ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ዋልታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምብጻሕ

ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ዋልታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምብጻሕ

ብ2014 ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጫፋት ሰሜናዊ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ንምብጻሕ ብዛዕባ ዝወጸ ሓድሽ መደብ መምርሒ ሃበ። (ግብ. 1:8) ኣብ ፈለማ፡ እቲ መደብ ኣብቶም ኣብ ኣላስካ (ሕ.መ.ኣ.)፡ ኣብ ላፕላንድ (ፊንላንድ)፡ ኑናቩትን ክልታት ሰሜናዊ ምዕራብን (ካናዳ) ዚነብሩ እተመርጹ ማሕበረሰብ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ንሓያሎ ዓመታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብዚ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ዋልታ ዚርከብ ከባቢታት ከይዶም ኪሰብኩ ጸኒሖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ንሓጺር እዋን ጥራይ እዮም ዚጸንሑ ነይሮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ምዕዳል እዮም ዜተኵሩ ነይሮም።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ መደብ እዚ፡ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ዋልታ ንዚግበር ዕዮ ዚቈጻጸር ኣብያተ ጽሕፈት ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ (ፈለምቲ)፡ ኣብ እተመርጸ ኽልታት እንተ ወሓደ ንሰለስተ ወርሒ ኺጸንሑ ዕድመ ኣቕረበሎም። ኣብቲ ማሕበረሰብ ዚነብሩ ሓያሎ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ተገዳስነት እንተ ኣርእዮም፡ እቶም ኣገልገልቲ ዝያዳ መዓልትታት ይጸንሑ፡ ህዝባዊ ኣኼባታት እውን ይመርሑ።

እቲ ሰሜናዊ ኸባቢ ፍሉይ ዝዀነ ብድሆታት ከም ዘለዎ ፍሉጥ እዩ። እቶም ናብ ባሮው፡ ኣላስካ እተመደቡ ኽልተ ፈለምቲ፡ ሓዲኦም ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ካሊፎርንያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ጆርጅያ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ዚነብር ነይሩ። እቲ ኣብ ባሮው ዘሕለፍዎ ናይ መጀመርታ ቘራሪ ወቕቲ ድማ፡ ትሕቲ ዜሮ 38 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ 95 ሚእታዊት ኣባይቲ እታ ኸተማ በጺሖም፣ ጆን ዝስሙ መንእሰይ ንዚርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖምሎም እዮም። ጆን ምስ ፍቕረኛኡ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ይምሃር፡ ነቲ እተመሃሮ ድማ ንኣዕሩኹን ንመሳርሕቱን የካፍሎም ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሞባይል ተሌፎኑ JW Library ተጠቒሙ፡ ካብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ንእሽቶ ጽሕፍቲ፡ ጥቕሲ ዕለት የንብብ እዩ።

ኣብታ ኣብ ክሊ ካናዳ እትርከብ ኑናቩት፡ ናብ ራንኪን ኢንለት ዚመርሕ ጽርግያታት የለን። ስለዚ፡ ክልተ ፈለምቲ ናብታ ንእሽቶ ቝሸት ብነፋሪት ከይዶም እተፈላለየ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ጀመሩ። ሓደ ሰብኣይ ነታ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ረኣያ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ መዓስ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እንሃንጽ ሓተተ። ኣስዒቡ እውን፡ “ኣዳራሽ ምስ ሃነጽኩም ኣብዚ ኸባቢ እንተ ኣልየ፡ ናብ ኣኼባታት ክመጽእ እየ” በለ።

ዓሰርተ ዕጽፊ እቲ ህዝቢ ዝዀኑ ዓጋዘን ናብ ዚርከቡላ ሳቩኮስኪ፡ ፊንላንድ እተመደቡ ፈለምቲ፡ “መጠን ሙቐት ትሑት እዩ፡ ብዙሕ በረድ ድማ ኣሎ” በሉ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብኡ ዚበጽሑሉ እዋን ምሹእ ከም ዝነበረ ገለጹ። ስለምንታይ፧ “ክልታት ምሉእ ብምሉእ ክንሽፍን ክኢልና ኢና” በሉ። ኣስዒቦም እውን፡ “ናብ ኣቝሻትን ናብ ምሕዱግ ቦታታትን ዚመርሕ ጽርግያታት ተጸሪጉን ተጣጢሑን ነበረ። ብምኽንያት እቲ ዝሑል መጠን ሙቐት፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤቶም ኪጸንሑ ተገዲዶም ነይሮም” ዚብል ጸብጻብ ሃቡ።

ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ዋልታ ንዚነብሩ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኸነካፍሎም ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣቓልቦ ሰባት ስሒቡ ኣሎ። ክልተ ፈለምቲ ንኸንቲባ ሓንቲ ኸተማ ኣላስካ ምስ በጽሕዋ፡ ኣብ ሓደ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስሊ እታ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ትራክት ብምልጣፍ፡ ብዛዕባ እቲ ምሳታቶም ዝገበረቶ ምይይጥ ኣወንታዊ መልእኽቲ ጸሓፈት።

ኣብ ሀይንስ፡ ኣላስካ፡ ክልተ ፈለምቲ ኣብ ህዝባዊ ቤተ መጻሕፍቲ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ንሸሞንተ ሰባት ምስ ተቐበሉ፡ ኣብቲ ኸባቢ እትሕተም ጋዜጣ፡ ኣብታ ኸተማ ኻብ ቴክሳስን ሰሜን ካሮሊናን ዝመጹ ኽልተ ሰባት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይህቡ ኸም ዘለዉ ጸብጻብ ኣቕረበት። እቲ ምልክታ፡ “ዝያዳ ኽትፈልጡ እንተ ደሊኹም፡ ኣብ jw.org እተዉ” ብምባል ደምደመ።