ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ዝመረሮን ዓመጸኛን እየ ነይረ

ዝመረሮን ዓመጸኛን እየ ነይረ
  • ዓመተ ልደት: 1974

  • መበቈል ሃገር: መክሲኮ

  • ታሪኽ: ዓመጸኛን ኣብ ጐደናታት ዚብኣስን መንእሰይ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብቲ ኣብ ክፍለ ሃገር ታማውሊጳስ፡ መክሲኮ ዚርከብ ዚማርኽ ዞባ ሲዩዳድ ማንተ እየ ተወሊደ። ተቐማጦ እታ ኸተማ ብሓፈሻ ለጋሳትን ለዋሃትን እዮም። እቲ ዜሐዝን ግና፡ እቲ ኸባቢ ብሰንኪ እተወደቡ ጕጅለ ገበነኛታት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ነይሩ።

ካብ ኣርባዕተ ኣወዳት፡ ካልኣይ እየ ነይረ። ወለደይ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣጠሚቖምኒ ነበሩ፣ ጸኒሐ ድማ ኣባል መዘመራን ፓሪሽ ኰንኩ። ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ከይሳቐ ኣመና እፈርህ ስለ ዝነበርኩ፡ ንኣምላኽ ከሐጕሶ እየ ዝደሊ ነይረ።

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ጠንጢኑና ኸደ። እዚ ኣዝዩ ኣጕሃየኒ፡ ናይ ባዶነት ስምዒት ድማ ተሰምዓኒ። ኣዚና እናኣፍቀርናዮስ፡ ስለምንታይ ከም ዝጠንጠነና ኺርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣደይ ንኣርባዕቴና ኣወዳት ዜድልየና ነገራት ንምምላእ፡ ካብ ቤት ወጺኣ ነዊሕ ሰዓታት ክትሰርሕ ተገደደት።

ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒመ፡ ምስቶም ዝዓብዩኒ ቘልዑ ንምሕባር ካብ ትምህርቲ አብኵር ነበርኩ። ምሳታቶም ብምሕባር ጽዩፍ ዘረባን ምትካኽ ሽጋራን ስርቅን ባእስን ተመሃርኩ። ንኻልኦት ምዕብላል እፈቱ ስለ ዝነበርኩ፡ ጕስጥን ቅልስን ማርሻል ኣርትን ኣጠቃቕማ ኣጽዋርን ተመሃርኩ፣ ዓመጸኛ መንእሰይ ድማ ኰንኩ። ብዙሕ ግዜ ብጠበንጃ ኣብ ዚግበር ባእሲ እካፈል ነይረ እየ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ሰብነተይ ብደም ተጸያይቑ፡ ዝሞትኩ መሲልዎም ኣብ ጐደና ሓዲጎምኒ ይኸዱ ነበሩ። ኣደይ፡ ከምዚ ኢለ ኽትረኽበንን ካብኡ ኣልዒላ ብጕያ ናብ ሕክምና ኽትወስደንን ከላስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እያ ብኣይ ትጕሂ ነይራ!

ወዲ 16 ዓመት ከለኹ፡ ጆርጅ ዝስሙ ናይ ቀደም ዓርከይ ኪበጽሓና መጸ። ንሱ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነን ኣገዳሲ መልእኽቲ ኼካፍለና ኸም ዚደልን ነገረና። ብዛዕባ እምነቱ ድማ ካብ መጸሓፍ ቅዱስ ኪገልጸልና ጀመረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ስለ ዘይፈልጥ፡ ብዛዕባ ስም ኣምላኽን ዕላማታቱን ምስ ነገረና ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ምስኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ንዘቕረበልና ዕድመ ድማ ተቐበልናዮ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

እቲ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኸም ዘይኰነ ብምፍላጠይ ናይ ሓቂ እፎይታ ተሰምዓኒ። (መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5) ድሕርዚ፡ ንኣምላኽ ካብ ዝነበረኒ ዘይግቡእ ፍርሂ ናጻ ዀንኩ። ከም ሓደ ንደቁ ጽቡቕ ዚሓስበሎም ፈቃር ኣቦ ገይረ ድማ ክርእዮ ጀመርኩ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝቐጸልኩ፡ ኣብ ባህርያተይ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ትሕትና ኸማዕብልን ካብ ዓመጽ ክርሕቕን የድልየኒ ነበረ። እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ተመዝጊቡ ዚርከብ ምኽሪ ሓጊዙኒ እዩ። “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ወይ ድማ ከምቲ ኣብ እግረ ጽሑፍ እተገልጸ “ንጽቡቕ ስነ ምግባር የበላሽዎ እዩ” ይብል። ባህርያተይ ክቕይር እንተ ዀይነ፡ ምስቶም ኣሉታዊ ጽልዋ ዚገብሩለይ ሰባት ዝነበረኒ ዕርክነት ከቋርጾ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ስለዚ፡ ነቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ሓዲገ፡ ዘይምስምማዕ ኬጋጥሞም ከሎ ብባእስን ብዓመጽን ዘይኰነስ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ምስ ዚፈትሕዎ ኣባላት እታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተቐራረብኩ።

