ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ ኣብ ሩስያ እትነብር ንጽል ወላዲት፡ ንዝነበራ ወልፊ ሓሽሽ ሓዲጋ ምስ ደቃ ዘለዋ ርክብ ከተመሓይሽ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ ሓደ ኣብ ክዮቶ፡ ጃፓን ዚነብር ግዳም ሓደር፡ ነቲ ናብ ድኽነት ዚመርሖ ብሕታዊ ድኽመታቱ ንኼሰንፍ ብርታዐን ትብዓትን ኪረክብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ሰታይ ዝነበረ ኣውስትራልያዊ ጓሳ ኣመሉ ንኺሓድግ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ እንታይ ከም ዚብሉ እስከ ንርአ።

“ርእሰይ ክኢለ ኽነብር ግዴታ ኸም ዘሎኒ ፈለጥኩ”—ኔሊ ባይማቶቫ 

ዕድመ፦ 45

መበቈል ሃገር፦ ሩስያ

ታሪኽ፦ ውልፍቲ ሓሽሽ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ርእሰ ኸተማ ሰሜናዊ ኦሰሽያ (ሕጂ ኣላንያ) ዝዀነት ቭለድኻቭኪያዝ እየ ዓበየ። ስድራ ቤተይ ርኹባት እዮም ነይሮም። ብስጋዊ መዳያት ዝጐድለኒ ነገር እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ሕጉስ ናብራ ግን ኣይነበረንን። ዕድመይ 34 ዓመት ቅድሚ ምዃኑ፡ ክልተ ሳዕ ተፋታሕኩ። ንዓሰርተ ዓመት ዚኣክል ውልፍቲ ሓሽሽ ነበርኩ፣ ካብዚ ወልፊ እዚ ንኽናገፍ ከኣ ክልተ ሳዕ ሕክምና ገበርኩ። ነቶም ክልተ ደቀይ ብዙሕ ፍቕሪ ኣይነበረንን፣ ምስ ፈተውተይ ወይ ስድራ ቤተይ እውን ጽቡቕ ርክብ ኣይነበረንን።

ኣደይ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት፣ የሆዋ ንኺሕግዘኒ እናነብዐት ክትጽሊ ኸላ ድማ ብዙሕ ሳዕ እሰምዓ ነበርኩ። ‘እዛ ኣደይሲ ኽንደይ ትግርህ! የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኺሕግዘኒ ይኽእል፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ሓሽሽ ምውሳድ ከቋርጾ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ከቋርጾ ዜኽእለኒ ብርታዐ ግን ኣይነበረንን። ሓደ እዋን፡ ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን ሓሽሽ ከይወሰድኩ ወዓልኩ። ድሕሪኡ፡ ካብ ገዛ ክወጽእ ስለ ዝደለኹ፡ ብመስኮት ዘለልኩ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ካብ ደርቢ ስለ ዝዘለልኩ፡ ኢደይን እግረይን ተሰበርኩ፣ ሕቘይ ድማ ተሃሰኹ። ብሰንኪ እዚ፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኻብ ዓራት ክትንስእ ኣይከኣልኩን።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣደይ ትኣልየኒ ነበረት፣ ወቒሳትኒ ድማ ኣይትፈልጥን እያ። ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ተነቃፊት ምዃነይ ትፈልጥ ነይራ እያ። ይኹን እምበር፡ መጽሔታት ንቕሑ! a ኣብ ዓራተይ ተቐምጠለይ ነበረት። በብሓደ ምስ ኣንበብክዎ፡ ኣዝዩ መሳጥን ብዙሕ ሓበሬታ ዘለዎን ኰይኑ ረኸብክዎ። ድሕሪኡ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ወሰንኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ሓደ ኻብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ነገራት፡ ሓላፍነት ምስካም እዩ። ኣደይ ክትናብየኒ ኣብ ክንዲ ዝጽበ፡ ርእሰይ ክኢለ ደቀይ ክናቢ ግዴታ ኸም ዘሎኒ ፈለጥኩ። ንብዙሕ እዋናት ከም ቃሕታይ እመላለስ ስለ ዝነበርኩ፡ ተጊህካ ምስራሕ ዚብልዎ ሓሳብ ከቢዱኒ ነበረ።

እቲ ኣብ ዘዳግም 6:5-7 ዚርከብ፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህርዎም ከም ዘለዎም ዚገልጽ ምኽሪ እውን ሓጊዙኒ እዩ። ነቶም ክልተ ደቀይ ብዛዕባ ዘዕብየሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲት ምዃነይ ፈለጥኩ። እዚ ኸኣ፡ ምስኦም ግዜ ንኸሕልፍን ኣጸቢቐ ንኸፍቅሮምን ደረኸኒ።

