ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 153

ኣትብዓኒ

ኣትብዓኒ

(2 ነገስት 6:16)

  1. 1. ’ተ ኸበበኒ’ኳ፡

    ፍርሂ ምስ ጥርጣረ፡

    ንዓኻ ግና ምስ ሓዝኩ፡

    ተቢዐ፡ ደፊረ።

    ጽንክርቲ’ያ ህይወት፡

    ዝመልኣ ፈተነ፡

    ኣምላኸይ ወትሩ’ኻ እሙን፡

    ብኣኻ ቐሲነ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ፡ ክፈት ኣዒንተይ፡

    ልቦና ሃበኒ፣

    ካብ ናቶም፡ ናትና ኸም ዚበዝሑ፡

    ከስተውዕል ርድኣኒ።

    ተባዕ ንክኸውን፡

    ሃበኒ ሓይልኻ።

    የሆዋ፡ ኣትብዓኒ፣

    ርግጽ’ዩ ዓወትካ።

  2. 2. ሰብ፡ ወዲ ሰብ እንድየ፡

    ድኹም’ዩ ብርታዐይ፣

    ከውሐይ ኢኻ መዕቈብየይ፣

    ትሕድሶ ሓይለይ።

    ብፍርሂ ኸይስነፍ፡

    ሃየ ኣትብዓኒ፣

    ሞት ኰነ፡ ሕማም፡ ማእሰርቲ፡

    ከቶ ዘይስዕረኒ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ፡ ክፈት ኣዒንተይ፡

    ልቦና ሃበኒ፣

    ካብ ናቶም፡ ናትና ኸም ዚበዝሑ፡

    ከስተውዕል ርድኣኒ።

    ተባዕ ንክኸውን፡

    ሃበኒ ሓይልኻ።

    የሆዋ፡ ኣትብዓኒ፣

    ርግጽ’ዩ ዓወትካ።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ፡ ክፈት ኣዒንተይ፡

    ልቦና ሃበኒ፣

    ካብ ናቶም፡ ናትና ኸም ዚበዝሑ፡

    ከስተውዕል ርድኣኒ።

    ተባዕ ንክኸውን፡

    ሃበኒ ሓይልኻ።

    የሆዋ፡ ኣትብዓኒ፣

    ርግጽ’ዩ ዓወትካ።

    የሆዋ፡ ኣትብዓኒ፣

    ርግጽ’ዩ ዓወትካ።