ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 36

ንልብና ንሓልዎ

ንልብና ንሓልዎ

(ምሳሌ 4:23)

  1. 1. ምንጪ ህይወት ካብኡ ’ዩ ’ሞ፡

    ንሓሉ ልብና።

    ኣምላኽ ይምርምሮ እዩ፡

    ይፈልጦ ውሽጥና።

    ልቢ ሕሱም ብምዃኑ፡

    ይዅብልል፡ የላግስ።

    ሃየ ’ሞ ንቈጻጸሮ፡

    ምስ ያህ ንመላለስ።

  2. 2. ነዳልዎ ንልብና፣

    ንኣምላኽ ክንደሊ።

    ውዳሰናን ምስጋናናን

    ንምግላጽ ንጸሊ።

    ንኣምላኽ ንተኣዘዞ፡

    ዚምህረና ዅሉ።

    ሃየ እሙን ልቢ ነጥሪ፣

    ሓጐስ ነምጽኣሉ።

  3. 3. ሓቂ ጥራይ ደኣ ንሕሰብ፣

    ንሓሉ ልብና።

    ንቓል ኣምላኽ ነፍቅደሉ፡

    ንኼዐርየና።

    የሆዋ ንእሙናቱ

    ብርግጽ የፍቅሮም።

    ’ሞ ኻብ ልቢ ነገልግሎ፡

    ንዘልኣለም ኣለም።