ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 109

ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

(1 ጴጥሮስ 1:22)

  1. 1. ፍቕርና ሓያል ’ተ ዀይና፡

    ይሕጐስ ልቢ ኣምላኽና፣

    ፍቕሪ ’ንድያ ኣውራ ብልጽቲ፡

    ካብ ኵሉ ፍልይቲ።

    ’ተ ፈቲና ኻብ ልብና፡

    ይድልድል’ዩ ምሕዝነትና፡

    ይርአ’ውን ኣብ ተግባርና፡

    ልባዊ ሓልዮትና።

    ንዝርግሓሉ ኢድና፡

    ን’ተጸገመ ፈታዊና፣

    ንረድኦ ብዓቕምና፡

    ግዜና ኸይበቐቕና።

    የሱስ ፍቕሪ ኣርእዩና፡

    ፍቕሪ ኣምላኽ ገሊጹልና፡

    ደሪኽዎ ንልብና፡

    ክትህልወና ፍቕሪ፡

    እትርአ ብግብሪ።