ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነታ ቐዳመይቲ ዓመት ሓዳር ምስጋራ

ነታ ቐዳመይቲ ዓመት ሓዳር ምስጋራ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ነታ ቐዳመይቲ ዓመት ሓዳር ምስጋራ

ንሱ ዚብሎ፦ “ኣነን ሰበይተይን ኣመና ኸም እንፈላለ ምፍላጠይ ገሪሙኒ እዩ! ንኣብነት፡ ኣነ ኣንጊሀ ምትንሳእ እየ ዝፈቱ፡ ንሳ ግን ምምሳይ እያ እትፈቱ። ጠባያ ዓሰርተ ሳዕ ዚቀያየር ምዃኑ ኺርድኣኒ ኣይከኣለን! ብተወሳኺ ድማ፡ ምግቢ ኸዳሉ ኸለኹ፡ ብዙሕ እያ እትነቕፈኒ፣ ብሕልፊ ንኣእዳወይ በቲ መንቀጺ ኣቕሑ ኸጽሪ ኸለኹ፡ ኣይትሕጐስን እያ።”

ንሳ እትብሎ፦ “ሰብኣየይ ብዙሕ ኣይዛረብን እዩ። ኣነ ግን ከም ቤተሰበይ እየ። ብፍላይ ኣብ መኣዲ፡ ብዙሕ እዮም ዜዕልሉ። ሰብኣየይ ምግቢ ኼዳሉ ኸሎ ኸኣ፡ ኣቕሑ ንምንቃጽን ኣእዳዉ ንምጽራይን ሓደ ጨርቂ እዩ ዚጥቀም! እዚ የሕርቐኒ እዩ! ሰብኡት ቀልጢፉ ዘይርድኦም ስለምንታይ እዮም፧ ከመይ ጌርካ እዩ ጽቡቕ ሓዳር ዚግበር፧”

ካብ እትምርዖ ነዊሕ ዘይገበርካ እንተ ዄንካ፡ ተመሳሳሊ ብድሆታት ኣጋጢሙካዶ፧ ንመጻምድትኻ፡ ቅድሚ ምምርዓውኩም ዘይነበሮ ዚመስል ጕድለትን ኣበርን ረኺብካሉዶ፧ ነቲ ንሰብ ሓዳር መዓልታዊ ዘጋጥሞም “መከራ” ብኸመይ ክትንክዮ ትኽእል፧—1 ቈረንቶስ 7:28

ፈለማ፡ ንስኻን መጻምድትኻን ቃል ኪዳን ብምትእትታውኩም ጥራይ፡ ብኡንብኡ ምኩራት ሰብ ሓዳር ትዀኑ ማለት ኣይኰነን። ቅድሚ ምምርዓውኩም ምስ ሰብ ኣብ ዘሎካ ርክብ ጽቡቕ ክእለት ኣማዕቢልካ ኔርካ ትኸውን፣ ምስ መጻምድትኻ ኣብ እትቀራረቡሉ እዋን እውን ነዚ ኣመሓይሽካዮ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ሓዳር ምስ ጀመርካ፡ እዚ ኽእለታትካ ኸም ብሓድሽ ኪፍተን እዩ፣ ሓድሽ ክእለታት ከተማዕብል እውን ኬድልየካ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጌጋታት ክትገብር ዲኻ፧ እዚ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ነቲ ዜድልየካ ኽእለታትከ ኸተማዕብል ትኽእል ዲኻ፧ እዚ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ዝዀነ ይኹን ክእለት ከተመሓይሸሉ እትኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንሓደ ኽኢላ ኣማኺርካ፡ ነቲ ምኽሩ ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። ንመውስቦ ብዚምልከት፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኽኢላ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ከመይሲ፡ ንኽንምርዖ ባህጊ ኸም ዚህልወና ገይሩ ዝፈጠረና ንሱ እዩ። (ዘፍጥረት 2:22-24) ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጋጥመካ ብድሆታት ንኽትዋጽኣሉን ነታ ቐዳመይቲ ዓመት ሓዳርኩም ንምስጋር ዜድልየካ ኽእለታት ንኸተጥርን ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኣስተብህል።

