ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 110

“ሓጐስ የሆዋ”

“ሓጐስ የሆዋ”

(ነህምያ 8:10)

  1. 1. ምልክታት የመልክተልና ኣሎ፣

    ’ታ መንግስቲ ’ትመጸሉ፣

    ቅንዕ በሉ፡ ድሕነትኩም ቀሪቡ’ሎ፣

    ሃየ ርእስኹም ኣልዕሉ!

    (ኣዝማች)

    ሓጐስ የሆዋ ዕርድና እዩ፣

    ንዘምረሉ ዓው ኢልና፣

    ብተስፋ ንተሓጐስ፡ ነመስግኖ፣

    ልዕል ነብሎ ንኣምላኽና።

    ሓጐስ የሆዋ ዕርድና እዩ፣

    ኵሉ ሰብ ይፍለጥ ዕቤቱ፣

    ንኣምላኽና ወትሩ ውፉያት ንኹን፣

    ንትጋህ’ውን ኣብ ኣገልግሎቱ።

  2. 2. ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡

    ወትሩ ኣብኡ ተወከሉ፣

    ድምጽኹም ዓው ኣቢልኩም ጨድሩሉ፣

    ብታሕጓስ’ውን ዘምሩሉ!

    (ኣዝማች)

    ሓጐስ የሆዋ ዕርድና እዩ፣

    ንዘምረሉ ዓው ኢልና፣

    ብተስፋ ንተሓጐስ፡ ነመስግኖ፣

    ልዕል ነብሎ ንኣምላኽና።

    ሓጐስ የሆዋ ዕርድና እዩ፣

    ኵሉ ሰብ ይፍለጥ ዕቤቱ፣

    ንኣምላኽና ወትሩ ውፉያት ንኹን፣

    ንትጋህ’ውን ኣብ ኣገልግሎቱ።