ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 35

‘ዚሓይሽ መርምሩ’

‘ዚሓይሽ መርምሩ’

(ፊልጲ 1:10)

  1. 1. ኣድላዪ’ዩ ምዃን ኣስተውዓልቲ፡

    መታን ክንፈልጥ ሓቂ፣

    ወሳኒ’ዩ ዚሓይሽ ክንምርምር፡

    መታን ክንገብር ጽድቂ።

    (ኣዝማች)

    ክፉእ ንጽላእ፣ ሰናይ ንፍቶ፣

    ኣይንዓሹ፣

    ወትሩ ንመላለስ ብልቦና፣

    ’ናስተውዓልና፣

    ንመሚ ዚሓይሽ መርሚርና።

  2. 2. ብስራት መንግስቲ ኻብ ምእዋጅ፡

    ዚሓይሽ እንታይ ኣሎ፧

    ንሓቂ ዚጸምኡ ኻብ ምንዳይ፡

    ዚበልጽ እንታይ ኣሎ፧

    (ኣዝማች)

    ክፉእ ንጽላእ፣ ሰናይ ንፍቶ፣

    ኣይንዓሹ፣

    ወትሩ ንመላለስ ብልቦና፣

    ’ናስተውዓልና፣

    ንመሚ ዚሓይሽ መርሚርና።

  3. 3. ዚሓይሽ ዘበለ ምስ ’ንገብር፡

    ዕግበት ’ረክብ ልብና።

    ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም፡

    ’ሕልዎ ነእምሮና።

    (ኣዝማች)

    ክፉእ ንጽላእ፣ ሰናይ ንፍቶ፣

    ኣይንዓሹ፣

    ወትሩ ንመላለስ ብልቦና፣

    ’ናስተውዓልና፣

    ንመሚ ዚሓይሽ መርሚርና።