ምሳሌ 22:1-29

  • ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ (1)

  • ብንእስነት ዚውሃብ ስልጠና ንምሉእ ዕድመ ይጠቅም (6)

  • ሃካይ፡

  • ተግሳጽ ንዕሽነት የርሕቖ (15)

  • ክኢላ ዓያዪ ንነገስታት የገልግል (29)

22  ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፣*+ክብሪ* ኻብ ብሩርን ወርቅን ይሓይሽ።   ሃብታምን ድኻን ሓደ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፣*ንኽልቲኦም ዝገበሮም የሆዋ እዩ።+   ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ* ይጕድኡ።   ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት የሆዋንሲ፡ሃብትን ክብርን ህይወትን* እዩ።+   እሾዅን መጻወድያን ኣብ መገዲ ቔናን እዩ፣እቲ ንህይወቱ* ዜኽብራ ግና፡ ካብኡ ይርሕቕ።+   ንቘልዓ* በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣+ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።+   ሃብታም ንድኻታት ይገዝኦም፣ተለቃሒ ድማ ባርያ ኣለቃሒ እዩ።+   ዓመጻ ዚዘርእ፡ ጥፍኣት ይዓጽድ፣+ሻቦጥ ነድሩ ኸኣ የብቅዕ።+   ምግቡ ንድኻ የካፍሎ እዩ እሞ፡ለጋስ* ይባረኽ።+ 10  ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ባእሲ ኺጠፍእ፡ነገርን ጸርፍን ኬቋርጽ እዩ። 11  ንጹህ ልቢ ዚፈቱ እሞ ማራኺ ዝዘረባኡ፡ንጉስ ፈታዊኡ ይኸውን።+ 12  ኣዒንቲ የሆዋ፡ ፍልጠት ይሕልዋ፣ንቓላት ጠለምቲ ግና ይግልብጠን።+ 13  ሃካይ፡ “ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ!ኣብ ማእከል ኣደባባይ ክቕተል እየ!” ይብል።+ 14  ኣፍ ፋሉል* ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ።+ እቲ የሆዋ ዝዀነኖ ኣብኡ ይወድቕ። 15  ዕሽነት ኣብ ልቢ ቘልዓ* ተኣሲሩ ኣሎ፣+ሻቦጥ ተግሳጽ ግና ካብኡ የርሕቖ።+ 16  ሃብቱ ኺውስኽ ኢሉ ንድኻ ዚዕምጽን+ንሃብታም ህያባት ዚህብንኣብ ድኽነት ይወድቕ። 17  ልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኬቕልብሲ፡+እዝንኻ ኣድንን እሞ ቓላት ጥበበኛታት ስማዕ፣+ 18  ከመይሲ፡ ኵላተን ወትሩ ኣብ ከናፍርካ ምእንቲ ኪዀና፡+ኣብ ውሽጥኻ እንተ ኣንቢርካየን፡ ባህ ዜብል እዩ።+ 19  እምንቶኻ ኣብ የሆዋ ኪኸውንሲ፡ሎሚ ፍልጠት እህበካ ኣለኹ። 20  ምኽርን ፍልጠትን ከካፍለካ ኢለስድሮዶ ኣይጸሓፍኩልካን፧ 21  ናብቲ ዝለኣኸካ፡ ልክዕ ጸብጻብ ሒዝካ ምእንቲ ኽትምለስ፡ናይ ሓቅን ዜተኣማምንን ቃላት ክምህረካ ኢለስ ከምኡዶ ኣይገበርኩን፧ 22  ንድኻ፡ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትዝመቶ፣+ንትሑት ከኣ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ኣይትጨፍልቆ።+ 23  የሆዋስ ኪማጐተሎም እዩ፣+ህይወት እቶም ዝዓመጽዎም ከኣ ኬጥፍእ እዩ።* 24  ምስ ቍጡዕ ሰብ ኣይትሕበር፣ምስ ነዳሪ ድማ ኣይትቀራረብ። 25  መገድታቱ ኸይትምሃር፡ንርእስኻ* ኸኣ ከይተፈንጥራስ፡ ከምኡ ኣይትግበር።+ 26  ካብቶም ከም መግለጺ ስምምዕ ኢድ ዚጠቕዑ፡ካብቶም ንልቓሕ ዚውሓሱ ኣይትኹን።+ 27  እትኸፍሎ እንተ ዘይብልካ፡ዓራትካ ኻብ ትሕቴኻ ኺውሰድ እዩ! 28  ኣቦታትካ ዘንበርዎ፡ናይ ቀደም ምልክት ዶብ ኣይተግዕዝ።+ 29  ኣብ ዕዮኡ ኽኢላ ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ይቐውም፣+ኣብ ቅድሚ ተራ ሰባት ኣይቀውምን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሞገስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይራኸቡ።”
ወይ፡ “ብመቕጻዕቲ።”
ወይ፡ “ነፍስን።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ንመንእሰይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጽቡቕ ዝዓይኑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ባዕዲ፣ ዘይትፈልጣ።” ኣብ ምሳ 2:16 ርአ።
ወይ፡ “መንእሰይ።”
ወይ፡ “ነፍሲ እቶም ዝዓመጽዎም ኪዘምት እዩ።”
ወይ፡ “ንነፍሲ።”