ሉቃስ 6:1-49

  • የሱስ፡ “ጐይታ ሰንበት” (1-5)

  • ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ሓወየ (6-11)

  • እቶም 12 ሃዋርያት (12-16)

  • የሱስ መሃረን ኣሕወየን (17-19)

  • ሕጉሳት ዚዀኑን ወይለኦም እተባህሉን (20-26)

  • ጸላእትኹም ኣፍቅሩ (27-36)

  • ኣይትፍረዱ (37-42)

  • ብፍሪኡ ይፍለጥ (43-45)

  • ጽቡቕ እተሃንጸት ቤት፣ ብዘይ ድልዱል መሰረት እተሃንጸት ቤት (46-49)

6  ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ኺሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት እናቐንጠቡ፡ ብኣእዳዎም እናሓሰዩ+ ይበልዑ ነበሩ።+  ገለ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፡ “ብሰንበት ኪግበር ዘይተፈቕደ ስለምንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧” በልዎም።+  የሱስ ግና፡ “ዳዊት፡ ንሱን ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ እንታይ ከም ዝገበረስ ከቶዶ ኣየንበብኩምን፧+  ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ካህናት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኪበልዕዎ ዘይተፈቕደ እንጌራ መባእ* ተቐቢሉ ኸም ዝበልዐ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ እውን ከም ዝሃቦምዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢሉ መለሰሎም።+  ኣስዒቡ እውን፡ “ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ” በሎም።+  ብኻልእ ሰንበት+ ድማ ናብ ምኵራብ ኣትዩ መሃረ። ኣብኡ ኸኣ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ ነበረ።+  ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ ንየሱስ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወየ ይከታተልዎ ነበሩ።  ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፡+ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ፡ “ተንስእ እሞ፡ ኣብ ማእከል ደው በል” በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ደው በለ።  የሱስ ከኣ፡ “እስከ ኽሓትተኩም፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባር ድዩ ተፈቒዱ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንህይወት* ምድሓን ድዩ ወይስ ምቕታላ፧” በሎም።+ 10  ንዅላቶም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶም ከኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ ኢዱ እውን ሓወየት። 11  ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ። 12  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ፣+ ምሉእ ለይቲ ድማ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ሓደረ።+ 13  መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም 12 ኻባታቶም ሓረየ፦+ 14  እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን+ በርተሎሜዎስን 15  ማቴዎስን ቶማስን+ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ “ቐናእ” እተባህለ ስምኦንን 16  ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ኸዳዕ ዝዀነ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 17  ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በለ፣ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነበሩ፣ ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሓውዩን ካብ ኵሉ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶንን ዝመጹ ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ እውን ነበሩ። 18  እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩ እኳ ሓወዩ። 19  ካብኡ ሓይሊ ይወጽእን+ ንዅላቶም የሕውዮምን ነበረ እሞ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኺትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። 20  ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናታትኩም እያ እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ 21  “ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ “ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ 22  “ሰባት ምእንቲ ወዲ ሰብ ኢሎም ምስ ዚጸልኡኹምን+ ምስ ዚፈልዩኹምን+ ምስ ዚጸርፉኹምን ስምኩም ምስ ዜኽፍኡን፡ ሕጉሳት ኢኹም። 23  ኣቦታቶም ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተሓጐሱን ተሰራሰሩን።+ 24  “ኣቱም ሃብታማት ግና፡ ምጽንናዕኩም ብምሉኡ ረኺብኩም ኢኹም እሞ+፡ ወይለኹም።+ 25  “ኣቱም ሕጂ ዝጸገብኩም፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። “ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትሓዝኑን ክትበኽዩን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።+ 26  “ኵሎም ሰባት ጽቡቕ ምስ ዚዛረቡልኩም፡ ኣቦታቶም ንናይ ሓሶት ነብያት ከምኡ ገይሮምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።+ 27  “ንዓኻትኩም ትሰምዑ ንዘለኹም ግና እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፣ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፣+ 28  ንዚረግሙኹም መርቑ፣ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ።+ 29  ምዕጕርትኻ ንዚወቕዓካ፡ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ፣ ክዳንካ ንዝወሰደ፡ ቀምሽካ እውን ኣይትኽልኣዮ።+ 30  ንዚልምነካ ዘበለ ሃቦ፣+ ገንዘብካ ንዝወሰደ እውን ኪመልሰልካ ኣይትሕተቶ። 31  “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም።+ 32  “ነቶም ዜፍቅሩኹም እንተ ኣፍቂርኩም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን እኳ ንዜፍቅርዎም የፍቅሩ እዮም።+ 33  ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጽቡቕ እንተ ጌርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም። 34  ኪፈድዩኹም ንእትጽበይዎም እንተ ኣለቂሕኩምከ፡* እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧+ ሓጥኣን እኳ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ ኢሎም የለቅሕዎም እዮም። 35  ግናኸ፡ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ጽቡቕ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸበኹም ከኣ ኣለቅሑ፣+ እቲ ልዑል ንዘየመስግኑን ንእኩያትን ለዋህ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉዳቱ እውን ክትኰኑ ኢኹም።+ 36  ከምቲ ኣቦኹም መሓሪ ዝዀነ፡ መሓርቲ ኹኑ።+ 37  “ደጊም ኣይትፍረዱ፡ ከቶ ድማ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፣+ ደጊም ኣይትዀንኑ፡ ከቶ እውን ኣይክትኵነኑን ኢኹም። ሕደጉ፡ ኪሕደገልኩም ድማ እዩ።+ 38  ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም።+ ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ እተሰጐደን እተነኽነኸን መሊኡ ዚፈስስን ጽቡቕ ስፍሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።” 39  ብምሳሌ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኦም ደይኰኑን ኣብ ጕድጓድ ዚወድቁ፧+ 40  ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን እዩ፣ ተማሂሩ ዝወድአ ዅሉ ግና፡ ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን። 41  ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ዘየስተብሃልካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፧+ 42  ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ኸይረኣኻስ፡ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ‘ሓወየ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካ ሕደገኒ’ እትብሎ፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ነቲ ሰርወ ኣውጽኣዮ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ። 43  “ሕማቕ ፍረ ዚፈሪ ጽቡቕ ኦም የልቦን፣ ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ ሕማቕ ኦም እውን የልቦን።+ 44  ከመይሲ፡ ኵሉ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዚፍለጥ።+ ንኣብነት፡ ካብ እሾዅ በለስ* ኣይኣርዩን፡ ካብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እውን ወይኒ ኣይቅንጥቡን እዮም። 45  ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ሕያዋይ ሰብ ካብ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ፡ ጽቡቕ የውጽእ፣ እኩይ ሰብ ግና፡ ካብ እከይ መዝገቡ፡ እከይ የውጽእ።+ 46  “ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፡ ስለምንታይ፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ እትብሉኒ፧+ 47  እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ኵሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም፦+ 48  ቤት ኪሃንጽ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረት ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ይመስል። ብርቱዕ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፣ ጽቡቕ ስለ እተሃንጸት ግና፡ ኪንቕንቓ ኣይከኣለን።+ 49  እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፡+ ቤት ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሃነጸ ሰብኣይ ይመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ድማ ወደቐት፣ ኣወዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እንጌራ ምርኣይ።”
ወይ፡ “ዝለመሰት።”
ወይ፡ “ዝለመሰት።”
ወይ፡ “ንነፍሲ።”
ማለት፡ ብዘይ ወለድ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።