1ይ ክእለት። ኣማኽር

ነዚ በዳሂ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ኣብ ጃፓን ዚነብር ኬጂ a ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓድሓደ ግዜ ውሳነታቱ ንሰበይቱ ኸም ዚትንክያ ይርስዕ ነበረ። “ንሰበይተይ ከየማኸርኩ ዝቐረበለይ ዕድመ እቕበል እሞ፡ ንዓኣ ዘይጥዕም ኰይኑ እረኽቦ ነበርኩ” በለ። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ኣለን ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ንሰበይተይ እንተ ኣማኺረ፡ ሰብኣይ ዘይኰንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ” በለ። ብሰንኪ ኣተዓባብያኡ እዩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ኣጋጢምዎ። ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ዳያን እውን ከምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ሓሳባ ኽትገልጽ ከላ፡ “ካብ ቤተሰበይ ምኽሪ ናይ ምሕታት ልማድ ነይሩኒ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ውሳነታት ክገብር ከለኹ፡ ፈለማ፡ ኣብ ክንዲ ንሰብኣየይ፡ ንዓታቶም አማኽር ነበርኩ” በለት።

እንታይ እንተ ተገብረ ይሓይሽ፧ የሆዋ ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ከም “ሓደ ስጋ” ገይሩ ኸም ዚርእዮም ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 19:3-6) ኣብ ዓይኑ፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ዚበልጽ ሰብኣዊ ርክብ የልቦን። ነቲ ርክብ እቲ ንምዕቃቡ፡ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ኣድላዪ እዩ።

ሰብኣይን ሰበይትን ካብቲ የሆዋ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም እተዘራረበሉ መገዲ፡ ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 18:17-33 ተመዝጊቡ ዘሎ ምይይጦም እሞ ኣንብቦ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ብሰለስተ መገዲ ኸም ዘኽበሮ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። (1) የሆዋ እንታይ ኪገብር ከም ዝሓለነ ገለጸሉ። (2) የሆዋ ንኣብርሃም፡ ርእይቶኡ ኺገልጽ ከሎ፡ ሰምዖ። (3) ብእተኻእለ መጠን፡ የሆዋ ነቲ ኣብርሃም ዝሓተቶ ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ መገዱ ንምልዋጥ ፍቓደኛ ዀነ። ንመጻምድትኻ ኸተማኽር ከለኻ፡ ነዚ ምሳሌ እዚ ብኸመይ ክትስዕቦ ትኽእል፧

ነዚ ፈትኖ፦ ብዛዕባ እቲ ንመጻምድትኻ ዚጸሉ ጕዳያት ክትመያየጥ ከለኻ፡ (1) ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ኽትሕዞ ኸም እትደሊ ግለጽ፡ ሓሳብካ ግን ከም ናይ መወዳእታ ውሳነ ወይ ከም ስምዕታ ዘይኰነስ፡ ኪቕየር ከም ዚኽእል ርእይቶ ጌርካ ኣቕርቦ፣ (2) ንመጻምድትኻ ርእይቶኡ ኺገልጽ ሕተቶ፡ እተፈልየ ርእይቶ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል እውን ተጸበ፣ (3) ብእተኻእለ መጠን፡ ነቲ መጻምድትኻ ዘለዎ ምርጫታት ተቐበሎ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ‘ለውሃትካ ይፈለጥ።’—ፊልጲ 4:5

2ይ ክእለት። ሜለኛ ኹን

ነዚ በዳሂ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ እቲ ዝዓበኻሉ ስድራ ቤት ወይ ባህሊ ብዘሕደረልካ ጽልዋ፡ ርእይቶኻ ብትርር ዝበለ ኣዘራርባ ትገልጽ ወይ ከም ዝመጸልካ ትዛረብ ትኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ ኤውሮጳ ዚነብር ሊያም ዚበሃል ሰብኣይ፡ “ኣብ ዝዓበኹሉ ኸባቢ፡ ሰባት ሜለኛታት ኣይኰኑን። ዝደልዮ ነገር ከም ዝመጸለይ ምድርጓሐይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰበይተይ የጕህያ ነበረ። ዝያዳ ልኡም ክኸውን ነበረኒ” በለ።

እንታይ እንተ ተገብረ ይሓይሽ፧ መጻምድትኻ በቲ ንስኻ ዝለመድካዮ መገዲ ኺዝረቦ ኸም ዚደሊ ጌርካ ኣይትሕሰብ። (ፊልጲ 2:3, 4) ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓደ ሚስዮናዊ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ንሓደስቲ መርዓውቲ እውን ጠቓሚ እዩ። “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ . . . ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። እታ “ለዋህ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ሜለኛ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24) ሜላ ኺበሃል ከሎ፡ ተኣፋፊ ነገራት ኣለሊኻ፡ ብለውሃትን ብዘይጐድእን መገዲ ናይ ምሓዝ ክእለት የመልክት።

