ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 156

ብእምነተይ

ብእምነተይ

(መዝሙር 27:13)

  1. 1. ኣይፈርሆን’የ ነንበሳ፣

    ኣይጃጁን ብጸላኢ፣

    የሆዋ ’ንድዩ ኣብ ጐድነይ፡

    ዋልታይ፡ ሓላውየይ፡

    ኣምላኸይ ዘይፍለ ኻባይ።

    (ኣዝማች)

    ብእምነተይ

    ጸላም ይቕልዓለይ፡

    ብእምነተይ

    ይቕንጠጥ’ውን ፍርሀይ።

    ንየሆዋ ኻብ ሓዝኩ፡

    ኢዱ ኻብ ፈለጥኩ፡

    ኣነስ ክግስግስ’የ

    ተቢዐ፡

    ብእምነተይ።

  2. 2. ቅድሜና ዝነበሩ፡

    ብእምነት ዝሰዓሩ፡

    ብተኣማንነት

    ዝሰረቱ ዓስቦም፡

    ክንርእዮም ኢና ተንሲኦም።

    (ኣዝማች)

    ብእምነተይ

    ጸላም ይቕልዓለይ፡

    ብእምነተይ

    ይቕንጠጥ’ውን ፍርሀይ።

    ንየሆዋ ኻብ ሓዝኩ፡

    ኢዱ ኻብ ፈለጥኩ፡

    ኣነስ ክግስግስ’የ

    ተቢዐ፡

    ብእምነተይ።

    (መሰጋገሪ)

    ብእምነተይ

    ከረን ’ኳ ይግዕዝ፣

    ብእምነተይ

    ’ሰግር ውሒዝ።

    እምነት እንድያ፡

    ንተስፋይ

    እተርእየኒ፡

    እትዀነኒ’ውን ዓይኒ።

  3. 3. ’ንሀ ይርኣየኒ፡

    ያህ ዘተስፈወኒ፣

    ቀሪብና ’ንዲና፡

    እንታይ ተሪፉና፡

    ክንርእያ መዓልቲ የሆዋ።

    (ኣዝማች)

    ብእምነተይ

    ጸላም ይቕልዓለይ፡

    ብእምነተይ

    ይቕንጠጥ’ውን ፍርሀይ።

    ንየሆዋ ኻብ ሓዝኩ፡

    ኢዱ ኻብ ፈለጥኩ፡

    ኣነስ ክግስግስ’የ

    ተቢዐ፡

    ብእምነተይ፡

    ብእምነተይ።

(እብ. 11:1-40 እውን ርአ።)