ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ንህይወተይ ዝቐየራኦ ሰለስተ ሕቶ

ንህይወተይ ዝቐየራኦ ሰለስተ ሕቶ
  • ዓመተ ልደት: 1949

  • መበቈል ሃገር: ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

  • ታሪኽ: ትርጉም ህይወት ንምርካብ ዘናደየት

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ግዝኣት ኒው ዮርክ ኣብ እትርከብ ኣንክራም እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። እዛ ኸተማ ብሕርሻ ጸባ ሃብታም እያ። ከም ሓቂ እኳ ደኣ፡ ካብቶም ተቐማጦ እዛ ኸተማ እተን ከብቲ ይበዝሓ።

ስድራ ቤተይ ኣብታ ኸተማ ኣብ እትርከብ እንኮ ቤተ ክርስትያን ይእከቡ ነበሩ። ሰንበት ሰንበት ንግሆ ኣባሓጎይ ጫማይ ይውልውለለይ እሞ፡ ነታ ዓባየይ ዝሃበትኒ ንእሽቶ ጻዕዳ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዘ ናብ ትምህርቲ ሰንበት እኸይድ ነበርኩ። ኣነን ኣሕዋተይን ጻዕራማት ንኽንከውን፡ ንጐረባብትና ኸነኽብርን ክንሕግዝን፡ ንዝረኸብናዮ በረኸታት ከነማስወሉን ንመሃር ነበርና።

ምስ ዓበኹ፡ ካብ ቤተይ ገዓዝኩ፣ ድሕሪ ግዜ ኸኣ መምህር ኰንኩ። ብዛዕባ ኣምላኽን ህይወትን ብዙሕ ሕቶታት ነበረኒ። ገለ ኻብቶም ዝምህሮም ተመሃሮ ፍሉይ ተውህቦ ነበሮም። እቶም ካልኦት ፍሉይ ተውህቦ ዘይብሎም እኳ እንተ ዀኑ፡ ጻዕራማት እዮም ነይሮም። ገሊኦም ኣካላዊ ስንክልና ኺህልዎም ከሎ፡ ካልኦት ግና ምሉእ ጥዕና ነበሮም። እዚ ዅነታት እዚ ዘይፍትሓዊ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ሓድሓደ ግዜ፡ ወለዲ እቶም እተፈላለየ ጕድለት ዝነበሮም ተመሃሮ፡ “ኣምላኽ ንውሉደይ ከምዚ ኪኸውን እዩ ደልይዎ” ይብሉ ነበሩ። ኣምላኽ፡ ገሊኦም ሕጻናት ምስ ስንክልናኦም ንኺውለዱ ስለምንታይ ከም ዘፍቀደ የተሓሳስበኒ ነበረ። ከመይሲ፡ ሕጻን ዝበደሎ ነገር የለን።

ብተወሳኺ፡ “ኣብ ህይወተይ እንታይ ትርጉም ዘለዎ ነገር ክገብር እኽእል፧” ዚብል ሕቶ የተሓሳስበኒ ነበረ። ህይወተይ ብቑልጡፍ ትሓልፍ ዘላ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ባህ ኣብ እተብል ስድራ ቤት ዓብየ፡ ኣብ ጽቡቕ ኣብያተ ትምህርቲ ተማሂረ፡ ኣብ ዝፈትዎ ስራሕ እውን እሰርሕ ነበርኩ። እቲ ዝተረፈ መዳይ ህይወተይ ግና ባዶ እዩ ዚመስል ነይሩ። እቲ ዝበለጸ ኽረኽቦ ዝኽእል ነገር፡ ክምርዖ፡ ጽቡቕ ገዛ ኺህልወንን ውሉዳት ክወልድን፡ ክሳዕ ጥሮታ ዝወጽእ ክሰርሕ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ክኣቱ እዩ። ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚ ጥራይ እንተ ዀይና የተሓሳስበኒ ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ሓደ ኽረምቲ፡ ምስ ካልኦት መምህራን ኰይነ ንዙረት ናብ ኤውሮጳ ኸድኩ። ናብ ዌስትሚኒስተር ኣቢን ኖተርዳም ዲ ፓሪስን ቫቲካንን ናብ ሓያሎ ንኣሽቱ ኣብያተ ክርስትያናትን ከድና። ኣብ ዝኸድክዎ ድማ፡ እቲ ዝነበረኒ ሕቶታት እሓትት ነበርኩ። ናብቲ ኣብ ስሎትስበርግ፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ፡ ናብ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ከድኩ። ማንም ሰብ ግና ዜዕግብ መልሲ ኣይሃበንን።

ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ተመሃሪት ናባይ መጺኣ፡ ሰለስተ ሕቶ ሓተተትኒ። ፈለማ፡ ንሳ ሓንቲ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃና ዝፈልጥ እንተ ዀይነ ሓተተትኒ። ኣነ ድማ ‘እወ’ በልክዋ። ካልኣይ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ኽፈልጥ ዝደሊ እንተ ዀይነ ሓተተትኒ። ደጊመ ኸኣ ‘እወ’ በልክዋ። ሳልሳይ፡ ኣበይ ከም ዝነብር ሓተተትኒ። እቲ ዝነብረሉ ኸባቢ ምስ ሓበርክዋ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ስድራ ቤታ ዚነብሩሉ ኸባቢ ኸም ዝቕመጥ ፈለጥና። እተን እዛ ንእሽቶ ጓል ዝሓተተኒ ሰለስተ ሕቶ ንህይወተይ ንሓዋሩ ኸም ዚቕይራ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብሽክለታ ጌራ ናብ ቤተይ ድሕሪ ምምጻእ፡ ምሳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ነቲ ንሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ዝሓተትክዎም ሕቶታት ከኣ ሓተትክዋ። ከማታቶም ዘይኰነስ፡ ንጹርን ዜዕግብን መልሲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየትኒ፣ እዚ ድማ ቕድሚኡ ርእየዮ ዘይፈልጥ መልሲ እዩ ነይሩ።

እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን እዩ ኣምጺኡለይ። ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:19 ዚርከብ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ” ዚገልጽ ሓሳብ ምስ ኣንበብኩ፡ ልበይ ተተንከፈ። ምንጪ እቲ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ዘሎና ዅሉ ዜጕሂ ነገራት ሰይጣን እምበር ኣምላኽ ከም ዘይኰነ፡ ኣምላኽ ድማ ነቲ ዅነታት ከም ዜዐርዮ ብምፍላጠይ እፎይታ ተሰምዓኒ። (ራእይ 21:3, 4) መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር እንተደኣ ተገሊጹ ርትዓዊ ኸም ዝዀነ ተረዳእኩ። እታ ምሳይ እተጽንዕ ዝነበረት ጓል 12 ዓመት ጥራይ እኳ እንተ ነበረት፡ ሓቂ፡ መን የውስኣዮ ብዘየገድስ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ በልኩ።

ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዚምህርዎ ትምህርቲ፡ ዚትግብርዎ እንተደኣ ዀይኖም ክርኢ ደለኹ። ንኣብነት፡ እታ ንእሽቶ ጓል፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኸም ትዕግስትን ለውሃትን ዝኣመሰለ ባህርያት ኬንጸባርቑ ኸም ዘለዎም ኣጕልሐት። (ገላትያ 5:22, 23) ንሳ ንባዕላ ነዚ ባህርያት እዚ ተርኢ እንተ ዀይና ንኽፈልጥ ክፍትና ወሰንኩ። ሓደ መዓልቲ፡ ናብቲ መጽናዕቲ ዀነ ኢለ ደንጕየ መጻእኩ። ‘ክትጽበየኒ ድያ፧ እንተ ተጸብያትኒኸ ብምድንጓየይ ትቝጣዕዶ ትኸውን፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ኣብ ጥቓ ገዛይ ምስ በጻሕኩ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛይ ክትጽበየኒ ረኣኽዋ። ናብ ማኪናይ ጐይያ መጺኣ፡ “ደንጒኺ ስለ ዘይትፈልጢ፡ ደሃይኪ ንምፍላጥ፡ ናብ ቤተይ ከይደ ንማማ ናብ ሆስፒታልን ፖሊስን ንኽንድውል ክነግራ እየ ኽሓስብ ጸኒሐ፣ ብዛዕባኺ ኣዝየ እየ ተሻቒለ!” በለትኒ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ኽትምልሶ ዜሸግር ኰይኑ እተሰምዓኒ ሕቶ ሓተትክዋ። ብርእሳ ትምልስ እንተ ዀይና ኽርኢ እየ ደልየ። እቲ ሕቶ ምስ ሓተትክዋ፡ ትኵር ኢላ ጠመተትኒ እሞ፡ “እዚ ኸቢድ ሕቶ እዩ። ንወለደይ ምእንቲ ኽሓቶም ክጽሕፎ እየ” በለትኒ። ኣብቲ ዝቐጸለ መጽናዕትና፡ ነቲ ዝሓተትክዎ ሕቶ እትምልስ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሒዛትለይ መጸት። ሕታማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ ሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝመለሶ፡ ናብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝቐርብ ገበረኒ። ምስታ ንእሽቶ ጓል ምጽናዕ ቀጸልኩ፣ ሓደ ዓመት ጸኒሐ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ። *

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

እቲ ዝነበረኒ ሕቶታት ብዜዕግብ መገዲ ምስ ተመለሰለይ፡ ብዛዕባኡ ንዅሉ ሰብ ክነግር ደለኹ። (ማቴዎስ 12:35) ኣብ መጀመርታ፡ ስድራ ቤተይ ነዚ ሓድሽ እምነተይ ተቓወምዎ። ድሕሪ ግዜ ግና ኣረኣእያኦም ተመሓየሸ። ኣደይ እውን ቀቅድሚ ሙማታ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ዋላ እኳ ኽሳዕ እትጥመቕ ብህይወት እንተ ዘይጸንሐት፡ ንየሆዋ ንኸተገልግል ከም ዝወሰነት ግና ርግጸኛ እየ።

ብ1978 ምስ ሓደ ኢልያስ ካዛን ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ተመርዓኹ። ብ1981 ኣነን ኢልያስን ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽንከውን ዕድመ ቐረበልና። * እቲ ዜሕዝን፡ ኣብኡ ንኣርባዕተ ዓመት ጥራይ ድሕሪ ምግልጋልና፡ ኢልያስ ሞተ። መበለት ክነሰይ ኣብቲ ናይ ቤት-ኤል ዕዮይ ቀጸልኩ፣ እዚ ድማ ኣብ ሓደ ነገር ንኸተኵርን ምጽንናዕ ንኽረክብን ሓጊዙኒ እዩ።

ብ2006 ምስ ሪቻርድ ኤልድረድ ዚብሃል ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ተመርዓኹ። ኣነን ሪቻርድን በቲ ረኺብናዮ ዘሎና ኣብ ቤት-ኤል ናይ ምግልጋል መሰል ባህ ኢሉና ንቕጽል ኣለና። ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ብምፍላጠይ፡ መልሲ ሕቶታተይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት እውን ረኺበ እየ፣ እዚ ዅሉ ድማ በተን እታ ንእሽቶ ጓል ዝሓተተትኒ ሰለስተ ሕቶ እዩ ጀሚሩ።

^ ሕ.ጽ. 16 እዛ ጓልን ኣሕዋታን ኣሓታን ንሓሙሽተ መምህራኖም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዑን ንየሆዋ ንኼምልኹን ሓጊዞምዎም እዮም።

^ ሕ.ጽ. 18 እቲ “ቤት ኣምላኽ” ዝትርጉሙ “ቤት-ኤል” ዚብል ቃል፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ንምግላጽ ዚጥቀምሉ ስም እዩ። (ዘፍጥረት 28:17, 19) ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል፡ ነቲ ትምህርታዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚድግፍ እተፈላለየ ዕዮ እዮም ዚዓይዩ።