ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለውሃት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይ

ለውሃት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይ

ለውሃት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይ

ኣብ ጃፓን ዚነብር ሓደ መንእሰይ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ልኡም ሰብኣይ ብዘርኣዮ ለውሃት ኣዝዩ ተተንከፈ። እቲ ሚስዮናዊ ዝዀነ ሰብኣይ፡ ናብዛ ኣብ እስያ እትርከብ ሃገር ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እዩ ተመሊሱ መጺኡ፣ ጃፓንኛ ድማ ኣጸቢቑ ኣይክእልን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኼመያይጦ፡ ናብቲ መንእሰይ በብሰሙኑ ይኸይድ ነበረ። ብፍሽሑው ገጽን ብለውሃትን ከኣ፡ ነቲ እቲ ናይ ምፍላጥ ድሌት ዘለዎ መንእሰይ ዜበግሶ ዝነበረ ብዙሕ ሕቶታት ብትዕግስቲ ይምልሶ ነበረ።

እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሚስዮናዊ ዘርኣዮ ለውሃት፡ ነቲ መንእሰይ ዘይርሳዕ ጦብላሕታ እዩ ኣሕዲሩሉ። እቲ መንእሰይ፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ለዋሃትን ፈቃራትን ዚገብሮም እንተ ዀይኑ፡ ኣነ እውን ብዛዕባኡ ኽምሃር ኣሎኒ’ ኢሉ ሓሰበ። እዚ ኸኣ፡ ኣቐዲሙ ዘይፈልጦ ዝነበረ ሓድሽ ነገር ንኺምሃር ደረኾ። እወ፡ ለውሃት ንልቢ፡ ካብ ቃላት ንላዕሊ ኽትትንክፎን ክትጸልዎን ትኽእል እያ።

ኣምላኻዊት ባህርይ

ነቶም ዚቐርቡና ሰባት ክንልውሃሎም ንቡር እዩ። ይኹን እምበር፡ ለውሃት ኣምላኻዊት ባህርይ እያ። የሱስ፡ ሰማያዊ ኣቦኡ ነቶም ዜፍቅርዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንዘየመስግኑ” እውን ከም ዚርሕርሓሎም ወይ ከም ዚልውሃሎም ገሊጹ ነይሩ እዩ። ንሰዓብቱ ድማ ኣብዚ መዳይ እዚ ንኣምላኽ ኪመስልዎ ኣተባብዖም፣ “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” ድማ በሎም።—ሉቃስ 6:35፣ ማቴዎስ 5:48፣ ዘጸኣት 34:6

ደቂ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥሩ፡ ለውሃት ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ኣለዎም። (ዘፍጥረት 1:27) እወ፡ ንኣምላኽ ብምምሳል፡ ነቶም ዚቐርቡና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ ሰብ ክንልውህ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ንለውሃት ከም ሓደ ኽፋል እቲ ተፈታዊ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሊ ገይሩ ጠቒስዋ ኣሎ። (ገላትያ 5:22) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ ኣምላኽን ብኸመይ ናብኡ ኪቐርብ ከም ዚኽእልን ብዝያዳ ብእተማህረ መጠን፡ ለውሃት ኬማዕብል ይኽእል እዩ።

ለውሃት ክፍሊ ሰብኣዊ ባህርይ ስለ ዝዀነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣምላኽ እትፍቶ እውን ስለ ዝዀነት፡ ‘ንሓድሕድና ተላዋህቲ ኽንከውን’ ተነጊሩና ኣሎ። (ኤፌሶን 4:32) ብዘይካዚ፡ “ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ዚብል መዘኻኸሪ እውን ተዋሂቡና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንዘይንፈልጦም ሰባት እውን ክንልውሃሎም ከም ዘሎና ዚሕብር እዩ።—እብራውያን 13:2

ኣብዛ ብጨካናትን ዘየማስዉን ሰባት መሊኣ ዘላ ዓለም፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ንዘይንፈልጦም ሰባት ክንልውሃሎም ንኽእል ዲና፧ ከምኡ ንኽንገብር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ብዛዕባ እዚ ኽንግደስ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይ

