ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ዕላማ ምምላስ ክርስቶስ እንታይ እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ብ33 ድ.ክ. ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ኪምለስ ምዃኑ ተመባጽዐ። ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓደ ንነዊሕ እዋን ዝገሸ እሞ ንጉስ ኰይኑ ንኺገዝእ እተመልሰ ወዲ ዓበይቲ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። ዕላማ ምምላስ የሱስ እምበኣር፡ ንሰባት ጽቡቕ ምምሕዳር ንምምጻእ እዩ።—ሉቃስ 19:11, 12 ኣንብብ።

የሱስ ንደቂ ሰብ ብጽቡቕ ኬመሓድሮም እዩ

የሱስ ብኸመይ እዩ ዚምለስ፧ ካብ ምዉታት ብዘይርአ መንፈሳዊ ኣካል እዩ ተንሲኡ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። (መዝሙር 110:1) ነዊሕ እዋን ጸኒሑ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዚቐርብ ተገብረ። የሆዋ ኸኣ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኪገዝእ ስልጣን ሃቦ። ስለዚ፡ የሱስ ከም ሰብ ኰይኑ ዘይኰነስ፡ ከም ዘይርአ ንጉስ ኰይኑ እዩ ዚምለስ።—ዳንኤል 7:13, 14 ኣንብብ።

የሱስ ምስ መጸ እንታይ እዩ ኺገብር፧

የሱስ ምስ መላእኽቱ ብዘይርአ ኣገባብ ምስ መጸ፡ ንደቂ ሰብ ኪፈርድ እዩ። ንእኩያት ኣጥፊኡ፡ ነቶም ከም ንጉስ ዚቕበልዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ።—ማቴዎስ 25:31-33, 46 ኣንብብ።

የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ከሎ ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይራ እዩ። ንምዉታት ኣተንሲኡ ኣብታ ምድራዊት ገነት ኬንብሮም እዩ።—ሉቃስ 23:42, 43 ኣንብብ።