ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 45

ምስትንታን ልበይ

ምስትንታን ልበይ

(መዝሙር 19:14)

  1. 1. ’ቲ ኣብ ልበይ ዘስተንትኖ፡

    ’ቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝሓስቦ፡

    ኦ የሆዋ፡ ባህ የብልካ፡

    ይኹነለይ ክፍኣት ኣልቦ።

    ጭንቀት ኪኸብደኒ ኸሎ፡

    ለይቲ ድቃስ ኬስእነኒ፡

    ሽዑ፡ ምስትንታነይ ንጹህ

    ኪዀነለይ ሓግዘኒ።

  2. 2. ንጹህ፡ ዚንኣድ ዘበለ፡

    ሰላም ዚህብ ንኣእምሮይ፡

    ጽቡቕ ዘረባ ዘበለ፡

    ወትሩ ይኹን ሓሳባተይ።

    ኦ ያህ፡ ኣየ ሓሳባትካ፡

    ታእላው፡ ዘይጽብጸብ ድምሩ።

    ከስተንትነሉ’የ ቓልካ፡

    ኣብ ልበይ ከንብሮ ወትሩ።