ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ዮሴፍ

‘ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር እኽእል፧’

‘ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር እኽእል፧’

ዮሴፍ ኣዕሚቑ ብምስትንፋስ፡ ነቲ ኸቢድን ምዉቕን ኣየር ሰሓቦ፣ ነቲ ኻብ ሹሻን ማይን ካብ ካልእ ኣብ ማይ ዚበቍል ኣትክልትን ዚመጽእ ዝነበረ ሽታ እውን ኣሽተቶ። ብቓፍላይ ነጋዶ እናተመርሐ እዩ ዚኸይድ ነይሩ፣ ኣብቲ ነቲ ሰፊሕ ደልታ ኒል ዚሰግሩሉ ቘላ ድማ በጽሑ። ነቶም ንኣግማሎም ብገማግም ወሓዚ እናመርሑወን ናብ ካልእ ከተማ ግብጺ ተር ኢሎም ዚኸዱ ሰብኡትን ነተን ብኣታቶም ሰንቢደን ዚነፍራ እተፈላለያ ዓይነት ኣዕዋፍን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ዮሴፍ ግና ብሓሳቡ ኣብታ ብኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ዝነበረት ንፋስ ኣብ ዚበዝሖ ኸበሳ ኬብሮን እትርከብ ቤቱ እዩ ነይሩ፣ ብኣካል ግና ካብታ ቤቱ ኣዝዩ ርሒቑ እዩ ነይሩ።

ኣህባይ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ተምርን በለስ ጥልያንን ኰይነን ኪውጭጫ ኸለዋ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ዮሴፍ ንዘረባ እቶም ብጥቓኦም ዚሓልፍ ዝነበረ ሰባት ዋላ ሓንቲ ኣይርድኦን እዩ ነይሩ። ምናልባት ገለ ዚርድኦ ቓላት ወይ ሓረጋት ኪረክብ ፈቲኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እናገበረ ነቲ ቛንቋ እንተ ተማህሮ እውን እዩ ዜዋጽኦ ነይሩ። ከመይሲ፡ ናብ ቤቱ ፈጺሙ ኸይምለስ ይኽእል እዩ።

ዮሴፍ ወዲ 17 ወይ 18 ዓመት መንእሰይ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንብዙሓት ዓበይቲ ሰብኡት እውን እንተ ዀነ ኼሐልሎም ዚኽእል ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ። ዮሴፍ ብኣቦኡ ኣዝዩ ይፍቶ ስለ ዝነበረ፡ ገዛእ ኣሕዋቱ ብቕንኢ ተመሊኦም ኪቐትልዎ ቝሩብ እዩ ተሪፍዎም ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ናብ ነጋዶ ሸጥዎ። (ዘፍጥረት 37:2, 5, 18-28) ድሕሪ እቲ ሰሙናት ዝወሰደ ጕዕዞ ድማ፡ እቶም ነጋዶ ናብታ ንዮሴፍን ነቲ ኽቡር ኣቕሑኦምን ሸይጦም መኽሰቦም ዚሓፍሱላ ዓባይ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ሓጐሶም እናዓዘዘ ኸደ። ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ፡ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ልቡ ሱር ምእንቲ ኸይሰድድን ንመንፈሱ ምእንቲ ኸይደቝሶን እንታይ እዩ ገይሩ፧ ሎሚኸ ንሕና ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ብድሆታትን ዕንቅፋታትን ንእምነትና ምእንቲ ኸየጥፍኣ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ካብ ዮሴፍ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

‘የሆዋ ምስ ዮሴፍ ነበረ’

“ንዮሴፍ ድማ ናብ ግብጺ ኣውረድዎ። ጶጢፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን፡ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ካብ ኢድ እቶም ናብኡ ዘውረድዎ እስማኤላውያን ተሻየጦ።” (ዘፍጥረት 39:1) መጽሓፍ ቅዱስ በዘን ሒደት ቃላት እዚአን ኣቢሉ፡ ነቲ ዮሴፍ ንኻልኣይ ሳዕ ምስ ተሸጠ ዘጋጠሞ ውርደት ንኽንግምቶ ይሕግዘና እዩ። ከም ሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ተራ ንብረት እዩ ዚርአ ነይሩ። ዮሴፍ ነቲ ሓድሽ ኣስራሒኡ ዝዀነ ግብጻዊ ብዓል ስልጣን እናሰዓበ፡ በቲ ሸበድበድ ዝመልኦን ባዛር ሹቕ ዝበዝሖን ጐደናታት ገይሩ ናብታ ሓዳስ መንበሪቱ ኸደ።

