ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 44

ጸሎት ሓደ ትሑት

ጸሎት ሓደ ትሑት

(መዝሙር 4:1)

  1. 1. ኦ የሆዋ፡ ኣምላኸየ ስምዓኒ ጸሎተይ።

    ጕህየ’ለኹ ጨኒቑኒ፡ ከቢዱኒ ጾረይ።

    ቅብጸት ተስፋን ከቢድ ሓሳባትን ኣድኪሙኒ።

    ኦ ኣምላኸይ፡ በጃኻ’ባ ሞገስ ኣርእየኒ።

    (ኣዝማች)

    ኣብ ድኻመይ፡ ደግፈኒ።

    ኣብ ጭንቀተይ፡ ኣጽንዓኒ።

    ካብ ቅባጸት፡ ፈውሰኒ።

    ኦ የሆዋ፡ ሓግዘኒ።

  2. 2. ክደክም ከለኹ፡ ቃልካ’ዩ ዜበርትዓኒ፣

    ናይ ልበይ’ውን ዚገልጸለይ፡ ዜጸናንዓኒ።

    ሓግዘኒ ኸጥሪ እምነት ዘለዎ ልቢ፣

    ከይርስዖ ፍቕርኻ ኻብ ልበይ ከም ዚዓቢ።

    (ኣዝማች)

    ኣብ ድኻመይ፡ ደግፈኒ።

    ኣብ ጭንቀተይ፡ ኣጽንዓኒ።

    ካብ ቅባጸት፡ ፈውሰኒ።

    ኦ የሆዋ፡ ሓግዘኒ።