሙ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብ21 ሚያዝያ 1984 ብወግዒ ተመሪቑ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ምርኢት “30 ዓመት ኣብ ሰልተር” ዘርእስቱ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ምርኢት፡ ልዕሊ 3,000 ዚዀኑ ዕዱማት ኣብቲ መሳለጥያታት ዑደት ገይሮም እዮም። ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ንኣስታት 30 ዓመት ኪዓዪ ዝጸንሐ ኸንቲባ እታ ኸተማ፡ “ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዑደት ምግባር ወትሩ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ሽቲንፊልስ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ካብ 1979 ክሳዕ 1984 ኣብ ዝነበረ እዋን ብቕልጡፍ ምህናጹ ኽሳዕ ሕጂ እዩ ዚምስጠኒ” በለ።

ጕሉሕ መዳያት እቲ ምርኢት

ሓደ ኽፋል እቲ ምርኢት፡ “ህዝቢ የሆዋ ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ” ዘርእስቱ እዩ ነይሩ። በጻሕቲ ነቲ ኣስታት 120 ዓመት ዘቝጸረ ታሪኽ ናይቶም ኣብቲ ዞባ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዓዚቦም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እዚ ታሪኻዊ ምርኢት ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንዅሎም በጻሕቲ ኽፉት እዩ።

ካልእ ክፋል እቲ ምርኢት ድማ ብርቂ ዝዀኑ ኣገደስቲ መጽሓፍ ቅዱሳት ዜርኢ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ነቲ ብ1534 እተዛዘመ ናይ ቀደም ሕታም ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ጀርመንኛን ንገለ ኽፋል እቲ ብ1599 እተዛዘመ፡ ብ12 ቛንቋ ድማ እተዳለወ ናይ ኤልያስ ሃተር መጽሓፍ ቅዱስን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ምርኢት ዝቐረበ መርኣዪ ጽሑፋትን ስእልታትን ቪድዮታትን ነቲ ንግዜና ዚኸውን ግብራዊ ጥቕሚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጕልሕ እዩ ነይሩ።

ኣብ ክልተ ብዘይ መራሒ እተገብረ ዑደት፡ በጻሕቲ ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታት እቶም ልዕሊ 1,000 ዚዀኑ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚሰርሑን ዚነብሩን ሰብኡትን ኣንስትን ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም። ኣብቲ “ናብራና ኸመይ ይመስል” ዚብል ፍረ ነገር ዝነበሮ ቐዳማይ ምርኢት፡ በጻሕቲ ንገሊኡ መንበሪ ኽፍልታት ርእዮምዎ እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ መመገቢ ኽፍሊ ተመጊቦምን ኣብቲ መናፈሻ ዚመስል ኣጸድ ተዛዊሮምን እዮም። ሓንቲ በጻሒት ከኣ፡ “እዚ ቦታ ኣዝዩ ውቁብ እዩ” በለት።

እቲ “ፍርያት” ዘርእስቱ ኻልኣይ ምርኢት፡ ምሕታምን ምጥራዝን ምልኣኽን ጽሑፋት ዚካየደሉ ኽፍሊ ዜርኢ እዩ ነይሩ። እቶም በጻሕቲ፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕተምን ዚጥረዝን፡ ድሕርዚ ድማ ናብ ልዕሊ 50 ሃገራት ብኸመይ ከም ዚለኣኽ ርእዮም እዮም። ሓደ ሰብኣይ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓለምለኻዊ ውድብ ኣይመስሉንን እዮም ነይሮም። ጽሑፋቶም ናብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም እዩ ዚበጽሕ። እዚ ዅሉ ብወለንተኛታት ጥራይ ኪዕመም ምኽኣሉ ተኣምር እዩ” በለ።

በጻሕቲ ምስቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ተላልዮም

ነቲ jw.org ዚብሃል ወግዓዊ ወብ ሳይት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜላሊ ምልክት፡ ሓደ ኻብቲ ጕሉሕ መዳያት እቲ ምርኢት እዩ ነይሩ። ንኣሽቱን ዓበይትን፡ እተፈላለየ ቪድዮታት ርእዮምን ንብዙሕ ሕቶታቶም መልሲ ረኺቦምሉን እዮም።

ብዙሓት በጻሕቲ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ነገራት ስለ እተማህሩ፡ ኣብ ገጾም ናይ ሓጐስ ፍሽኽታ ይርአ ነይሩ እዩ፣ ነቲ ዕዮ ዘለዎም ኣድንቖት ድማ ገሊጾም እዮም። ሓደ ሰብኣይ፡ “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጌጋ እተረዳእክዎ ብዙሕ ነገራት እዩ ነይሩኒ፣ ንኣረኣእያይ ደጊመ ኽሓስበሉ የድልየኒ እዩ” በለ። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ደጋጊማ፡ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንኣቐዲምካ ምፍራድ እተወግድ መዓልቲ እያ” ትብል ነበረት።

a ክሳዕ 2014 ዝነበረ ኣሃዝ

b ክሳዕ 2014 ዝነበረ ኣሃዝ

c ክሳዕ 2014 ዝነበረ ኣሃዝ