ነዚ ፈትኖ፦ መጻምድትኻ ኼሕርቐካ ኸሎ፡ ንዕኡ ዘይኰነስ፡ ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ወይ ንኣስራሒኻ ተዛርቦ ኸም ዘለኻ ጌርካ ሕሰብ። ተመሳሳሊ ቓና ድምጺ ወይ ቃላት ምተጠቐምካዶ፧ እምበኣር፡ መጻምድትኻ ኻብ ፈታዊኻ ወይ ኣስራሒኻ ስለምንታይ ብዝያዳ ኣኽብሮትን ሜላን ክትዛረቦ ኸም ዚግብኣካ ሕሰብ።—ቈሎሴ 4:6

3ይ ክእለት። ነቲ ሓድሽ ሓላፍነትካ ልመዶ

ነዚ በዳሂ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ኣብ ፈለማ፡ ሰብኣይ ንርእስነቱ ብግቡእ ኣይጥቀመሉን ይኸውን፣ ሰበይቲ እውን ብሜላ ሓሳባ ምግላጽ ኣይለመደትን ትኸውን። ንኣብነት፡ ኣንቶንዮ ዚበሃል ኣብ ኢጣልያ ዚነብር ሰብኣይ፡ “ኣቦይ ንኣደይ፡ ንስድራ ቤት ብዛዕባ ዚምልከት ውሳነታት ኣማኺርዋ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መጀመርታ፡ ንስድራ ቤተይ ከም ንጉስ ኰይነ እገዝእ ነበርኩ” በለ። ኣብ ካናዳ እትነብር ዴቢ እትበሃል ሰበይቲ ድማ፡ “ሰብኣየይ ጽፉፍ ኪኸውን ግዲ እብሎ ነበርኩ። ከም ሓለቓ ዀይነ ምዝራበይ ግን፡ መሊሱ እዩ ኣትሪርዎ” በለት።

ሰብኣይ እንታይ እንተ ገበረ ይሓይሽ፧ ገሊኦም ሰብኡት ኣብ መንጎ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሰበይቲ ኺህልዋ ዚግባእ ተገዛእነትን ኣብ መንጎ እቲ ውሉድ ንወላዲኡ ኺህልዎ ዚግባእ ተኣዛዝነትን ዘሎ ፍልልይ የደናግሮም እዩ። (ቈሎሴ 3:20፣ 1 ጴጥሮስ 3:1) ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይ “ምስ ሰበይቱ . . . ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ” እዩ ዚብል፣ ብዛዕባ ወላድን ውሉድን ግን ከምኡ ኣይብልን እዩ። (ማቴዎስ 19:5) የሆዋ ንሰበይቲ፡ ንሰብኣያ ኸም እትበቅዕ ደጋፊት ገይሩ እዩ ዚገልጻ። (ዘፍጥረት 2:18) ብዛዕባ ውላድ ግን ንወላዲኡ ኸም ዚበቅዕ ደጋፊ ገይሩ ኸቶ ኣይገልጾን እዩ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ቈልዓ ገይሩ ዚሕዛ እንተ ዀይኑ፡ ንመውስቦ ኣኽብሮት የርኢ ድዩ ዘሎ፧

ቃል ኣምላኽ ከምቲ የሱስ ንክርስትያን ጉባኤ ገይሩ ዝሓዛ ጌርካ ንሰበይትኻ ኽትሕዛ ይምሕጸነካ እዩ። ሰበይትኻ፡ (1) ብኡብኡ ብዘይ ጕድለት ክትግዝኣልካ እንተ ዘይተጸበኻያ፡ (2) ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ ከም ርእስኻ ጌርካ እንተ ኣፍቀርካያ፡ ከም ርእሲ ስድራ ቤታ ገይራ ንኽትርእየካ ቐሊል ኪዀነላ ይኽእል እዩ።—ኤፌሶን 5:25-29

ሰበይቲ እንታይ እንተ ገበረት ይሓይሽ፧ ሰብኣይኪ ብኣምላኽ እተሸመ ርእሲ ምዃኑ ተቐበልዮ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ንሰብኣይኪ እንተ ኣኽቢርኪ፡ ንኣምላኽ ኢኺ እተኽብርዮ። ንርእስነት ሰብኣይኪ እንተ ንዒቕኪ ግን፡ ብዛዕባኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንሱ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታትን ከመይ ከም ዚስምዓኪ ኢኺ እተርእዪ።—ቈሎሴ 3:18

