ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ፍረደሪክ ዲሙላ

‘ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣሚነ እየ’

‘ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣሚነ እየ’

ፍረደሪክ ዲሙላ ኣብቲ ኣብ በልጅዩም ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ጀንት፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዓውዲ ምርምር ሕክምናዊ መድሃኒት ዓይዩ እዩ። ቀደም ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምን ኢዘሀራዊ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ግና፡ ኣምላኽ ንህይወት ከም ዝፈጠራ ኣመነ። መጽሔት ንቕሑ! ነቲ ሕጂ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ፍረደሪክ፡ ብዛዕባ ዕዮኡን እምነቱን ሓቲታቶ ኣላ።

ሃይማኖት ኣብ ግዜ ቝልዕነትካ ገለ ግደ ነይሩዎዶ፧

እወ። ኣደይ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ እያ ነይራ። ኣነ ግና ብዛዕባ ውግእ መስቀላውያንን ፍርዲ መናፍቓንን ምስ ኣንበብኩ፡ ንሃይማኖት ስለ ዝጸላእክዎ፡ ካብኡ ረሓቕኩ። ብዛዕባ እተን ክርስትያናት ዘይኰና ሃይማኖታት እውን ኣንቢበ ነይረ እየ፣ ዝሓሸ ነገር ግና ኣይረኸብኩለንን። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ እቲ ኣብ ሃይማኖት ዚርአ ሰፊሕ ብልሽውና፡ ኣምላኽ ከም ዘየለ ዚሕብር መርትዖ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ስለዚ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ምስ ተመሃርኩ፡ ህይወት ብፍልቀት ከም ዝመጸት ደምደምኩ።

ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ክትግደስ ዝጀመርካ ብኸመይ ኢኻ፧

ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ ማይክሮስኮፕ ተዋህበትኒ፣ ዝፈትዋ መጻወቲተይ ከኣ ኰነት። ከም ጽምብላሊዕ ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ዜደንቑ ሓሸራታት ምርምር ንምግባር ድማ እጥቀመላ ነይረ።

ብዛዕባ መበቈል ህይወት ክትግደስ ዝጀመርካኸ ብኸመይ ኢኻ፧

ወዲ 22 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ተመራማሪት ስነ ፍልጠት ተላለኹ። ኣምላኽ ንህይወት ከም ዝፈጠራ ድማ እያ እትኣምን ነይራ። እዚ ግና ንዓይ ሓድሽ ነገር ኰነኒ። እምነታ ትርጕም ከም ዘይብሉ ብቐሊል መገዲ ኸረድኣ ኸም ዝኽእል ድማ ሓሰብኩ። እቲ ዜገርም ግና፡ ንሕቶታተይ ብዜእምን መገዲ መለሰትለይ። በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ሰባት ናይ ምፍላጥ ድሌት ሓደረኒ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ብዛዕባ ሕክምናዊ ጕዳያት ብዙሕ ፍልጠት ምስ ዘለዎ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ። ብዛዕባ እምነቱ ንኺገልጸለይ ምስ ሓተተኒ፡ ሰባት ስለምንታይ ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ፡ “ሕራይ” በልክዎ። ካብቲ ግጉይ እምነቱ ኸድሕኖ እየ ሓሲበ ነይረ።

እሞኸ ኸም እተጋገየ ኣእሚንካዮዶ፧

ኣየእመንክዎን። ነቲ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዚገልጽ ክልሰ ሓሳባት ክምርምሮ ጀመርኩ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ገሊኦም ውሩያት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እውን እንተ ዀኑ፡ እቲ ዝቐለለ ዋህዮ ኣዝዩ እተሓላለኸ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ምድሪ ኺምንጭው ከም ዘይክእል እዮም ዚኣምኑ። ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ከምዚ ዓይነት ዋህዮታት ካብ ህዋ ኸም ዝመጹ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ብዛዕባ መበቈል ህይወት፡ ብዙሕ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ርእይቶ እዩ ዘሎ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዚሰማምዑሉ ነጥቢኸ ኣሎዶ፧

ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ህይወት ብባህርያዊ መስርሕ ኣቢላ ኻብ ዘይህይወታዊ ነገር ብገለ መገዲ ኸም ዝመጸት ንዚገልጽ ሓሳብ ይሰማምዑሉ እዮም። ኣነ ድማ፡ ‘ህይወት ብኸመይ ብዘይ ፈጣሪ ከም ዝመጸት ዘይፈልጡ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ከመይ ኢሎም እዮም ኣፎም መሊኦም ከምኡ ኺብሉ ዚኽእሉ፧’ ኢለ ኽሓስብ ጀመርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዚገልጾ ሓሳብ ክምርምሮ ጀመርኩ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኣብ ምንታይ መደምደምታ በጺሕካ፧