እቲ ዜገርም፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ምቕባል ኣጋይሽ ቅድሚ ምዝራቡ፡ “ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ” ኢሉ ነይሩ እዩ። ንመላእኽቲ ኸተአንግዶም እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ፡ “ከይፈለጡ” ኢሉ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ንዘይንፈልጦም ሰባት ንልውሃሎም እንተ ዄንና፡ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ኽንባረኽ ከም እንኽእል እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቓላት ጳውሎስ ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 18ን 19ን ዚርከብ ብዛዕባ ኣብርሃምን ሎጥን ዚገልጽ ጸብጻባት የተሓሕዝዎ። ኣብ ክልቲኡ ጸብጻብ፡ መላእኽቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ ሒዞም ናብ ኣብርሃምን ሎጥን ከም ዝመጹ ነንብብ ኢና። እቶም ናብ ኣብርሃም ዝመጹ መላእኽቲ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ወዲ ኸም ዚወልድ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚፍጸም ኣረጋገጹሉ፣ እቶም ናብ ሎጥ ዝመጹ ኸኣ፡ ካብቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን ኬድሕንዎ እዮም መጺኦም።—ዘፍጥረት 18:1-10፣ 19:1-3, 15-17

ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብካዮ፡ ኣብርሃምን ሎጥን ንዘይፈልጥዎም ሓለፍቲ መገዲ እዮም ለውሃት ኣርእዮምዎም። ሓቂ እዩ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንፈተውትን ንኣዝማድን ንጓኖትን፡ ኰታስ ንዅሎም ተጓዓዝትን ሓለፍቲ መገድን ምእንጋድ፡ ባህልን ግዴታን እዩ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ እውን እንተ ዀነ፡ እስራኤላውያን ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ እስራኤላዊ ዘይኰነ ስደተኛ ኺሓልዩሉ ይእዝዞም ነበረ። (ዘዳግም 10:17-19) ኰይኑ ግና፡ ኣብርሃምን ሎጥን፡ ገና እቲ ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ፡ ካብቲ ኣብ ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ ንላዕሊ እዮም ገይሮም። ንዘይፈልጥዎም ሰባት ለውሃት ንምርኣይ ጽዒሮም እዮም፣ ከምኡ ብምግባሮም ከኣ ተባሪኾም እዮም።

ኣብርሃም ለውሃት ስለ ዘርኣየ፡ ወዲ ብምውላድ ተባሪኹ እዩ፣ ንሕና እውን ሳላኡ ተባሪኽና ኢና። ብኸመይ፧ ኣብርሃምን ይስሃቅ ወዱን ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎም እዩ። ኣብቲ ናብቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ዚመርሕ መስመር ወለዶ፡ ቀንዲ ተራ ነበሮም። እቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ከኣ፡ ነቲ ብፍቕርን ብጸጋን ኣምላኽ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ዚመጸሎም ድሕነት ጽላሎት ዚኸውን እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 22:1-18፣ ማቴዎስ 1:1, 2፣ ዮሃንስ 3:16

እዚ ጸብጻባት እዚ፡ ኣምላኽ ካብቶም ስምረቱ ዚህቦም ሰባት እንታይ ከም ዚጽበን ንለውሃት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእያን ዚሕብር እዩ። ለዋህ ምዃን፡ ናይ ምርጫ ጕዳይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲ እዩ።

ለውሃት ንኣምላኽ ብዝያዳ ንኽንፈልጦ ትሕግዘና

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ “ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ከም ዚዀኑ ይገልጽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-3) ንስኻ እውን በብመዓልቱ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ትራኸብ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንኻልኦት ሰባት ክንልውሃሎም የብልናን ማለት ኣይኰነን። ንክርስትያናት፡ “ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ” ዚብል መዘኻኸሪ ተዋሂብዎም ኣሎ።—ሮሜ 12:17

ጕልበትና ኸይበቐቕና ብልግሲ ንኻልኦት ክንልውሃሎም ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዜፍቅር ዘበለ . . . ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ” ይብል እዩ፣ ሓደ ኻብቲ ፍቕርና ኸነርኢ እንኽእለሉ መገድታት ከኣ፡ ንኻልኦት ብምልዋህ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:7፣ 1 ቈረንቶስ 13:4) እወ፡ ንኻልኦት ክንልውሃሎም ከለና፡ ንኣምላኽ ብዝያዳ ኢና እንፈልጦ፣ እዚ ኸኣ የሐጕሰና እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ “ለዋሃት፡ ለውሃት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” በለ።—ማቴዎስ 5:7, 8ያንግስ ሊተራል ትራንስሌሽን።

