ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ኣካል ደቂ ሰብ ቍስሊ ንምሕዋይ ዘለዎ ኽእለት

ኣካል ደቂ ሰብ ቍስሊ ንምሕዋይ ዘለዎ ኽእለት

ሓደ ኻብቲ ንቐጻልነት ህይወት ደቂ ሰብ ኣበርክቶ ዚገብሩ ሓያሎ መስርሓት፡ እቲ ኣካልና ቝስሊ ንምሕዋይን እተጐድኡ ኣካሊታት (ቲሹ) ንምትካእን ዘለዎ ኽእለት እዩ። እዚ መስርሕ እዚ፡ መቝሰልቲ ምስ ኣጋጠመ ብኡብኡ እዩ ዚጅምር።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እዚ ናይ ምሕዋይ መስርሕ እዚ፡ ብዋሕዚ ናይ እተሓላለኸ ዕዮ ዋህዮታት እዩ ዚግበር፦

  • ፕላትለታት ምስቲ ኣብ ቍስሊ ዘሎ ኣካሊታት ብምጥባቕ፡ ደም ከም ዚረግእን እቲ እተጐድአ ሰራውር ደም ከም ዚሽፈንን ይገብሩ።

  • ነድሪ፡ ካብ ረኽሲ ይከላኸልን ነቲ መቝሰልቲ ዜስዕቦ “ፍርስራስ” ይጸርጎን።

  • ኣብ ውሽጢ እተወሰነ መዓልትታት፡ እቲ ኣካል ንእተጐድአ ኣካሊታት ኪትክእን ንቝስሊ ኼጥብቕን ንእተጐድአ ሰራውር ደም ኪጽግንን ይጅምር።

  • ኣብ መወዳእታ፡ በሰላ ኣካሊት ነቲ እተጐድአ ኸባቢ ኸም ብሓድሽ ቅርጹ የትሕዞን የደልድሎን።

ተመራመርቲ፡ በቲ ኣብ ምርጋእ ደም እተዓዘብዎ መስርሕ ተመሪሖም፡ ንዚወርደን ጕድኣት ባዕላተን “ኬሕውያ” ዚኽእላ ዓይነት ፕላስቲክ የማዕብሉ ኣለዉ። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ባዕለን ዚጽገና ኣቕሑ፡ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ኪወርደን ከሎ “ዚደምያ” ከሚካላት ዝሓዛ ኽልተ ደቀቕቲ ተመዓደውቲ ቱቦታት ኣለወን። እዘን ክልተ ከሚካላት ምስ ተሓዋወሳ፡ መለግለግ ዚብል ፈሳሲ ይፍጠር እሞ፡ ናብቲ እተጐድአ ቦታ ብምውሓዝ ነቲ ነቓዓትን ነዃላትን ይዓጽዎ። እቲ መለግለግ ዚብል ፈሳሲ እናደረቐ ብዝኸደ መጠን ናይታ ኣቕሓ ድልዳለ ናብቲ ዝነበሮ ዚመልስ ተሪር ነገር ይፈጥር። ሓደ ተመራማሪ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ዚስራሓሉ ዘሎ ናይ ምጽጋን መስርሕ ኣቐዲሙ ኣብ ተፈጥሮ ዝነበረ ምዃኑ ተኣመነ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ኣካልና ቝስሊ ንምጽጋን ዘለዎ ኽእለት፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፧ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