ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 29

ከም ስምና ኽንነብር ሓግዘና

ከም ስምና ኽንነብር ሓግዘና

(ኢሳይያስ 43:10-12)

  1. 1. የሆዋ ኣምላኽ ዘልኣለም ነባሪ፡

    ፍጹም ብፍትሒ፡ ብሓይሊ፡ ፍቕሪ።

    ጥበብን ሓቅን ካባኻ ይፍልፍል፣

    ንዅሉ ’ትገዝእ ኢኻ ልዑል።

    ነገልግለካ ኢና ተሓጒስና፣

    መንግስትኻ ንእውጅ ኣለና።

    (ኣዝማች)

    ክብሪ’ዩ መሰኻኽርካ ምዃንና።

    ከም ስምና ኽንነብር ሓግዘና!

  2. 2. ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ሕብረት፡

    የምጽእ’ዩ ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ስኒት።

    ከነንጸባርቕ ከለና ኽብርኻ፡

    ምንጪ ደስታና’ዩ ውዳሰኻ።

    ቅዱስ ስምካ ኻብ ኰነ መፍለጢና፡

    ንምቕዳሱ ኽንተግህ ኢና።

    (ኣዝማች)

    ክብሪ’ዩ መሰኻኽርካ ምዃንና።

    ከም ስምና ኽንነብር ሓግዘና!