የሆዋ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ንኽፈልጥ ስለ ዝፈቐደለይ፡ ኣዝየ ከኽብሮ ተደረኽኩ። ስለዚ ኸኣ፡ ርእሰይ ንየሆዋ ወፍየን ተጠሚቐን ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ነቲ ብቐሊሉ ናይ ምቝጣዕ ባህርየይ ክቈጻጸሮ ስለ ዝኸኣልኩ፡ ምስ ኣደይ ዝነበረኒ ርክብ ተመሓየሸ። ምስ ደቀይ እውን ጽቡቕ ርክብ ኪህልወኒ ኸኣለ።

ነቲ ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት ክጸልእ ስለ ዝጀመርኩ፡ ብሰሪ እቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ዝነበረኒ ጸገማት ተወገደ። ሕጂ ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ሓቂ ኺፈልጡ ብምሕጋዝ ዓብዪ ሓጐስ እረክብ ኣለኹ።

“ህይወተይ ቃል ብቓሉ ኻብ ሞት ከም ዝደሓነት ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ”—ሚኖሩ ታከዳ

ዕድመ፦ 54

መበቈል ሃገር፦ ጃፓን

ታሪኽ፦ ግዳም ሓደር

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ምስ ኣቦይን ምስ ዓባየይን ኣብ ከተማ ያማጉቺ እየ ዓብየ። ንኣደይ ግን ኣይፈልጣን እየ። ወዲ 19 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ዓባየይ ሞተት፣ ምስ ኣቦይ ከኣ እነብር ነበርኩ። ከሻኒ ዀይነ እዓዪ ነበርኩ፣ ኣቦይ እውን ከምኡ ዓይነት ስራሕ ይሰርሕ ነበረ። እቲ እንሰርሓሉ ሰዓታት እተፈላለየ ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣይንራኸብን ኢና ኔርና። ንነዊሕ ሰዓታት ምስራሕን ምስ ኣዕሩኸይ መስተ ምስታይን ልማደይ ኰነ።

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ስራሐይ ኣሰልከየኒ። ምስ ሓላፊ ስራሐይ ተባኣስኩ፡ ብዙሕ ድማ ክሰቲ ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድመይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ካብ ቤት ወጺአ ናብ ካልእ ቦታ ኽጐዓዝ ወሰንኩ። እቲ ዝነበረኒ ገንዘብ ምስ ተወድአ፡ ኣብ እንዳ ፓቺንኮ (እንዳ ጠላዕ) ኪሰርሕ ጀመርኩ። ንሓንቲ ጓል ድማ ተመርዓኹ። ድሕሪ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ግን ተፈላለና።

ብዙሕ ዝጭነቕን ሰነፍን ኰንኩ፣ ኣብ ዕዳ ድማ ኣተኹ። ንግዜኡ፡ ካብቶም ኣለቃሕቲ ሃዲመ ኣብታ ዝዓበኹላ ኸተማ ምስ ኣቦይ ተቐመጥኩ፣ እሕስዎ ስለ ዝነበርኩ ግን ርክብና ተበላሸወ። ካብ ኣቦይ ገንዘብ ሰሪቐ ንእተወሰነ እዋን ናብ ጠላዕ ተመልስኩ።። ድሕሪ ግዜ፡ ኣዝየ ስለ ዝደኸኹ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ መደበር ባቡር እነብር ነበርኩ። ናብ ሃካታ ገዓዝኩ፡ ካብኡ ናብ ሂምጂ ኸድኩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኣብ ከተማ ክዮቶ ኽነብር ጀመርኩ። ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ጐደና እየ ዝነብር ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብ1999 ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ካሞጋዋ፡ ክዮቶ ዚርከብ መናፈሻ ኸለኹ፡ ክልተ ኣዋልድ መጺአን ኣዛረባኒ። እታ ሓንቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ትደሊዶ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ነቲ ዘቕረበትለይ ዕድመ ተቐበልኩዎ። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ብሱላት ክርስትያናት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገበሩለይ፣ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ኣገዳስነት ንኸስተውዕል ድማ ሓገዙኒ። ስራሕን መንበርን ከናዲ እውን መኸሩኒ። ንዓታቶም ከሐጕስ ኢለ እተወሰነ ናይ ስራሕ ቃለ-መጠይቓት እኳ እንተ ገበርኩ፡ ብዙሕ ጻዕሪ ግን ኣይገብርን እየ ነይረ። ጸኒሑ ግን፡ ሓገዝ ደልየ ናብ የሆዋ ብምጽላይ ካብ ልቢ ስራሕ ክደሊ ጀመርኩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ረኸብኩ።

