ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 28

ፈታው የሆዋ ምዃን

ፈታው የሆዋ ምዃን

(መዝሙር 15)

  1. 1. ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡

    መን’ዩ ፈታዊኻ፧

    መን’ዩ ጋሻኻ እትኣምኖ፧

    መን’ዩ ዚፈልጠካ፧

    ዚኣምን ብኣኻ፡

    ዚቕበል ንቓልካ፡

    እሙን፡ ፍትሓዊ፡ ፈታው ሓቂ

    ዚስልም ድንኳንካ።

  2. 2. ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡

    መን’ዩ ፈታዊኻ፧

    መን’ዩ ባህ ዜብል ንልብኻ፧

    መን’ዩ ዚቐርበካ፧

    ክብ ዜብል ንስምካ፡

    ስርዓትካ ዚሕሉ፡

    ቅኑዕ ዝልቡ፡ ዘየታልል፡

    ዘይልውጥ ንቓሉ።

  3. 3. ናባኻ ንሓድጎ፡

    ንዅሉ ጭንቀትና፡

    ፍቕርኻ ዀነ ኽንክንካ

    የቀራርበና።

    ትምኒት ልብና’ዩ፡

    ምዃን ፈተውትኻ፣

    ኣበይ ’ሞ ’ርከብ እሙን ዓርኪ

    ዝበለ ኸማኻ።

(መዝ. 139:1፣ 1 ጴጥ. 5:6, 7 እውን ርአ።)