ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣልኮላዊ መስተ

ኣልኮላዊ መስተ

ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ጌጋ ድዩ፧

‘ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕሶ፡ ዘይቲ ንገጹ የብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ የጽንዖ።’መዝሙር 104:15

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ፡ እናተመገብካ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ልሙድ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣባይቲ ግና፡ እተኸልከለ እዩ። ከምዚ ዓይነት እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ንሰባት ከም ባህልን ጥዕናን ሃይማኖትን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ረቛሒታት ስለ ዚጸልዎም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ንስኽራንን ይዅንኖ እዩ፣ ብሚዛናዊ መገዲ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ግና ኣይኵንንን እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ወይኒ ይሰትዩ ነይሮም እዮም፣ እዚ ኣልኮላዊ መስተ እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 200 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። (ዘፍጥረት 27:25) መክብብ 9:7 እውን፡ “እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ፡ ወይንኻውን ብሓጐስ ልቢ ስተ” ትብል እያ። ወይኒ ንሰብ ስለ ዜሐጕሶ፡ ኣብ ከም መርዓ ዝኣመሰለ ድግስ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። የሱስ እውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ድግስ ንማይ ናብ “ጽቡቕ ወይኒ” ብምልዋጥ እዩ ናይ መጀመርታ ተኣምሩ ፈጺሙ። (ዮሃንስ 2:1-11) ወይኒ ኣብ ሕክምናዊ መዓላ እውን ይውዕል ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 10:34፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:23

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክንደይ ዚኣክል ክንሰቲ ኸም ዘሎና ይውስን ድዩ፧

‘ንብዙሕ ወይኒ ባሮት ኣይትኹኑ።’ቲቶስ 2:3

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

በብዓመቱ ማእለያ ዘይብለን ስድራ ቤታት፡ ሓደ ወላዲ ወይ ክልቲኦም ወለዲ ኣልኮላዊ መስተ ስለ ዜብዝሑ፡ ኣብ ጸገም ይወድቃ እየን። ብዘይካዚ፡ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ፡ ምውዳቕን ካልእ ሓደጋታትን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ እውን ኣብ ሓንጎልን ልብን ጸላም ከብድን ከስዐን ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምስ መስተን ብልዕን ብእተተሓሓዘ ሚዛንካ ምሕላው፡ ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ብቕዓት እዩ። (ምሳሌ 23:20፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2, 3, 8) ርእስና ዘይንገትእ እንተ ዄንና፡ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልከል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን” ይብል።—ምሳሌ 20:1

ኣልኮላዊ መስተ፡ ነቲ እንስዕቦ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ስለ ዚብሕጕጎ፡ ናብ ዘይጥበባዊ መገዲ ኺመርሓና ይኽእል እዩ። ሆሴእ 4:11፡ “ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ” ይብል። ሓደ ጆን ዝስሙ ሰብኣይ ነዚ ብሕማቕ መገዲ ተመኪርዎ እዩ። a ምስ ሰበይቱ ምስ ተቛየቑ፡ ናብ ሓደ ሆቴል ከይዱ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ሰተየ፣ ዝሙት ድማ ፈጸመ፣ ጸኒሑ ግና ተግባሩ ኣመና ስለ ዘጠዓሶ፡ ፈጺሙ ነዚ ኸም ዘይደግሞ ወሰነ። ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ፡ ብኣካላውን ብስነ ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ኪጐድኣና ይኽእል እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ሰኽራማት ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይረኽቡ እዩ ዚገልጽ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10

ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ግቡእ ዘይከውን መዓስ እዩ፧

“ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።”ምሳሌ 22:3

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ኣልኮላዊ መስተ፡ ሓያል ሓሽሽ እዩ” ይብል። ስለዚ፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ወይ ግዜያት፡ ብመጠኑ ምስታይ እውን እንተ ዀነ፡ ዘይጥበባዊ ዝዀነሉ እዋናት ኪህሉ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ዘይግቡእ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ስለ ዚሰትዩ፡ ‘ናብ ጸገም ህሩጕ ይብሉ እዮም።’ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ‘ንዅሉ ገግዚኡ ኣለዎ’ እዩ ዚብል፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ኽንሰትየሉ ዘይግብኣና ግዜ እውን ዜጠቓልል እዩ። (መክብብ 3:1) ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ብዕድመ ንእሽቶ ስለ ዝዀነ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ሕጊ ኣይፈቕደሉን ይኸውን፣ ወይ እውን፡ ነቲ ዝነበሮ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዚሓድጎ ዘሎ ሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዘይቃዶ ፈውሲ ይወስድ ይህሉ ይኸውን። ገሊኦም ሰባት ብሕልፊ ኣብ ሓደገኛታት ማሽናት ዚሰርሑ እንተ ዀይኖም፡ ‘ግዜኡ ስለ ዘይኰነ፡’ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምኻዶምን ኣብ እዋን ስራሕ ከለዉን ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ የብሎምን። ጥበበኛታት ሰባት ንህይወትን ንጥዕናን ከም ውህበት ኣምላኽ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (መዝሙር 36:9) ንኣልኮላዊ መስተ ብዚምልከት ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምራሕ እንተ ዄንና፡ ንህይወትን ንጥዕናን ዘሎና ኣኽብሮት ከነርኢ ንኽእል ኢና።

a ስም ተቐዪሩ እዩ።