ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 154

ዘይተቋርጽ ፍቕሪ

ዘይተቋርጽ ፍቕሪ

(1 ቈረንቶስ 13:8)

  1. 1. ተዓዊቱልና

    ማሚቝና ብፍቕሪ፡

    ኣብዛ ዓለም፡ ’ወ ኣብ ቍሪ።

    ኣየ ትዕድልቲ፡

    ፈቃራት ’ዮም ሰብና፡

    እሙናት ’ወ’ዮም ኣሕዋትና።

    (ቅድመ ኣዝማች)

    ጽንዕቲ’ያ ነባሪት፡

    ዘይተቋርጽ ፍቕሪ።

    (ኣዝማች)

    ’ወ ዘይተቋርጽ፡

    ባህሪ የሆዋ’ያ፡

    ውህበቱ’ያ።

    ’ወ ዘይተቋርጽ፡

    ዘይትጠልም ባህሪ፡

    ’ትርአ ብግብሪ፡

    ልብና የፍሪ

    ሓያል ፍቕሪ።

  2. 2. ናብራ ሓሲሙ፡

    ዋላ ’ተ ኸበደ፡

    ኣመና’ኳ ’ተ ጸንከረ፡

    ልግሲ ምስ ተስፋ፡

    ፍቕሪ ኣምላኽ ሒዝና፡

    ንኽእሎ ንዝመረረ።

    (ቅድመ ኣዝማች)

    እምንቲ’ያ ቐጻሊት፡

    ዘይተቋርጽ ፍቕሪ።

    (ኣዝማች)

    ’ወ ዘይተቋርጽ፡

    ባህሪ የሆዋ ’ያ፡

    ውህበቱ’ያ።

    ’ወ ዘይተቋርጽ፡

    ዘይትጠልም ባህሪ፡

    ’ትርአ ብግብሪ፡

    ልብና የፍሪ፡

    (ኣዝማች)

    ’ወ ዘይተቋርጽ፡

    ባህሪ የሆዋ’ያ፡

    ውህበቱ’ያ።

    ’ወ ዘይተቋርጽ፡

    ዘይትጠልም ባህሪ፡

    ’ትርአ ብግብሪ፡

    ልብና የፍሪ

    ሓያል ፍቕሪ፡

    ዘይተቋርጽ

    ሓያል ፍቕሪ።