ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ሰይጣን ኣሎ ድዩ፧

ሰይጣን ንእኩይ ባህርይ ድዩ ዜመልክት፧

ሰይጣን ንእኩይ ባህርይ ድዩ ዜመልክት፧

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሰይጣን ንእኩይ ባህርይ ከም ዜመልክት ጌርካ ምድምዳም ቀሊል እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢሉ ድዩ ዚምህር፧ ከምኡ ኢሉ ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ሰይጣን ምስ የሱስ ክርስቶስን ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ከም እተዘራረበ ዚገልጽ፧ ነቲ ሰይጣን ምስ የሱስን ምስ ኣምላኽን እተዘራረበሉ እዋን እስከ ንመርምሮ።

ሰይጣን ምስ የሱስ እተዘራረበሉ እዋን

የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ድያብሎስ ብሰለስተ ፈተናታት ገይሩ ኼታልሎ ፈቲኑ ነይሩ እዩ። ብቐዳምነት፡ ሰይጣን፡ የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ብምውዓል ጥሜቱ ኺዕንግል ኪፍትኖ ጸዓረ። ድሕሪኡ፡ ድያብሎስ ንየሱስ፡ ኣቓልቦ ሰባት ምእንቲ ኺስሕብ፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ንኼእቱ ኼደፋፍሮ ጸዓረ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለም ከም ዚህቦ ንየሱስ ነገሮ። የሱስ በቲ ሰይጣን ብብልሒ ዘቕረበሉ ፈተናታት ኣይተታለለን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ መለሰሉ።—ማቴዎስ 4:1-11፣ ሉቃስ 4:1-13

የሱስ ምስ መን እዩ ዚዘራረብ ነይሩ፧ ምስቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ እኩይ ባህርይ ድዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚገልጾ፡ የሱስ “ብዘይ ሓጢኣት፡ ከማና ብዅሉ እተፈተነ እዩ።” (እብራውያን 4:15) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ኣብ ኣፉ እውን ተንኰል ኣይተረኽበን” ይብል እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:22) የሱስ ፍጹምን ንጽህናኡ ዚሕሉን ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጡ እከይ ንኺዓቢ ኣይፈቐደን። ብንጹር እምበኣር፡ የሱስ ምስቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ እኩይ ባህርይ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ፣ የግዳስ፡ ምስ ሓደ ናይ ሓቂ ኣካል እዩ ዚዘራረብ ነይሩ።

እቲ የሱስን ድያብሎስን ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ሰይጣን ናይ ሓቂ ኣካል ምዃኑ ዜርኢ ተወሳኺ መርትዖ እውን ዝሓዘ እዩ።

  • ድያብሎስ ንየሱስ፡ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ፡ ግዝኣት ዓለም ከም ዚህቦ ተመባጺዑሉ ኸም ዝነበረ ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 4:8, 9) ሰይጣን ናይ ሓቂ ኣካል እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ እቲ ንየሱስ ኪህቦ ዝሓሰቦ ግዝኣት ትርጕም የብሉን ማለት እዩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ሰይጣን ዓብዪ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣይከሓደን።

  • የሱስ ንፈተናታት ሰይጣን ምስ ነጸጎ፡ ድያብሎስ ንየሱስ፡ “ምሹእ ግዜ ኽሳዕ ዚረክብ ሓደጎ።” (ሉቃስ 4:13) ኣብዚ መዳይ እዚኸ፡ ሰይጣን ንእኩይ ባህርይ ጥራይ ድዩ ዜመልክት ወይስ ተስፋ ንዘይቈርጽ ጸላኢ፧

  • ድያብሎስ ንየሱስ ምስ ሓደጎ፡ ‘መላእኽቲ መጺኦም ንየሱስ ከም ዘገልገልዎ’ ኣስተብህል። (ማቴዎስ 4:11) እዞም መላእኽቲ እዚኦም፡ ንየሱስ ኬተባብዕዎን ኪሕግዝዎን ዝመጹ ናይ ሓቂ መንፈሳውያን ፍጡራት ድዮም፧ እሂናይ ደኣ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ፡ ንምንታይ ኢና ንሰይጣንከ ኸም ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ፍጡር ጌርና ዘይንርእዮ፧

ሰይጣን ምስ ኣምላኽ እተዘራረበሉ እዋን

ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዚፈርህ ዝነበረ እዮብ ካብ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሰይጣን ምስ ኣምላኽ ከም እተዘራረበ ዚሕብረና ሓሳብ ንረክብ ኢና። እቲ ጸብጻብ፡ ድያብሎስን ኣምላኽን ብዛዕባ እተዘራረቡሉ ኽልተ እዋናት ይገልጽ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ፡ ኣምላኽ ንእዮብ ስለቲ ንጽህናኡ ነኣዶ። ሰይጣን ከኣ፡ እዮብ ንኣምላኽ ዜገልግሎ፡ ጥቕሚ ስለ ዚረክብ ምዃኑ ገለጸ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ድያብሎስ፡ ኣምላኽ ንእዮብ ብጥቕሚ ኣታሊሉ ንዕኡ እሙን ከም ዚኸውን ከም ዝገበሮ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ንእዮብ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኸም ዚፈልጦ ገለጸ። የሆዋ ድማ ንሰይጣን፡ ንንብረት እዮብ ኬጥፍኦን ንደቁ ኪቐትሎምን ንጥዕናኡ ኺጐድኦን ፈቐደሉ። * ድሕሪ ግዜ፡ እቲ የሆዋ ብዛዕባ እዮብ እተዛረቦ ነገራት ቅኑዕ ምንባሩ፡ ሰይጣን ድማ ሓሳዊ ምዃኑ ተረጋገጸ። ኣምላኽ ከኣ ንእዮብ ስለቲ ንጽህናኡ ባረኾ።—እዮብ 1:6-12፣ 2:1-7