ዮሴፍ ኣብታ ሓዳስ መንበሪቱ ምስ በጽሐ፡ ካብቲ ንሱ ዝለመዶ ቤት ኣዝዩ እተፈልየ ዀይኑ ጸንሖ። ንሱ ኣብ ድንኳን ኣብ እትነብርን በብእዋኑ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዘት ኣባጊዕ እትጓስን ሰበኽ ሳግም ዝዀነት ስድራ ቤት እዩ ዓብዩ። ኣብ ግብጺ ግና፡ ከም ብዓል ጶጢፋር ዝኣመሰሉ ሃብታማት ግብጻውያን፡ ኣብ ውቁብን ብደሚቕ ሕብርታት እተለኽየን ኣባይቲ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኸም ዝጸብጸብዎ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ልሙዕን ኣብ መንደቕ ዚበቍልን ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ጽላል ዚህብ ኣእዋም፡ ከምኡ እውን ፓፒረስን ሹሻን ማይን ካልእ ኣብ ማይ ዚበቍል ኣትክልትን ዘለዎ ህዱእ ራህያ ይፈትዉ ነይሮም እዮም። ገሊኡ ኣባይቲ ኣብ ማእከል ስፍራ ኣታኽልቲ እዩ ዚስራሕ ነይሩ፣ ብዘይካዚ፡ እቲ ኣባይቲ፡ እቶም ሰብ ቤት ህዱእ ንፋስ ዚቕበሉሉ ገበላ፡ እኹል ኣየር ዜእቱ ልዕል ኢሉ እተሰርሐ መሳዅቲ፡ ከምኡ እውን ዓብዪ መመገቢ ኽፍልን መንበሪ ኣገልገልትን ዘለዎ ዓበይቲ ኽፍልታት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።

እሞኸ እዚ ዅሉ ሃብቲ ንዮሴፍ ኣፉ ኣኽፊትዎዶ፧ እዚ ዘይመስል እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ጽምዋ እዩ ዚስምዖ ነይሩ። እቶም ግብጻውያን ንዕኡ፡ ብቛንቋኦምን ብኣከዳድናኦምን ብኣመለኻኽዓኦምን፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብሃይማኖቶም ካብኡ ዚፍለዩ ጓኖት እዮም ነይሮም። ማእለያ ዘይብሎም ኣማልኽቲ እዮም ዜምልኹ፣ ብዘይካዚ፡ ስሒር ይገብሩን ይጥንቍሉን እዮም፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሞትን ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ብዜገርም መገዲ እዩ ዚማርኾም። ይኹን እምበር፡ ሓደ ነገር ንዮሴፍ ብጽምዋ ንኸይብላዕ ሓጊዝዎ እዩ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ‘የሆዋ ምስ ዮሴፍ ነበረ።’ (ዘፍጥረት 39:2) ዮሴፍ ልቡ ናብ ኣምላኹ ኸም ዘፍሰሰ ዜጠራጥር ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም . . . ቀረባኦም እዩ” ይብል። (መዝሙር 145:18) ዮሴፍ ናብ ኣምላኹ ንምቕራብ ካልእ እንታይ እዩ ገይሩ፧

ዮሴፍ ተስፋ ዜቝርጽ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ኢዱ ኣይሃበን፣ ነቲ ኣብ ቤት ጶጢፋር ዚውሃቦ ዝነበረ ዕዮ ብዚከኣሎ ዓቕሚ ኺፍጽሞ ይጽዕር ነበረ። የሆዋ ድማ ነዚ ርእዩ ብዙሕ ባረኾ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣስራሒኡ ሞገስ ረኸበ። ጶጢፋር፡ እቲ ህዝቢ ዮሴፍ ዜምልኽዎ የሆዋ ነቲ መንእሰይ ይባርኾ ኸም ዝነበረን ሳላ እቲ በረኸት ቤቱ ኸም ዝበልጸገትን ኣስተብሂሉ ኪኸውን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣስራሒኡ ኣኽብሮት ረኸበ፣ ጶጢፋር ድማ ነቲ ኽኢላ መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ሸሞ።—ዘፍጥረት 39:3-6