ብዛዕባ ኣጸጋሚ ጕዳያት ክትመያየጡ ኸለኹም፡ ኣብ ባህርይ ሰብኣይኪ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ጸገም ኣተኵሪ። ንኣብነት፡ ንግስቲ ኣስቴር፡ ሰብኣያ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ፍትሒ ኼውጽኣላ ምስ ደለየት፡ ኣብ ክንዲ ንዕኡ እትወቕሶ፡ ብሜላ ሓሳባ ገለጸት። ንሱ ድማ ንሓሳባ ተቐቢሉ ቕኑዕ ስጕምቲ ወሰደ። (ኣስቴር 7:1-4፣ 8:3-8) ሰብኣይኪ፡ (1) ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ዘለዎ ሓድሽ ሓላፍነት ንኺጸውር ግዜ እንተ ሃብክዮ፡ (2) ጌጋታት ኣብ ዚገብረሉ እዋን እውን፡ ኣኽቢርኪ እንተ ሓዝክዮ፡ ብዝያዳ ንኼፍቅረኪ ኺድረኽ እዩ።—ኤፌሶን 5:33

ነዚ ፈትኖ፦ ብዛዕባ እቲ መጻምድትኻ ኺገብሮ ዘለዎ ለውጥታት ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ብዛዕባ እቲ ንስኻ ኽትገብሮ ዘሎካ ለውጥታት ሕሰብ። ንሰብኡት ዚኸውን ምኽሪ፦ ከም ርእሲ መጠን ዘሎካ ሓላፍነት ብግቡእ ብዘይምፍጻምካ ንሰበይትኻ እንተ ኣጕሃኻያ፡ ብኸመይ ከተመሓይሽ ከም እትኽእል ሕተታ እሞ፡ ነቲ እትህበካ ሓሳብ ጽሓፎ። ንኣንስቲ ዚኸውን ምኽሪ፦ ሰብኣይኪ ኣኽብሮት ዘይተርእይዮ ዘለኺ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ብኸመይ ከተመሓይሺ ኸም እትኽእሊ ሕተትዮ እሞ፡ ነቲ ዚህበኪ ሓሳብ ጽሓፍዮ።

ሚዛናዊ ትጽቢት ይሃሉኻ

ሓጐስ ዝመልኦን ሚዛናውን ሓዳር ዓቂብካ ምቕጻል፡ ንፈለማ እዋን ብሽክለታ ምስ ምዝዋር ይመሳሰል እዩ። ተኣማሚንካ ብሽክለታ ምዝዋር ቕድሚ ምኽኣልካ፡ ከም እትወድቕ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ሓዳር እውን ተመክሮ እናኣጥረኻ ኣብ እትኸደሉ እዋን፡ ዜሕፍር ጌጋታት ከም እትፍጽም ፍሉጥ እዩ።

ነቲ ንመጻምድትኻ ዜገድሶ ጕዳያት ኣርዚንካ እኳ እንተ ረኣኻዮ፡ ንጌጋታትካ ግን ስሒቕካ ሕለፎ። ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ሓዳርኩም፡ ንመጻምድትኻ ባህ እተብለሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። (ዘዳግም 24:5) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ቃል ኣምላኽ ንርክብኩም ኪመርሖ ፍቐድ። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ሓዳርኩም እናሓደረ ኺድልድል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

ንመጻምድተይ ቀንዲ ተኻፋሊ ምስጢረይ ገይረዮ ድየ፡ ወይስ ንኻልኦት ከማኽር እየ ዝመርጽ፧

ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፡ ንመጻምድተይ ከም ዘፍቅሮን ከም ዘኽብሮን ዜርኢ እንታይ ዝገበርክዎ ነገር ኣሎ፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሓዳርና ሳላ መጽሓፍ ቅዱስ ደሓነ

ቶሩን ኣኪኮን ኪምርዓዉ ኸለዉ ኣዝዮም ይፋቐሩ ነበሩ። ሸሞንተ ወርሒ ጸኒሖም ግን፡ እዞም ጃፓናውያን ሰብ ሓዳር ኪፋትሑ ወሰኑ። እንታይ ከም ዘጋጠሞም ኬዘንዉ ኸለዉ፡ ከምዚ ዚስዕብ በሉ፦

