መዝሙር 36
ንልብና ንሓልዎ
(ምሳሌ 4:23)
-
1. ምንጪ ህይወት ካብኡ ’ዩ ’ሞ፡
ንሓሉ ልብና።
ኣምላኽ ይምርምሮ እዩ፡
ይፈልጦ ውሽጥና።
ልቢ ሕሱም ብምዃኑ፡
ይዅብልል፡ የላግስ።
ሃየ ’ሞ ንቈጻጸሮ፡
ምስ ያህ ንመላለስ።
-
2. ነዳልዎ ንልብና፣
ንኣምላኽ ክንደሊ።
ውዳሰናን ምስጋናናን
ንምግላጽ ንጸሊ።
ንኣምላኽ ንተኣዘዞ፡
ዚምህረና ዅሉ።
ሃየ እሙን ልቢ ነጥሪ፣
ሓጐስ ነምጽኣሉ።
-
3. ሓቂ ጥራይ ደኣ ንሕሰብ፣
ንሓሉ ልብና።
ንቓል ኣምላኽ ነፍቅደሉ፡
ንኼዐርየና።
የሆዋ ንእሙናቱ
ብርግጽ የፍቅሮም።
’ሞ ኻብ ልቢ ነገልግሎ፡
ንዘልኣለም ኣለም።