ዮሴፍ ነቶም ሎሚ ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ዘለዉ መንእሰያት ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀኖም። ንኣብነት፡ ሓድሓደ ሳዕ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ካልኦት እተፈልዩ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዛ ዓለም ብስሒራዊ ነገራት እትሕጐስን ብዛዕባ ህይወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘይብላን እያ። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይተለወጠ ዘክር። (ያእቆብ 1:17) ሎሚ እውን ከም ጥንቲ፡ ምስቶም ንዕኡ እሙናት ዚዀኑን ንዕኡ ብዜሐጕሶ መገዲ ንምምልላስ ዚጽዕሩን ሰባት እዩ። ኣብዚሑ ይባርኾም እዩ፣ ንዓኻ እውን ኪባርኸካ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸም ዚሕብሮ፡ ዮሴፍ ብኣካላዊ መዳይ እናዓበየ ኸደ። ካብ ንእስነት ናብ ስብእነት ሰገረ፣ “መልክዔኛ፡ ትርኢቱ ድማ ጽቡቕ ነበረ።” መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣካላዊ መልክዕ ዘየድልን ዘይግቡእን ኣቓልቦ ስለ ዚስሕብ፡ እተን ዮሴፍ መልክዐኛ ኸም ዝነበረ ዚገልጻ ቓላት፡ ሓደጋ ኼጋጥሞ ኸም ዚኽእል ዚሕብራ እየን ነይረን።

ሰበይቲ ጶጢፋር ነቲ እሙን መንእሰይ ዝነበረ ዮሴፍ ዓይና ኣውደቐትሉ

‘ንሱ ግና ኣይሰምዓን’

ዮሴፍ ንተኣማንነት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ፣ ሰበይቲ ጶጢፋር ግና ከምኡ ኣይነበረትን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዮሴፍ ሰበይቲ ጐይታኡ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ፤ ምሳይ ደቅስ፡ በለቶ” ዚብል ነንብብ። (ዘፍጥረት 39:7) እሞኸ ዮሴፍ ነቲ እዛ ኣረማዊት ሰበይቲ ብድፍረት ዘቕረበትሉ ሕቶ ንኪቕበሎ ተፈቲኑዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሴፍ ካብቲ እቶም ኣብ ናቱ ዕድመ ዘለዉ መንእሰያት ዜጋጥሞም ትምኒትን ባህግን ናጻ ኸም ዝነበረ ኣይገልጽን እዩ፣ እታ ሕንቅቕቲ ሰበይቲ እቲ ሃብታምን ሓያልን ብዓል ስልጣን ዝነበረ ጶጢፋር ድማ፡ ዚስሕብ መልክዕ ነይርዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ዮሴፍ፡ ዋላ እኳ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ጐይታኡ ኸም ዘይፈልጥ ገይሩ ይሓስብ ደዀን ይኸውን፧ በቲ ምስኣ ምድቃስ ኬምጽኣሉ ዚኽእል ስጋዊ ረብሓ ይፍተን ደዀን ይኸውን፧

ሓቂ እዩ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ኣእምሮ ዮሴፍ ዚመላለስ ዝነበረ ሓሳባት ኣይንፈልጦን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ልቡ እንታይ ከም ዝነበረ ብንጹር ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ንሰበይቲ ጶጢፋር፡ “እንሆ፡ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፡ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ፡ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚስልጥን የልቦን፡ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፡ ብጀካኽስ ገለኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ኢሉ መለሰላ። (ዘፍጥረት 39:8, 9) እዚ መንእሰይ እዚ ነተን ቃላት ብትብዓት ኪዛረበን ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ኪገብሮ ዝደለየቶ ነገራት፡ ኪሓስቦ ኸሎ እውን እንተ ዀነ ኣስካሕኪሕዎ እዩ። ስለምንታይ፧

ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ፡ ጐይታኡ ይኣምኖ እዩ። ጶጢፋር ብዘይካ ንሰበይቱ፡ ንዅሉ ነገር ብሓላፍነት ንኺከታተሎ ንዮሴፍ ሂብዎ እዩ። ከመይ ገይሩ እሞ ዮሴፍ ነቲ ዝኣመኖ ጐይታኡ ኺጠልሞ ዚኽእል፧ ንጥልመት ኪሓስቦ እውን ኣይደልን እዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ዘተሓሳሰቦ ግና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ሓጢኣት ምፍጻም እዩ ነይሩ። ዮሴፍ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሓዳርን ንተኣማንነትን ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ካብ ወለዱ ብዙሕ ተማሂሩ እዩ። የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኬመራዕዎም ከሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ሓዳር ዘለዎ ኣረኣእያ ንጹር ገይርዎ እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” ስለ ዝዀኑ፡ ብሓንሳእ ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘፍጥረት 2:24) ነዚ ስርዓት እዚ ኺጥሕስዎ ዚፍትኑ ሰባት፡ ንኣምላኽ እዮም ዜቘጥዕዎ። ንኣብነት፡ እቶም ንሳራ ሰበይቲ ኣብርሃምን ንርብቃ ሰበይቲ ይስሃቅን ኪወስዱወን ዝፈተኑ ሰባት ካብ ሞት ንስክላ እዮም ኣምሊጦም፣ ሳራን ርብቃን ንዮሴፍ፡ ኣደ ኣቦሓጎኡን ሰበይቲ ኣቦሓጎኡን እየን ነይረን። (ዘፍጥረት 20:1-3፣ 26:7-11) ዮሴፍ ነቲ ንሓዳር ዚምልከት ትምህርቲ ብዚግባእ እዩ ተማሂርዎ፣ ንዕኡ እናሰዓበ ኺነብር ድማ እዩ ዚደሊ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ብመልሲ ዮሴፍ ኣይተሓጐሰትን። ከመይሲ፡ እዚ ድርባይ ባርያ እዚ ንሕቶኣ ኺነጽጎን ከም “ዓብዪ ኽፍኣት” ገይሩ ኺርእዮን ኣይተጸበየትን ነይራ። ደጋጊማ ድማ ላሕ ተብሎ ነበረት። ምናልባት ምክሕትን ዕብይትን ስለ ዝነበረት፡ በቲ መልሱ ተበሳጭያ፡ ነቲ ዮሴፍ ‘ኣይፋል’ ዝበሎ ብምቕያር ‘ሕራይ’ ከተብሎ ሒዅ በለት። በዚ ኸምዚ፡ ልክዕ ከምቲ ንየሱስ ዝፈተኖ ሰይጣን ዝነበሮ ዓይነት መንፈስ ኣርኣየት። ሰይጣን ፈተነኡ ምስ ፈሸለ ንጻዕሩ ኣብ ክንዲ ዜቋርጾ፡ “ምሹእ ግዜ ኽሳዕ ዚረክብ [ንየሱስ] ሓደጎ።” (ሉቃስ 4:13) ስለዚ፡ እሙናት ሰባት፡ ቈራጻትን ጽኑዓትን ኪዀኑ ኣለዎም። ዮሴፍ ከምኡ እዩ ነይሩ። ሰበይቲ ጶጢፋር “መዓልቲ ንመዓልቲ” ላሕ ተብሎ እኳ እንተ ነበረት፡ ካብ ውሳነኡ ምንቕ ኣይበለን። እቲ ጸብጻብ፡ ‘ንሱ ግና ኣይሰምዓን’ ይብል። (ዘፍጥረት 39:10) ይኹን እምበር፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ብቐሊሉ ተስፋ ዘይትቘርጽ መስሓቲት እያ ነይራ።