ኣብቲ ኣምላኽን ሰይጣንን ዝገበርዎ ዝርርብ፡ የሆዋ ምስቲ ኣብ ውሽጡ ዚርከብ እኩይ ባህርይ ድዩ ዚዘራረብ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ” ይብል። (2 ሳሙኤል 22:31) ብዘይካዚ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “እቲ . . . ኵሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ” ይብል። (ራእይ 4:8) ቅዱስ ኪብሃል ከሎ፡ ንጹህን ካብ ሓጢኣት ዝረሓቐን ማለት እዩ። የሆዋ ፍጹምን ኣበር ዘይብሉን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ውሽጡ እኩይ ባህርይ ኪህልዎ ኣይክእልን እዩ።

ሰይጣን ምስ ኣምላኽ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣብ ልዕሊ እዮብ ናይ ሓቂ መዘዝ ኣምጺኡ እዩ

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት፡ እዮብ ዚብሃል ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ኣምላኽን ሰይጣንን ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ምሳልያዊ ዛንታ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይከራኸሩ እዮም። እዚ ግና ቅኑዕ ድዩ፧ ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዮብ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ያእቆብ 5:7-11፡ ክርስትያናት ኣብ ጽንኩር እዋናት ተጻዋርነት ንኺህልዎም ንምትብባዕን የሆዋ ንተጻዋርነቶም ከም ዚባርኾ ዚገልጽ ዜጸናንዕ ሓሳባት ንምሃብን፡ እዮብ ተጠቒሱ ኣሎ። እዮብ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዘይነበረ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ መጥቃዕቲ ሰይጣን ድማ ልቢ ወለዳዊ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣብነቱ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ሓደ ኻብቶም ኣብ ህዝቅኤል 14:14, 20 ተጠቒሶም ዘለዉ ሰለስተ ጻድቃን ሰብኡት፡ እዮብ እዩ፣ እቶም ካልኦት ክልተ ኸኣ፡ ኖህን ዳንኤልን እዮም። እዮብ ልክዕ ከም ኖህን ዳንኤልን፡ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረን ዓባይ እምነት ዝነበረቶን ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እዮብ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መጥቃዕትን መስጐጕትን ዘውረደሉ ኣካልከ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ደይኰነን ኪኸውን ዘለዎ፧

ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን፡ ከም ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ እዩ ዚገልጾ። ኰይኑ ግና፡ ‘ሰይጣን ኣብዚ እዋን እዚ ንዓይን ንስድራ ቤተይን ኪጐድኣና ይኽእል ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ኣብዚ ግዜናኸ፧

ጕጅለ ገበነኛታት ብሃንደበት ናብታ እትነብረላ ኸተማ መጺኦም ንበል። ብሰንኪ ምምጻእ እቶም ገበነኛታት፡ ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዘሎ ድሕንነትን ስነ ምግባርን ኣዝዩ ኸም ዚበላሾ ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሰይጣንን እቶም ልክዕ ከም ሰይጣን ካብ ኣምላኽ ዝዓለዉ ናይ ሓቂ መንፈሳውያን ፍጡራት ዝዀኑ ኣጋንንቱን፡ ኣብ ምድሪ እዮም ተቐይዶም ዘለዉ። እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣምጽአ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚርአ ኣብ ከባቢኻን ኣብ መላእ ምድርን ዜጋጥም ዘሎ ነገራት እስከ ሕሰብ።

  • ብደረጃ ዓለምለኸ ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ፡ ጭካነ ዝመልኦ ዓመጻ ይውስኽ ከም ዘሎ ኣስተብሂልካዶ፧

  • ብዙሓት ወለዲ ነቲ ኣብ መዘናግዒ እናበዝሐ ዚኸይድ ዘሎ ሓተታ መናፍስቲ ዘይቅበልዎን ንደቆም ኪጐድኦም ከም ዚኽእል ገይሮም ዚቘጽርዎን እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዝያዳ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣስተውዒልካዶ፧

  • ንኣከባቢ ንምዕቃብ ብዙሕ እኳ እንተ ተጻዕረ፡ በብእዋኑ ንኣከባቢ ዜበላሹ ነገራት የጋጥም ከም ዘሎ ኣስተብሂልካዶ፧

  • ከቢድ ጸገም ከም ዜጋጥም ዚገብር ገለ ሓይሊ፡ ንደቂ ሰብ ናብ ጥፍኣት ገጹ ዚመርሖም ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ሎሚ ዜጋጥም ዘሎ ጸገማት ዚሕተተሉ መን ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ። . . . ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም” ይብል። (ራእይ 12:9, 12) ብዙሓት ሰባት ነዚ ዅሉ መርትዖታት ድሕሪ ምምርማሮም፡ ሰይጣን ኣብ መላእ ዓለምና ጽልዋ ኼሕድር ዚኽእል ሓደገኛ መንፈሳዊ ኣካል ምዃኑ ደምዲሞም እዮም።

ንርእስኻ ብኸመይ ካብ ሰይጣን ከተዕቍባ ኸም እትኽእል ትሓስብ ትኸውን። ከምኡ ኢልካ ምሕሳብካ ኸኣ ግቡእ እዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘካ ዚኽእል ግብራዊ ምኽሪ ዝሓዘት እያ።

^ ሕ.ጽ. 12 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።