ካልእ ዓብዪ ጽልዋ ዘሕደረትለይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሮሜ 12:17-19 እያ። ከምዚ ድማ እያ እትብል፦ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . . . ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። . . . ‘ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል የሆዋ’ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ቝጥዓስ ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” የሆዋ፡ ንዘይፍትሓውነት ብናቱ መገድን ኣብ ዝደለዮ ግዜን ኪኣልዮ ምዃኑ ኣመንኩ። በብቝሩብ ድማ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ኣነባብራይ ሓደግክዎ።

ሓደ ምሸት ናብ ቤት እናተመለስኩ ኸለኹ ዘጋጠመኒ ነገር ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ቀደም መቀናቕንተይ ዝነበሩ ጕጅለ ዓዋሉ ኣጥቅዑኒ፣ መራሒኦም ድማ “ገዛእ ርእስኻ ተኸላኸል!” ኢሉ ብምጭዳር ብድሕረይ መጺኡ ወቕዓኒ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ንምጽዋሩ ሓይሊ ምእንቲ ኺህበኒ ናብ የሆዋ ሓጺር ጸሎት ኣቕረብኩ። ሕነ ኽፈዲ ዚደፋፍእ ሓያል ስምዒት እኳ እንተ ነበረኒ፡ ስቕ ኢለ መገደይ ክቕጽል ክኢለ እየ። ንጽብሒቱ፡ ምስቲ መራሒ እቶም ጕጅለ ጐፍ ንጐፍ ተራኸብና። ሽዑ ስለ ዝሓረቕኩ፡ ሕነ ኽፈዲ ደልየ ነይረ፣ ኰይኑ ግና፡ ርእሰይ ንምግታእ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ብልበይ ናብ የሆዋ ጸለኹ። እቲ ዜገርም ድማ እቲ መንእሰይ ናባይ ቀሪቡ፡ “ብዛዕባ እቲ ትማሊ ምሸት ዘጋጠመ ነገር ይቕረታ ግበረለይ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣነ እውን ከማኻ ክኸውን እየ ዝደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ክምሃር እደሊ እየ” በለኒ። ቍጥዓይ ክቈጻጸር ብምኽኣለይ፡ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣባላት ስድራ ቤተይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ኣይቀጸሉን። ኰይኑ ግና፡ መጽናዕተይ ክቕጽልን ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ነገር ከየጐናድበንን ቈራጽነት ገበርኩ። ስርዓታዊ ዀይነ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ምሕባረይ፡ ንስምዒታዊ ቝስለይ ከም ዜሕውዮ፡ ንሳቶም ድማ ስድራ ቤት ከም ዝዀኑኒ እፈልጥ ነበርኩ። ዕቤት ምግባር ቀጸልኩ፣ ብ1991 ድማ ተጠሚቐ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ዝመረሮን ዓብላልን ዓመጸኛን እየ ነይረ። እንተዀነ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ንህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ቀይርዋ እዩ። ሎሚ፡ ንዝረኸብክዎ ሰብ ነቲ ሰላም ዝሓዘለ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ አካፍሎ ኣለኹ። ኣብዘን ዝሓለፋ 23 ዓመት ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኽዓዪ መሰል ረኺበ እየ።

ኣብ መክሲኮ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ወለንተኛ ዀይነ ዝዓየኹሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ኣብኡ ምስታ ክላውድያ እትብሃል ጻዕራም ክርስትያን መንእሰይ ተላለና፡ ብ1999 ድማ ተመርዓና። የሆዋ ነዛ እምንቲ መጻምድቲ ብምሃብ ስለ ዝባረኸኒ ኣዝየ ሕጕስ እየ።

ንጽሙማን ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃሩ ንምሕጋዝ፡ ናይ መክሲኮ ቛንቋ ምልክት ኣብ እትጥቀም ጉባኤ ሓቢርና ኣገልጊልና ኢና። ድሕሪኡ፡ ናብ በሊዝ ብምግዓዝ ኣብታ ሃገር ንዚርከቡ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ዕድመ ቐረበልና። ሕጂ፡ ናብራና ቐሊል እኳ እንተዀነ፡ ሕጉሳት ንምዃን ዜድልየና ዅሉ ነገር ኣሎና። እዚ ዝመረጽናዮ ኣነባብራ ኣየጣዕሰናን እዩ።

ድሕሪ ግዜ፡ ኣደይ እንደገና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት፡ ጸኒሓ ድማ ተጠምቀት። ብዘይካዚ፡ ዓብዪ ሓወይን ብዓልቲ ቤቱን ደቆምን ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ገለ ኻብቶም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘካፈልክዎም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ እውን ሕጂ ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤተይ ነቲ ዝነበሮም ናይ ምቝጣዕ ባህርይ ብዘይ ምቕያሮም፡ ህይወቶም ስኢኖም እዮም። ኣነ እውን በቲ መገዲ እቲ እንተ ዝቕጽል፡ መወዳእታይ ከም ናቶም ምዀነ ነይሩ ይኸውን። የሆዋ፡ ናብኡን ናብቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወተይ ከተግብሮ ብትዕግስትን ብለውሃትን ዝመሃሩኒ ኣገልገልቱን ስለ ዝሰሓበኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።