ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ

የሱስ መን እዩ፧

የሱስ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ብኸምቲ ሰባት ቈልዑ ዚወልዱሉ መገዲ ገይሩ ቘልዓ ዘይወለደ እንተ ዀይኑ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ዚኸውን ደኣ ብኸመይ እዩ፧

መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ የረጋግጽ ድዩ፧

ካብ ሓደ ንላዕሊ መሲሓት ኪህልዉ ይኽእሉ ድዮም፧

ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧

ብሕጂ ድዩ ዚመጽእ ወይስ ድሮ መጺኡ ኣሎ፧

ቃል ኣምላኽ መን ወይ እንታይ እዩ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቃል” ልዕሊ ሓደ ትርጉም ኣለዋ።

ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧

ብኻልእ ስም እውን ይፍለጥ እዩ፣ እቲ ስም እቲ ድማ ብብዙሓት ፍሉጥ እዩ።

ምድራዊ ህይወት የሱስ

ድንግል ማርያም—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ እንታይ ይብል፧

ማርያም ካብ እትጥነስ ኣትሒዛ ኻብቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ሓራ ምዃና ዚኣምኑ ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ትምህርቲ ይድግፎ ድዩ፧

እቶም “ሰለስተ ሰብ ጥበብ” እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ን“ኰዀብ” ቤት-ልሄም ስዒቦምዎ ድዮም፧

ኣብ ልምድታት በዓል ልደት ዝውቱር ዝዀነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ዘይርከብ እተወሰነ ስያመታት።

የሱስ ከመይ ይመስል ነይሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መልክዕ የሱስ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህበና እዩ።

የሱስ ተመርዕዩ ነይሩ ድዩ፧ ኣሕዋትን ኣሓትንከ ነይሮምዎዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኵነታት መርዓ የሱስ ፈልዩ ስለ ዘይገልጽ፡ ምርዑው ምንባሩ ወይ ዘይምንባሩ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ሞትን ትንሳኤን የሱስ

የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧

ሞት የሱስ ንዓና ብልክዕ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

እቲ ኣብ ቱሪን ዘሎ መግነዝ፡ የሱስ እተገንዘሉ ድዩ፧

ነቲ መግነዝ ዚምልከት ሰለስተ ኣገዳሲ ሓቅታት፡ መልሲ ይህበና።

የሱስ ስጋዊ ኣካል ሒዙ ድዩ ተንሲኡ ወይስ መንፈሳዊ ኣካል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ፡ ‘ብመንፈስ ህያው ኰይኑ’ ይብል እዩ፣ እሞ ደኣ ኸመይ ገይሮም እዮም ደቀ መዛሙርቱ ኺርእይዎን ኬረምስስዎን ክኢሎም፧

የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ

የሱስ የድሕን—ብኸመይ፧

ስለምንታይ ኢና የሱስ ምእንታና ኺልምን እንደሊ፧ ንምድሓን ብየሱስ ክንኣምን ጥራይ ድዩ ዜድልየና፧

ብየሱስ ምእማን ንድሕነት እኹል ድዩ፧

ገሊኦም ብየሱስ ዚኣምኑ ግናኸ ዘይድሕኑ ኸም ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧

መስዋእቲ የሱስ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኻብ ሓጢኣት ዜድሕን ብኸመይ እዩ፧

ብስም የሱስ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

ብስም የሱስ ክትጽሊ ኸለኻ፡ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜኽብሮ፡ ንየሱስ እውን ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርእዮ መርምር።

ምጽኣት ክርስቶስ እንታይ እዩ፧

ብዚርአ መገዲ ድዩ ኺመጽእ፧