ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጸናንዒ ኻበይ ክትረክብት ኽእል፧

ኵላትና ምጽንናዕ የድልየና እዩ

ኵላትና ምጽንናዕ የድልየና እዩ

ቈልዓ ኸለኻ ዝወደቕካሉ እዋን ትዝ ይብለካዶ፧ ኢድካ ወይ ብርክኻ ተላሕጺጽካ ትኸውን። ሽዑ፡ ኣዴኻ ብኸመይ ከም ዘጸናንዓትካ ትዝክሮዶ፧ ቍስልኻ ሓጺባ ብፋሻ ጀኒናቶ ትኸውን። ዋላ እኳ እንተ በኸኻ፡ እቲ ህዱእ ቃላታን ምዉቕ ሕቝፋን ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ገይሩ እዩ። ቈልዓ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን፡ ብቐሊሉ ኢኻ ምጽንናዕ ትረክብ ኔርካ።

እናዓበና ኽንከይድ ከለና ግና ህይወት ዝያዳ እናተሓላለኸት እያ እትኸይድ። ጸገማት እናዓበየ፡ ምጽንናዕ ምርካብ ድማ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ። እቲ ዜሕዝን፡ እኹላት ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማት፡ ብፋሻን ብናይ ኣደ ምሕቋፍን ዚፍታሕ ኣይኰነን። ሒደት ኣብነታት እስከ ርአ።

  • ካብ ስራሕ ብምውጻእካ ዝሰንበድካሉ ኣጋጣሚ ትዝዶ ይብለካ፧ ሁልያን፡ ካብ ስራሕ ምስ ተሰጕጐ፡ ካብ ስንባድ እተላዕለ ዚገብሮ ጠፍኦ። ‘ከመይ ገይረ እየ ንስድራ ቤተይ ክኣልዮም፧ ምስ እዛ ትካል ንሓያሎ ዓመታት ኣበርቲዐ ዓይየ ኽነሰይሲ፡ ንምንታይ ሕጂ ኸም ዘይጠቅም ገይራ እትርእየኒ፧’ ብምባል ድማ ሓሰበ።

  • ምናልባት ሓዳርካ ብምፍራሱ ሕርር ኵምትር ኢልካ ትኸውን። ራኬል ከምዚ ትብል፦ “ቅድሚ 18 ኣዋርሕ፡ ብዓል ቤተይ ሃንደበት ሓዲጉኒ ምስ ከደ፡ ብጓሂ ተወሓጥኩ። ልበይ ኣብ ክልተ እተመቕለት ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እቲ ቓንዛ፡ ኣካላውን ስምዒታውን እዩ ነይሩ። ኣዝየ ኸኣ ፈራሕኩ።”

  • ምናልባት እውን ብዙሕ ምምሕያሽ ዘይትርእየሉ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ይህልወካ ይኸውን። ሓድሓደ እዋን፡ ከምቲ “ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ” ብምባል ጓሂኡ ዝገለጸ ሓደ ኻብቶም ኣበዋት ዝነበረ እዮብ እተሰምዖ ይስምዓካ ይኸውን። (እዮብ 7:16) ምናልባት እውን ከምቲ “ሓድሓደ ግዜ፡ ክመውት ጥራይ ዝጽበ ዘሎኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ብምባል እተኣመነ ኣብ 80ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ልዊስ እተሰምዖ ይስምዓካ ይኸውን።

  • ምጽንናዕ ክትረክብ ሃረር ከም እትብል ዝገበረካ፡ ሞት እተፍቅሮ ሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሮበርት ከምዚ ይብል፦ “ወደይ ብሓደጋ ነፋሪት ምስ ሞተ፡ ኣብ ፈለማ ኽኣምን ኣይከኣልኩን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስቲ ነዊሕ ሰይፊ ኺኣትወካ ኸሎ ዚስምዓካ ስቓይ ዜመሳሰሎ ዓይነት ስቓይ ከኣ እዩ ተሰሚዑኒ።”—ሉቃስ 2:35

ሮበርትን ልዊስን ራኬልን ሁልያንን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜጨንቕ ኵነታት እውን ከይተረፈ ምጽንናዕ ረኺቦም እዮም። ነዚ ድማ ካብቲ ዝበለጸ ምጽንናዕ ኪህብ ዚኽእል ኣካል፡ ማለት ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዮም ረኺቦምዎ። ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዜጸናንዕ፧ ምጽንናዕ ኬድልየካ ኸሎ፡ ከምቲ ንዕኦም ዜጸናንዖም ኬጸናንዓካ ድዩ፧