ቶሩ፦ “ኣነን ሰበይተይን ከምቲ ዝሓሰብክዎ ዘይኰነስ፡ ዘይንቃዶ ምዃንና ተገንዘብኩ። ንኣብነት፡ ቲቪ ኽንርኢ ኸለና፡ ኣነ ስፖርት እፈቱ፡ ንሳ ግን ድራማ ትፈቱ። ኣነ ዙረት እፈቱ፡ ንሳ ግን ኣብ ገዛ ምዃን ትፈቱ።”

ኣኪኮ፦ “ቶሩ ንዓይ ከየማኸረ፡ ቤተሰቡ ዚሓትዎ ዘበለ ይገብር ነበረ። ሓደ እዋን፡ ‘ካባይን ካብ ኣዴኻን መን ይበልጸካ፧’ ኢለ ሓተትክዎ። በቲ ንሓቂ ዚመጥጠሉ መገዲ እውን ሰንበድኩ። ሓደ ሓሶት ካልእ ሓሶት ከም ዚወልድ፡ ሓሶት እንተ ዘይገዲፉ እውን፡ ሓዳርና ኸም ዚብተን ነገርክዎ።”

ቶሩ፦ “ተበሳጭየ ንሓደ ዓብዪ መሳርሕተይ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ሰበይተይ ዘሎኒ ርክብ ምኽሪ ሓተትክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣፍኪ ሓዚ በላ። እንተ ኣብያ፡ ዝበጣ’ በለኒ። ሓደ መዓልቲ፡ ንኣኪኮ ጸፋዕክዋ፡ ነቲ ሰደቓ እውን ገልበጥክዎ። ብዙሕ ታዕታዕ ኰነ፡ ንሳ ኸኣ ከደት። ኣብ ቶክዮ ኻብ ዝነበረትሉ ሆቴል ከይደ ኸምጽኣ ነበረኒ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ክንፋታሕ ወሰንና። በታ ንግሆ እቲኣ ናብ ስራሕ ክኸይድ ከለኹ፡ ሰበይተይ ንብረታ ትጠራንፍ ነበረት።”

ኣኪኮ፦ “ሳንጣታተይ ኣልዒለ ናብ ማዕጾ ገጸይ ክኸይድ ከለኹ፡ ደወል ተደወለ። ሓንቲ ሰበይቲ ደው ኢላ ጸንሓትኒ። ናይ የሆዋ ምስክር እያ ነይራ። ‘እተዊ’ በልክዋ።”

ቶሩ፦ “ናብ ስራሐይ ምስ በጻሕኩ፡ በቲ ፍትሕ ክጠዓስ ስለ ዝጀመርኩ፡ ተቐላጢፈ ናብ ገዛይ ተመለስኩ። ገዛ ምስ በጻሕኩ፡ ኣኪኮ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትዘራረብ ረኸብክዋ። እታ ሰበይቲ፡ ‘ክልቴኹም ብሓባር፡ ሓደ ነገር ክትገብሩ ኣሎኩም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብሩ ትደልዩዶ፧’ ኢላ ሓተተትኒ። ‘ንሓዳርና ኻብ ምብትታን ዜድሕኖ እንተ ዀይኑ፡ እወ!’ በልክዋ።”

ኣኪኮ፦ “እታ ሰበይቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጽንዕ ቈጸራ ገበረትልና። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መውስቦ ዚብሎ ምስ ኣንበብና፡ ኵነታትና ኺልወጥ ጀመረ። ከምዚ ድማ ይብል፦ ‘ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።’”—ዘፍጥረት 2:24

ቶሩ፦ “ቀልጢፉ እዩ ተረዲኡኒ። ንወለደይ፡ ‘ድሕሪ ሕጂ፡ ውሳነታት ቅድሚ ምግባረይ ምስ ሰበይተይ ክዛተ እየ’ በልክዎም። መስተ ምብዛሕ እውን ገደፍክዎ። ኣምላኽ፡ ሓሶት ከም ዚጸልእ ምስ ፈለጥኩ ድማ፡ ሓቂ ጥራይ ክዛረብ ፈተንኩ።”

ኣኪኮ፦ “ኣነ እውን ለውጢ ገበርኩ። ንኣብነት፡ ንቶሩ እዳፈሮ ነበርኩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ የውዕል ከም ዘሎ ምስ ረኣኹ ግን፡ ብዝያዳ ኽድግፎ ጀመርኩ። (ኤፌሶን 5:22-24) ሕጂ ንልዕሊ 28 ዓመት ዜሐጕስ ሓዳር ኣሎና። ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ብምፍላጥናን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓልናን፡ ጸገማትና ኽንፈትሕ ከኣልና።”