ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧

ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ናዝራዊ ተቐትለ። መናዓቢ ተባሂሉ ብሓሶት ተኸሲሱን ብዜስካሕክሕ መገዲ ተወቒዑን ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉን እዩ። ኣዝዩ ተሰቅዩ ድማ ሞተ። ኣምላኽ ግና ኣተንስኦ፣ ድሕሪ 40 መዓልቲ ኸኣ ናብ ሰማይ ዓረገ።

እዚ ዜደንቕ ጸብጻብ እዚ፡ ኣብቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ኣርባዕተ ወንጌላት ኢና እንረኽቦ። እዚ ግና ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧ እዚ ኣገዳስን ዜተሓሳስብን ሕቶ እዩ። ዘይተፈጸመ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ክርስትያናዊ እምነት ከንቱ፡ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ድማ ሕልሚ ዀይኑ ጥራይ እዩ ዚተርፍ። (1 ቈረንቶስ 15:14) ብኻልእ ሸነኽ፡ እዚ ፍጻመታት እዚ ብሓቂ ተፈጺሙ እንተ ዀይኑ፡ ደቂ ሰብ ብሩህ መጻኢ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፣ ንስኻ እውን ናይዚ ተኻፋሊ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ፡ ጸብጻባት ወንጌል ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

ጭብጥታት እንታይ እዩ ዚሕብር፧

ጸብጻባት ወንጌል ከም ኣፈ ታሪኽ ዘይኰነስ፡ ሓያል ጻዕሪ እተገብረሉ ልክዕነትን ብጥንቃቐ እተጻሕፈ ዝርዝራትን ዝሓዘ እዩ። ንኣብነት፡ ሓያሎ ኻብቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዚርከብ ቦታታት፡ ሎሚ እውን ኪብጻሕ ይከኣል እዩ። ኣብቲ ጸብጻባት እተጠቕሱ ሰባት እውን ብህይወት ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ብዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ተረጋጊጹ እዩ።—ሉቃስ 3:1, 2, 23

የሱስ እውን በቶም ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ዝነበሩ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ተጠቒሱ እዩ። * እቲ ኣብ ወንጌላት ተገሊጹ ዚርከብ ኣገባብ ኣማውታኡ ምስቲ ሮማውያን ኣብቲ ግዜ እቲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኣገባብ ኣቀታትላ ዚሰማማዕ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ፍጻመታት ኣብ ክውንነት እተመርኰሰን ብዘይ ሕብእብእ እተጻሕፈን ኰይኑ ጕድለታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እኳ ኸይተረፈ ዚገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 26:56፣ ሉቃስ 22:24-26፣ ዮሃንስ 18:10, 11) እዚ ዅሉ ረቛሒታት እዚ፡ ጸሓፍቲ ወንጌል ብዛዕባ የሱስ ቅኑዕን ልክዕን ሓሳባት ከም ዝጸሓፉ እዩ ዚሕብር።

ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስከ፧

የሱስ ብህይወት ከም ዝነበረን ከም ዝሞተን ብዙሓት ዚቕበልዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኣቶም ግና ብዛዕባ ትንሳኤኡ ይጠራጠሩ እዮም። ሃዋርያቱ እውን ከይተረፉ፡ ነቲ የሱስ ከም ዝተንስአ ዚገልጽ ዜና ኣብ ፈለማ ኣይኣመንዎን ነይሮም። (ሉቃስ 24:11) እንተዀነ ግና፡ ንሳቶም ኰኑ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዝተንስአ የሱስ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ረኣይዎ ዅሉ ጥርጣረታቶም በኒኑ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ልዕሊ 500 ዝዀኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነይሮም እዮም።—1 ቈረንቶስ 15:6

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪእሰሩን ኪቕተሉን ከም ዚኽእሉ እናፈለጡ፡ ንዅሉ ሰብ፡ ነቶም ንየሱስ ዝቐተልዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ብትብዓት ሰቢኾምሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-3, 10, 19, 20፣ 5:27-32) እዞም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ፡ የሱስ ብሓቂ ኸም ዝተንስአ ኣርጊጾም እንተ ዘይኣምኑ ነይሮምሲ፡ ብትብዓት ምመስከሩዶ፧ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ክርስትና ቐደም ኰነ ሎሚ ኣብ ዓለም ጽልዋ ኺህልዎ ዝኸኣለ፡ ትንሳኤ የሱስ ብሓቂ ስለ እተፈጸመ እዩ።

እቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ዚገልጽ ሓሳባት፡ ኣገዳሲ ዝርዝራት ዝሓዘ ታሪኻዊ ጸብጻብ እዩ። ነዚ ፍጻመታት እዚ ብጥንቃቐ እንተ ኣንቢብካዮ፡ ብሓቂ ዘጋጠመ ምዃኑ ኼእምነካ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ስለምንታይ ከም ዘጋጠመ ምስ እትርዳእ እምነትካ ዝያዳ ኽትድልድል ትኽእል እያ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጾ እያ።

^ ሕ.ጽ. 7 እቲ ኣብ 55 ድ.ክ. እተወልደ ታሲተስ፡ “ምንጪ ስም እዞም ጕጅለ [ክርስትያናት] ዝዀነ ክርስቶስ፡ ብዘመነ ጢበርዮስ ብሓደ ኻብቶም ተወከልትና ዝዀነ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ሞት ተፈርዶ” ብምባል ጽሒፉ እዩ። ከም ሱቶኒዮ (ቀዳማይ ዘመን)፡ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ጆሰፈስ (ቀዳማይ ዘመን)፡ ከምኡ እውን ኣመሓዳሪ ቢቲንያ ዝነበረ ፕሊኒ ንእሽቶ (መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን) ዝኣመሰሉ ሰባት እውን ብዛዕባ የሱስ ጽሒፎም እዮም።