ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፋትን ፍቕድታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተኣታተወ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፋትን ፍቕድታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተኣታተወ ብኸመይ እዩ፧

ሓደ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ጉባኤኻ ኻብ ሃዋርያ ጳውሎስ እተላእከት መልእኽቲ ተቐቢላ ኣላ። ክትንበብ ከላ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ “ቅዱሳት ጽሑፋት፡” ማለት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብተደጋጋሚ ኺጠቅስ ኣስተብሂልካ ንበል። (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ‘ካበይ ጠቒሱ ይዛረብ ከም ዘሎ ኽርኢ ምደለኹ’ ኢልካ ድማ ትሓስብ። እዚ ግና ቀሊል ኣይምዀነን ነይሩ። ስለምንታይ፧

ምዕራፋት ወይ ፍቕድታት ኣይነበሮን

እቲ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረ ኢደ ጽሑፍ “ቅዱሳት ጽሑፋት” እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ እስከ ርአ። ገለ ኽፋል እቲ ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላላት ትንቢት ኢሳይያስ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዘሎ ስእሊ ኺርአ ይከኣል እዩ። እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧ ብዘይ ስርዓተ ነጥቢ እተጻሕፈ ተር ዝበለ ጽሑፍ ጥራይ እዩ! ከምዚ ሎሚ እንጥቀመሉ ዘለና ብቝጽሪ እተመቓቐለ ምዕራፋትን ፍቕድታትን እውን ኣይነበሮን።

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመልእኽቶም ብምዕራፋት ወይ ብፍቕድታት ገይሮም ኣይመቓቐልዎን። ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መልእኽቲ ምጽሓፎም፡ ሰባት ንገሊኡ ኽፋላት ጥራይ ዘይኰነስ ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ኺርድእዎ ኢሎም እዮም። ካብ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ኣገዳሲ ደብዳበ ምስ እትቕበል፡ ከምኡዶ ኣይኰንካን ክትገብር እትደሊ፧ ንገለ ኽፋሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብምሉኡ እቲ ደብዳበ ኢኻ እተንብቦ።

ምዕራፋት ወይ ፍቕድታት ዘይነበሮ ምዃኑ ግና ጸገም ፈጢሩ እዩ። ንኣብነት ጳውሎስ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠቅስ ከሎ፡ “ከምኡ ኸኣ ተጻሒፉ ኣሎ” ወይ ‘ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ዝበሎ፡’ ጥራይ እዩ ኺብል ዚኽእል ነይሩ። (ሮሜ 3:10፣ 9:29) ሓደ ሰብ ንዅሉ “ቕዱሳት ጽሑፋት” ኣጸቢቑ ዘይፈልጦ እንተ ዀይኑ ድማ ነቲ ጥቕስታት ኪረኽቦ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ካብ ኣምላኽ እተላእከት ሓንቲ መልእኽቲ ጥራይ ዝሓዘ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ መጽሓፍ ኰነ። ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ኣብ ከም መልእኽትታት ጳውሎስ ዚርከብ ጥቕስታት ዝኣመሰለ ዝደለይዎ ሓበሬታ ንምርካብ ዚሕግዞም ብቝጽርታት እተመቓቐለ ምዕራፋትን ፍቕድታትን ምህላዉ የሐጕሶም እዩ።

‘ምዕራፋትን ፍቕድታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተኣታተወ ደኣ ብኸመይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ምዕራፋት ዘተኣታተወ መን እዩ፧

እቲ ጸኒሑ ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪ ዝዀነ ስተፈን ላንግቶን ዚብሃል እንግሊዛዊ ኻህን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፋት ከም ዝኸፋፈሎ እዩ ዚንገረሉ። ነዚ ዝገበሮ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ 13 ኽፍለ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣብ ፈረንሳ መምህር ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ።

ቅድሚ ላንግቶን፡ ሊቃውንቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ንኣሽቱ ኽፋላት ወይ ምዕራፋት ኪኸፋፍልዎ ፈቲኖም ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ ብቐንዱ ንመወከሲ ዝዓለመ እዩ ዚመስል ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብታ 66 ምዕራፍ ዘለዋ ትንቢት ኢሳይያስ ንሓንቲ ጥቕሲ ንምርካብ ኣብ ክንዲ ኣብ ምልእቲ እታ መጽሓፍ፡ ኣብ ሓንቲ ምዕራፍ ጥራይ ኪደልዩ ንዕኦም ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ምንባሩ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ።

ኰይኑ ግና፡ እዚ ጸገም ፈጢሩ እዩ። እቶም ሊቃውንቲ፡ እተፈላለየን ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕን ኣገባብ እዮም ተጠቒሞም። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ወንጌል ማርቆስ ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ኣብ 16 ምዕራፍ ዘይኰነስ፡ ኣብ 50 ዚኸውን ምዕራፋት እያ ተመቓቒላ ነይራ። ብግዜ ላንግቶን፡ ኣብ ፓሪስ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝመጹ ተመሃሮ ነይሮም እዮም፣ ከካብ መበቈል ሃገሮም ዘምጽእዎ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነበሮም። እንተዀነ ግና፡ መምህራንን ተምሃሮን ካበየናይ ክፋል ኢደ ጽሑፍ ይጠቕሱ ኸም ዘለዉ ብቐሊሉ ኺገልጹ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ምኽንያቱ፡ ኣከፋፍላ ምዕራፋት እቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ኢደ ጽሑፋት ንሓድሕዱ ዚጋጮ እዩ ነይሩ።

