ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚመስል

ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚመስል

ኵሉ ጽቡቕ ኪኸውን ከሎ፡ ህይወት ጥዑም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ዘጋጠመካ ዅነታት ንህይወትካ ዘይጽወር እንተ ኣምሰሎኸ፧

ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሳሊ፡ * ብሰንኪ ህቦብላ ዅሉ ንብረታ ምስ ሰኣነት፡ “ድሕርዚ ኽጻወር ዝኽእል ኣይመሰለንን ነይሩ። ብዙሕ መዓልትታት ‘ኣኺሉኒ እዩ’ እብል ነይረ” ትብል።

ወይ ድማ እትፈትዎ ሰብካ እንተ ሞይቱካኸ፧ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ጃኒስ፡ “ክልተ ደቀይ ምስ ሰኣንኩ፡ ነቲ እተሰባበረ ህይወተይ ኣርየ ብእተኻእለኒ ኽጽግን ነይሩኒ። ንኣምላኽ ከኣ፡ ‘በጃኻ፡ ልበይ ልዕሊ እዚ ኣይክእልን እዩ! ክድቅስ ሕደገኒ። መሊሰ ኽትንስእ ኣይደልን እየ’ ኢለ ለሚነዮ” ትብል።

ዳንኤል ከኣ ሰበይቱ ምስ ጠለመቶ፡ ብዙሕ ተሃስየ። ስምዒቱ ድማ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ሰበይተይ ከም ዝጠለመትኒ ምስ ተናዘዘት፡ ካራ ንልበይ ከም ዝወግኦ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እዚ ኣካላዊ ስቓይ እዚ ደጋጊሙ እዩ ወጊኡኒ፣ ንኣዋርሕ እውን ቀጺሉ እዩ።”

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ብህይወት ምንባር ብኸመይ ከም ዚሓይሽ ክትገልጽ እያ፦

ፈለማ እምበኣር፡ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ከመይ ጌርና ኽንጻወሮ ኸም እንኽእል ንርአ።

^ ኣብዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።