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽመሃር ከለኹ፡ ሓቂ ምዃኑ ብዝያዳ ኽኣምን ጀመርኩ። ንኣብነት፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዩኒቨርስ መጀመርታ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ መርትዖ ኺረኽቡ ዝኸኣሉ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እዮም። እተን 3,500 ዓመት ይገብር እተጻሕፋ ኣብ መጀመርታ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቓላት ግና፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” እየን ዚብላ። a ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስነ ፍልጠታዊ ጕዳያት ዚገልጾ ሓሳባት ልክዕ ከም ዝዀነ ተገንዚበ እየ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስነ ፍልጠታዊ ጕዳያት ዚገልጾ ሓሳባት ልክዕ ከም ዝዀነ ተገንዚበ እየ

ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዘሎካ ፍልጠት፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ከም ዜጸግመካ ገይሩ ድዩ፧

ኣይገበረን። ኣብ ኣምላኽ ክኣምን ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን፡ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኸጽንዕ ካብ ዝጅምር ሰለስተ ዓመት ገይረ ነይረ። ክሳዕ ሎሚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ህያዋን ነገራት ዚርአ ንድፊ ብዝያዳ ብዘጽናዕክዎ መጠን፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ እዩ ብዝያዳ ዜእምነኒ።

ሓደ ኣብነት ክትጠቕሰልና ትኽእልዶ፧

ሕራይ። መድሃኒትን መርዝን ኣብ ህያዋን ፍጥረታት ኪህልዎ ብዛዕባ ዚኽእል ጽልዋ ኣጽኒዐ እየ። እቲ ኣዝዩ ዜደንቐኒ ንድፊ ግና፡ ሓንጎልና ንገዛእ ርእሱ ኻብ ሓደገኛ ባእታታትን ካብ ባክተርያን ዜዕቍበሉ መገዲ እዩ። ንደምና ኻብ ዋህዮታት ሓንጎልና ዚፈልዮ መጋረዲ ኣሎ።

እዚ ኣዝዩ ዜደንቕ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ይገብር፡ ተመራመርቲ፡ ናብ ሰራውር ደም ዚኣቱ ባእታታት፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ሰብነትና ኺበጽሕ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ሓንጎልን ናብ ዕትብቲ ዓንዲ ሕቘን ግና ከም ዘይኣቱ ፈለጡ። እዚ ሓቂ እዚ ንዓይ ኣዝዩ እዩ ኣገሪሙኒ፣ ምኽንያቱ፡ ናብ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ሓንጎል ዚበጽሕ ደም፡ ብኣዝዩ ደቂቕ ዝዀነ ሰራውር ደም ኣቢሉ እዩ ዚጓዓዝ። ብምሉኦም ዋህዮታት ሓንጎል ድማ፡ ርስሓቶም ዜወግዱ ኸምኡውን ምግብን ኦክስጅንን ዚረኽቡ፡ ብደም ኣቢሎም እዮም። ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ እሞ ደም ናብ ዋህዮታት ሓንጎልና ኺኣቱ ዘይክእል፧ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ምስጢር እዩ ነይሩ።

እቲ መጋረዲ ብኸመይ እዩ ዚዓዪ፧

እቶም ብዓይኒ ኺረኣዩ ዘይክእሉ ደቀቕቲ ሰራውር ደም፡ ልክዕ ከምቲ መተሓላለፊ ጥራይ ዝዀነ ቱቦ ኣይኰኑን። መናድቕ እቲ ሰራውር ደም፡ ዋህዮታት ኣለዎ። ባእታታትን ደቀቕቲ ተህዋስያንን ድማ ብእኦምን ብመንጎኦምን ኣቢሎም ይሓልፉ እዮም። እቶም ኣብ ሰራውር ደም ሓንጎልና ዘለዉ ዋህዮታት ግና ፍሉያት እዮም። ንሓድሕዶም ኣዝዮም እተጸጋግዑ እዮም። እቶም ኣብ ሰራውር ደም ሓንጎልና ዘለዉ ዋህዮታት ንሓድሕዶም እተጸጋግዑ ምዃኖም ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ብኣዝዩ እተሓላለኸ መስርሕ ኣቢሎም፡ ከም ኦክስጅንን ካርቦንዳይኦክሳይድን ግሉኮስን ዝኣመሰሉ ነገራት፡ በቶም ዋህዮታት ኣቢሎም ካብ ሰራውር ደም ናብ ሓንጎል ብግቡእ ስርዓት ይሓልፉ። ካልእ ውሁድን ፕሮቲንን ዋህዮን ግና ኣይሓልፍን እዩ። ስለዚ፡ እቲ ደም ናብ ሓንጎል ንኸይኣቱ ዚኽልክል መጋረዲ፡ ብደረጃ ሞለክዩል ስለ ዚሰርሕ፡ ኣካላውን ከሚካውን ኤለክትሪካውን መጋረዲ የዳሉ እዩ። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ከምዚ ዓይነት ንድፊ፡ ብፍልቀት ኪመጽእ ኣይክእልን እዩ።