ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 27

ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ

ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ

(ሮሜ 8:19)

  1. 1. ቀሪቡ’ሎ እቲ ግዜ፡

    ምግላጽ ’ቶም ሕሩያት፣

    ምስ ክርስቶስ ኪገዝኡ’ዮም፡

    ኰይኖም ኣብ ሰማያት።

    (ኣዝማች)

    እወ፡ ርግጽ ኪኸውን’ዩ፡

    ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ፣

    ምስ ክርስቶስ ምስ ነገሱ፡

    ኪዕረ’ዩ ታሪኽ።

  2. 2. ኪቐርበሎም’ዩ ጻውዒት፡

    ’ቲ ናይ መወዳእታ።

    ናብ ሰማይ’ውን ኪኸዱ’ዮም፡

    ኪዀኑ ምስ ጐይታ።

    (ኣዝማች)

    እወ፡ ርግጽ ኪኸውን’ዩ፡

    ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ፣

    ምስ ክርስቶስ ምስ ነገሱ፡

    ኪዕረ’ዩ ታሪኽ።

    (መሰጋገሪ)

    ምስ ክርስቶስ ኪሓብሩ’ዮም፡

    ኬስፍኑ’ዮም ሰላም፣

    ራህዋ፡ ጽድቂ ኪኸውን’ዩ፡

    ንዘልኣለም ኣለም።

    (ኣዝማች)

    እወ፡ ርግጽ ኪኸውን’ዩ፡

    ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ፣

    ምስ ክርስቶስ ምስ ነገሱ፡

    ኪዕረ’ዩ ታሪኽ።