ሰበይቲ ጶጢፋር፡ ኵሎም ኣገልገልቲ ኻብ ቤት ዚወጹሉ እዋን መረጸት። ዮሴፍ ዕዮኡ ኺዓዪ ናብ ውሽጢ ቤት ከም ዚኣቱ ትፈልጥ ነይራ እያ። ምስ ኣተወ ድማ፡ መጻወድያኣ ዘርግሐት። ብኽዳኑ ሒዛ ኸኣ፡ ንመወዳእታ እዋን፡ “ምሳይ ደቅስ” ኢላ ለመነቶ። ዮሴፍ ግና ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። ኪፍንጽጋ እኳ እንተ ፈተነ፡ ንሳ ግና ኣጥቢቓ ብኽዳኑ ሓዘቶ። ነቲ ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉላ ድማ ሃደመ።—ዘፍጥረት 39:11, 12

ተግባር ዮሴፍ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ እዩ ዜዘኻኽረና። (1 ቈረንቶስ 6:18) ዮሴፍ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉሎም! ኣብ ህይወትና ምስቶም ንስነ ምግባራዊ ሕግታት ኣምላኽ ግዲ ዘይብሎም ሰባት ንራኸብ ኢና፣ ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንግጉይ ጽልዋታት ኢድና ኽንህብ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ዝኸፈልና ኸፊልና፡ ካባታቶም ክንሃድም ኣሎና።

ሓቂ እዩ፡ እቲ ዮሴፍ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ መዘዝ ኣምጺኡሉ እዩ። ሰበይቲ ጶጢፋር ሕነ ኽትፈዲ ስለ ዝደለየት፡ ብኡብኡ ኣእወየት፣ ነቶም ኣገልገልቲ ቤት ድማ ጸውዓቶም። ዮሴፍ ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነን ምስ ኣእወየት ግና ከም ዝሃደመን ነገረቶም። ነቲ ኽዳን ዮሴፍ ሒዛ ድማ ሰብኣያ ኽሳዕ ዚመጽእ ተጸበየት። ጶጢፋር ምስ መጸ፡ ነቲ ሓሶታ ደጊማ ነገረቶ፣ እዚ ዅሉ ኼጋጥም ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ እቲ ንሱ ዘምጽኦ ኣገልጋሊ ምዃኑ ድማ ኣመተትሉ። እሞኸ ጶጢፋር እንታይ በለ፧ ኣብቲ ጸብጻብ፡ “ኵራኡ ነደደ” ዚብል ነንብብ። ንዮሴፍ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩ ዳጐኖ።—ዘፍጥረት 39:13-20

“ነእጋሩ ብመቝሕ ሳቐዩ”

ጥንታዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ብዙሕ ሓበሬታ የብልናን። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ፍርስራስ ኣብያተ ማእሰርቲ ረኺቦም እዮም፣ እቲ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ዕርዲ ዚመስል ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት እተሃንጸ ብዙሕ ክፍልታት ነበሮ። ዮሴፍ ጸኒሑ ነቲ ቦታ፡ “ቤት ማእሰርቲ” ኢሉ ጸውዖ፣ ቃል ብቓሉ “ጕድጓድ” ዚትርጕሙ ቓል ድማ እዩ ተጠቒሙ፣ እዚ ኸኣ ብርሃንን ተስፋን ዘይብሉ ቦታ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። (ዘፍጥረት 40:15) ኣብ መጽሓፍ መዝሙር፡ ንዮሴፍ ተወሳኺ ስቓይ ከም ዘጋጠሞ ዚሕብር ሓሳብ ንረክብ ኢና፣ “ነእጋሩ ብመቝሕ ሳቐዩ፡ ነፍሱ ኣብ ሓጺን አተወት” ድማ ይብል። (መዝሙር 105:17, 18) ሓድሓደ እዋን፡ ግብጻውያን ንእሱራት፡ ኣእዳዎም ንድሕሪት ገይሮም ኣብ ኵርናዕ ኢዶም ብመቝሕ ይኣስርዎም ነበሩ፣ ገሊኦም እሱራት ከኣ ኣብ ክሳውዶም መቝሕ ሓጺን ይግበረሎም ነበረ። ዮሴፍ ዋላ ሓንቲ ዘይገበረ ኽነሱ ብመከራ ኺሳቐ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ።

እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ንዮሴፍ ዘጋጠሞ ስቓይ ንሓጺር ግዜ ዝጸንሐ ኣይነበረን። እቲ ጸብጻብ፡ “ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ” ይብል። ስለዚ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ሕማቕ ቦታ ንዓመታት እዩ ተኣሲሩ ማለት እዩ። * ዚፍታሕ እንተ ዀይኑ እውን ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። እተን ናይ መጀመርታ ዜሰምብዳ መዓልትታት ብሰሙናት፡ እንተ ሰሙናት ከኣ ብኣዋርሕ እናተተክኣ እኳ እንተ ኸዳ፡ ዮሴፍ ግና ተስፋ ኣይቈረጸን፣ እንታይ እዩ ሓጊዝዎ፧

ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ምሕረት ድማ ገበረሉ” ዚብል ዜተኣማምን መልሲ ይህበና እዩ። (ዘፍጥረት 39:21) መናድቕ ቤተ ማእሰርቲ ዀነ፡ መቝሕ ኰነ፡ ብርሃን ዘይብሉ ጕድጓድ ኰነ፡ ኰታስ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ነታ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘላቶ ፍቕሪ ኺዓግታ ዚኽእል የልቦን። (ሮሜ 8:38, 39) ዮሴፍ ነቲ ዚስምዖ ዝነበረ ስቓይ፡ ብጸሎት ኣቢሉ ናብ ቅድሚ እቲ ዜፍቅሮ ሰማያዊ ኣቦኡ ኼፍስሶ ኸሎ፡ እቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ጥራይ ኪህቦ ዚኽእል ሰላምን ህድኣትን ድማ ኪረክብ ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ ፊልጲ 4:6, 7) የሆዋ እንታይ ካልእ ነገራት እዩ ንዮሴፍ ገይሩሉ፧ ኣብቲ ጸብጻብ፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞገስ ሀቦ” ዚብል ነንብብ።

ዮሴፍ ኰነ እቶም ካልኦት እሱራት፡ ዚሰርሕዎ ስራሕ ይውሃቦም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ዮሴፍ ድማ በረኸት የሆዋ ዚረኽበሉ ኻልእ ኣጋጣሚ ረኸበ። ነቲ ዚውሃቦ ስራሕ ኣበርቲዑ ይሰርሖን ብዚከኣሎ ዓቕሚ ይጽዕርን፡ ነቲ ዝተረፈ ኸኣ ኣብ ኢድ የሆዋ ይሓድጎን ነበረ። ሳላ በረኸት የሆዋ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤት ጶጢፋር ዝነበሮ ዓይነት ሓላፍነትን ኣኽብሮትን ረኸበ። ኣብቲ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ዅሎም እሱራት ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ኣብኡ ዝገበርዎ ዘበለ ዅሉ፡ ገባሪኡ ንሱ ነበረ። እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ብገለኳ ኣይሐልን ነበረ። ዝገበሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር የቕንዓሉ ነበረ” ዚብል ነንብብ። (ዘፍጥረት 39:22, 23) ዮሴፍ፡ የሆዋ ይሓልየሉ ኸም ዝነበረ ምፍላጡ ኣጸናኒዕዎ እዩ።

ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነበረ፡ የሆዋ ድማ ባረኾ

ሓድሓደ እዋን፡ ሃንደበታዊ ዅነታት፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣመና ዜጕሂ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ካብታ ዮሴፍ ዝነበረቶ እምነት ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ብጸሎት ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንቐርብ እንተ ዄንና፡ ትእዛዛቱ ብተኣማንነት ንሕሉ እንተ ዄንና፡ ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ድማ ኣበርቲዕና ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ንሱ ኺባርኸና እዩ። የሆዋ ንዮሴፍ፡ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ብዝያዳ ብዙሕ ባሪኽዎ እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብተን ዚቕጽላ ሕታማትና ኣብ ዚወጽእ ዓንቀጻት ክንርእዮ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 23 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሴፍ ናብ ቤት ጶጢፋር ኪኣቱ ኸሎ ወዲ 17 ወይ 18 ዓመት ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይሕብረና እዩ፣ ክሳዕ ኣብ ደረጃ ስብእና ዚበጽሕ ድማ ኣብኡ ንዓመታት ተቐሚጡ እዩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ኺፍታሕ ከሎ፡ ወዲ 30 ዓመት እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 37:2፣ 39:6፣ 41:46