ነታ ኣኪ ዝስማ ኣብ ጃፓን እትነብር ኣደ ኽልተ ቘልዑ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ኣዲኣ ብሃንደበት ምስ ሞተት፡ ብጭንቀት ተዋሕጠት። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣመና ሕማቕ ስለ ዚስምዓ፡ ናብ ሓኪም ትኸይድ ነበረት። ድሕሪኡ፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ናብቲ ንሳ እትነብረሉ ኸባቢ ገዓዘት። ኣቦ እታ ስድራ ቤት ስለ ዝሞተ ግና፡ እታ ኣደ ምስ ሓሙሽተ ንኣሽቱ ደቃ ተረፈት። ኣኪ ንኣባላት እታ ስድራ ቤት ስለ ዝሓዘነትሎም፡ ምስታ ኣደን ምስ ደቃን ተቐራረበት። ነታ ስድራ ቤት ብምሕጋዝ፡ ማለት ምግቢ ሰሪሓ ብምውሳድን ንስድራ ቤታ ዘየድልዮም ክዳን ብምሃብን ዝከኣላ ስለ ዝገበረት ድማ፡ ብስምዒታዊ መገዲ ኽትሃድእ ከኣለት። ንሓቅነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዚብል ቃላት ተመኪራቶ እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እወ፡ ክትጭነቕ ከለኻ ንኻልኦት ለውሃት ምርኣይ፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

‘ንየሆዋ ምልቃሕ’

ለውሃት ንምርኣይ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከነውጽእ ኣየድልየናን እዩ። ኣብ ክእለት ወይ ኣብ ኣካላዊ ብርታዐ እተመርኰሰ እውን ኣይኰነን። ፍሽኽ ምባል፡ ርሕራሐ ዚንጸባረቖ ቓላት ምዝራብ፡ ብዜድሊ ምሕጋዝ፡ ሓሲብካ ህያብ ምሃብ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሪጋ ንኻልኦት ቀዳምነት ምሃብ፡ ዓብዪ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ እትብሎ ወይ እትገብሮ ኺጠፍኣካ ኸሎ፡ ለውሃት ዝመልኦ ቓላት ተዛረብ ወይ ለውሃት ዝመልኦ ተግባር ግበር። እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ መንእሰይ፡ በቲ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሚስዮናዊ ዘርኣዮ ለውሃት ውሽጡ ተተንከፈ፣ እቲ ሚስዮናዊ ዘርኣዮ ለውሃት፡ ካብ ቃላቱ ንላዕሊ ብዙሕ ኪዓምም ከኣለ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣምላኽ ንሰዓብቱ፡ “ምሕረት” ወይ ለውሃት ኪፈትዉ ዚደልዮም።—ሚክያስ 6:8

“ብለውሃት እተዘርበት ሓንቲ ቓል፡ ንሰለስተ ቘራሪ ኣዋርሕ ተምውቕ።” እዛ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ እትዝረብ ብሂል፡ ንእሽቶ ለውሃት ዓብዪ ትርጕም ኪህልዋ ኸም ዚኽእል እያ እትሕብር። ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊስካ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓዊስካ ለውሃት ከተርኢ ኸለኻ፡ ልቢ እቲ ለውሃት ዜርኢ ሰብ ኰነ ለውሃት ዝመልኦ ተግባር ዚግበረሉ ሰብ ይሕጐስ እዩ። ሰባት ነቲ ለውሃት ዝመልኦ ተግባርካ እንተ ዘየማስዮምሉ፡ ከሲርካ ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ንተግባርካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኻልኦት ለውሃት ምርኣይ፡ ‘ንየሆዋ ኸም ምልቃሕ’ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 19:17) እሞ ደኣ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ሰባት ለውሃት ከተርእየሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ስለምንታይ ዘይተናዲ፧

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እትብሎ ወይ እትገብሮ ኺጠፍኣካ ኸሎ፡ ለውሃት ዝመልኦ ቓላት ተዛረብ ወይ ለውሃት ዝመልኦ ተግባር ግበር

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም በቲ ዘርኣዮ ለውሃት ብዙሕ ተባረኸ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ንኻልኦት ለውሃት ምርኣይ፡ ‘ንየሆዋ ኸም ምልቃሕ’ እዩ