ስለዚ ኸኣ ላንግቶን ሓድሽ ኣገባብ ኣከፋፍላ ምዕራፋት ኣማዕበለ። ዘ ቡክኤ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣንበብትን ጸሓፍትን ነቲ ንሱ ዝሰዓቦ ኣገባብ ፈተውዎ፣ ብቕልጡፍ ከኣ ናብ መላእ ኤውሮጳ ኣስፋሕፍሐ” በለት። እዚ ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገባብ ኣከፋፍላ ምዕራፋት፡ ላንግቶን ዘተኣታተዎ እዩ።

ፍቕድታት ዘተኣታተወ መን እዩ፧

ኣስታት 300 ዓመት ጸኒሑ፡ ኣብ መፋርቕ 16 ኽፍለ ዘመን፡ ሮበርት ኢስቲን ዚብሃል ውሩይ ፈረንሳዊ ምሁርን ሓታምን፡ ነገራት ዝያዳ ቐሊል ከም ዚኸውን ገበረ። ዕላማኡ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ንምትብባዕ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ዚስዕብ ብቝጽርታት እተኸፋፈለ ምዕራፋት ከምኡ እውን ፍቕድታት ዘለዎ ምስ ዚኸውን፡ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ድማ ተገንዘበ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብፍቕድታት ምክፍፋል፡ ብኢስቲን እተጀመረ ኣይኰነን፣ ነዚ ድሮ ኻልኦት ገይሮምዎ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ቅድሚ ዘመናት፡ ኣይሁዳውያን ቀዳሕቲ ንብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ማለት ነቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፋት ዘይኰነስ፡ ብፍቕድታት ከፋፊሎምዎ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣከፋፍላ ምዕራፋት እተራእየ፡ እዚ እውን ሓደ ዓይነት ኣገባብ እተኸተለ ኣይነበረን።

ኢስቲን ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ ማለት ነቲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋል፡ ብሓድሽ ኣገባብ እተዳለወ ፍቕድታት ገይሩ ብምክፍፋል ምስቲ ድሮ ብፍቕድታት ተኸፋፊሉ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ጠርነፎ። ብ1553 ከኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገባብ ኣከፋፍላ ምዕራፋትን ፍቕድታትን ዘለዎ ናይ መጀመርታ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ (ብቛንቋ ፈረንሳይኛ) ሓተመ። ገሊኦም ነቐፍቲ ግና ፍቕድታት ንትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምቕቓል፡ እተፈላለየን እተበታተነን ሓሳባት ዝሓዘ ተኸታታሊ ጽሑፍ ከም ዘምሰሎ ገሊጾም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ንሱ እተጠቕመሉ ኣገባብ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብኻልኦት ኣሕተምቲ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።

ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘምጽኣሎም ጥቕሚ

መጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፋትን ብፍቕድታትን ምክፍፋሉ፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ይመስል ይኸውን። እዚ ኣገባብ እዚ ግና ንነፍሲ ወከፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጥቕሲ፡ ልክዕ ከም ቍጽሪ ሳጹን ጶስጣ ፍሉይ “ኣድራሻ” እዩ ዚዀኖ። ርግጽ እዩ፡ ምዕራፋትን ፍቕድታትን ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ኣይኰነን ተገይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ እውን ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይቦታኡ እዩ ዚቘርጾ። እንተዀነ ግና፡ ልክዕ ከምቲ ንሓደ ኽንዝክሮ ዝደለና ኣብ ጽሑፍ ወይ ኣብ መጽሓፍ ዚርከብ መግለጺታትን ሓረጋትን እነስምረሉ፡ ምዕራፋትን ፍቕድታትን ንዓና ፍሉይ ትርጉም ንዘለዋ ጥቕሲ ቐልጢፍና ኽንረኽባን ከነጕልሓን ንኻልኦት ከነካፍሎምን ቀሊል ከም ዚኸውን ገይሩልና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፋትን ብፍቕድታትን ስለ እተኸፋፈለ ኽትጥቀመሉ ምሹእ እኳ እንተዀነ፡ ንብምሉኡ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መልእኽቲ ምርዳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ጥቕስታት ፈላሊኻ ኣብ ክንዲ እተንብብ፡ ምሉእ ሓሳባት ናይ ምንባብ ልማድ ኣማዕብል። ከምኡ ምግባርካ ነቲ፡ “ንድሕነት ዜለብመካ ቕዱሳት ጽሑፋት” ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኺሕግዘካ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15