ጽንኩር ፈተናታት ኬጋጥመኒ ኸሎ እውን ጸሎት ሓጊዙኒ እዩ። እቶም ገንዘብ ዘለቅሑኒ ሰባት ኣናድዮም ረኸቡኒ እሞ ገንዘቦም ክኸፍሎም ሓተቱኒ። ኣዝየ ተጨነቕኩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱሰይ ነታ ኣብ ኢሳይያስ 41:10 እትርከብ ጥቕሲ ኣንበብኩ። እታ ጥቕሲ፡ ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ፡ ‘ክረድኣኩም እየ’ ኸም ዝበሎም ትገልጽ። እዚ መብጽዓ እዚ፡ ብርታዐን ትብዓትን ንኽህልወኒ ሓገዘኒ። ነቲ እተማሃርኩዎ ተጊሀ ኣብ ግብሪ ኣውዓልኩዎ፣ ነቲ ዝነበረኒ ናይ ገንዘብ ጸገም ድማ ቀስ ብቐስ ፈታሕኩዎ። ኣብ ዓመተ 2000 ተጠሚቐ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከኣልኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርኩዎ ነገራት፡ ምስ ኣቦይ ንዝነበረኒ ርክብ ከመሓይሽ ሓገዘኒ፣ ኣቦይ ከኣ ይቕረ በለለይ። ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክምራሕ ብምኽኣለይ ኣዝዩ ባህ በሎ። ኣነ እውን ሳላ እዚ፡ ህይወተይ ቃል ብቓሉ ኻብ ሞት ከም ዝደሓነት ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ።

ብተወሳኺ፡ ሰሪሐ ብርእሰይ ክሓድር ከኣልኩ። (ኤፌሶን 4:28፣ 2 ተሰሎንቄ 3:12) ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ረኸብኩ። (ማርቆስ 10:29, 30) ንየሆዋ ስለቲ ዝመሃረኒ ነገራት ካብ መዓሙቝ ልበይ እየ ዘመስግኖ።

“ኣድላዪ ለውጢ ኽገብር ቀሊል ኣይነበረን”—ዴቪድ ሃድሰን

ዕድመ፦ 72

መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ

ታሪኽ፦ ሰታይ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ንወለደይ፡ ንዊሊን ሉሲን፡ መበል 11 ውላዶም እየ ነይረ። ስድራ ቤተይ፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ርሑቕ ሰሜን ኲንስላንድ ዚርከብ ኦሩካን ዚበሃል ኣቦርጅን [ደቀባት ኣውስትራልያ] ዚቕመጡሉ ኸባቢ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኦሩካን ኣብ ገማግም እቲ ውቁብ ሩባ ኣርቸር እያ ተደኲና፣ ናብ ባሕሪ ድማ ኣዝያ ዝቐረበት እያ። ወለድና ሃድንን ምግፋፍ ዓሳን ምሂሮምና እዮም። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣቦርጅን ዘበልና ገንዘብ ከይንሕዝ ብመንግስቲ ተኸልኪልና ነበርና፣ ኣብ ውሱን ቦታ ጥራይ ክንነብር ከኣ እዩ ዚፍቀደልና ነይሩ።

ወለደይ ጽቡቕ ባህርያት ንኪቐርጹለይ ዝከኣሎም ገይሮም እዮም፣ ንዅላትና ደቆም ከኣ ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዘለዉ ኣረጋውያን ከነኽብርን ንእሽቶ እውን ትኹን ዘሎና ዘበለ ኸነማቕልን ምሂሮምና እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንዅሎም ኣረጋውያን፡ ከም ኣዴታትናን ኣቦታትናን ኣሞታትናን ሓትኖታትናን ሓወቦታትናን ኣኮታትናን ጌርና ንርእዮም ነበርና።

ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ሞተ፣ ናብቲ ኻብ ኦሩካን ብሸነኽ ሰሜን 150 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ማፑን ዚበሃል ከባቢ ንኣቦርጅን እተዳለወ ሚስዮን ከኣ ገዓዝና። ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣፍራስን ከብትን ብኸመይ ክጓሲ ኸም ዝኽእል ተመሃርኩ፣ ክሳዕ መወዳእታ 40ታት ዕድመይ ከኣ ኣብ እተፈላለየ እንዳ ኸብቲ ጓሳ ዀይነ እዓዪ ነበርኩ። ሕማቕ ህይወት እየ ዝነብር ነይረ። ብተደጋጋሚ ብዙሕ መስተ እሰቲ ነበርኩ። ብሰሪ እዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ሳዕ ርእሰይ እሓምም፡ ብዙሕ ጸገማት ድማ የጋጥመኒ ነበረ።

ሓደ እዋን፡ ብዙሕ ሰትየ ኻብ ሆቴል ምስ ወጻእኩ፡ ንሓንቲ ብናህሪ እትጐዓዝ ዝነበረት ማኪና ጠኒነ ኣተኹዋ። ብሰንኪ እዚ፡ ንኽልተ ዓመት ሕክምና ተገብረለይ፣ ናብራ ጕስነት እውን ሓደግክዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣብ ሕክምና ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓንቲ ዓርከይ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኣምጽኣትለይ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ስለ ዘይተመሃርኩ፡ ጽቡቕ ገይረ ኸንብብ ኣይክእል እየ ነይረ። ሓያል ሃሩር ኣብ ዝነበረሉ ሓደ መዓልቲ፡ 83 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ መጺኡ ኣዛረበኒ። ኣነ ኸኣ፡ ናብ ቤት ኣትዩ ዝሑል ማይ ኪሰቲ ዓደምኩዎ። ሽዑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እተወሰነ ጽሑፋት ሃበኒ እሞ፡ ተመሊሱ መጺኡ ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፋት ኪገልጸለይ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሓተተኒ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ጀመርና። ንኣምላኽ ምእንቲ ኸሐጕሶ፡ ኣብ ባህርያተይን ኣብ ኣነባብራይን እተወሰነ ለውጢ ኽገብር ከም ዘለኒ ኣስተውዓልኩ።

ኣድላዪ ለውጢ ኽገብር ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ኣደይ ንኣረጋውያን ከኽብር ምሂራትኒ ስለ ዝነበረት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዓኒ ዝነበረ ኣረጋዊ ዀነ ነቲ ዝመሃረኒ መንፈሳዊ ነገራት ዓሚቝ ኣኽብሮት ነበረኒ። ርእሰይ ንኣምላኽ ከይውፊ ግን ሰጋእ መጋእ በልኩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ ዅሉ ነገራት ክፈልጥ ዘሎኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

ሓደ መሳርሕተይ ግን፡ ንኣተሓሳስባይ ከዐሪ ሓገዘኒ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ መሳርሕተይ፡ ነቲ ኣብ ቈሎሴ 1:9, 10 ዚርከብ መተባብዒ ጠቐሰለይ። እታ ጥቕሲ፡ ‘ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበና’ ኽንከይድ እያ እተተባብዕ። ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ሓድሽ ነገራት ካብ ምምሃር ዓዲ ስለ ዘይውዕል፡ ውሱን ፍልጠት ስለ ዘሎኒ ጥራይ ርእሰይ ካብ ምውሳን ድሕር ክብል ከም ዘይብለይ እቲ መሳርሕተይ ኣረድኣኒ።

ብፍላይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ምጅማረይ፡ ዝያዳ ተንከፈኒ። እተፈላለየ ኣተዓባብያ ዘለዎም ሰባት ሓቢሮም ንኣምላኽ ኬምልኹ ብዓይነይ ረኣኹ። እዚ ሓድነት እዚ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብኩ ኣእመነኒ፣ ስለዚ ኸኣ፡ ብ1985 ተጠሚቐ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ክእለት ንባበይ ኣጸቢቑ ስለ እተመሓየሸ፡ ካልኦት ምንባብ ንኪኽእሉን መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዑን ኣብ ምሕጋዝ ብዙሕ ሰዓታት አሕልፍ እየ። ብተወሳኺ፡ እታ ንፈለማ እዋን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ዝሃበትኒ ጐርዞ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽኒዓ ተጠምቀት፣ ሕጂ ኸኣ ፈቃር ብዓልቲ ቤተይ ኰይና ኣላ። ኣነን ብዓልቲ ቤተይን፡ ንኣባላት ማሕበረሰብ ኣቦርጅን ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ንኺመሃሩ ብምሕጋዝ ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኸብና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን፡ ንኣባላት ማሕበረሰብ ኣቦርጅን ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺመሃሩ ብምሕጋዝ ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኸብና