መዝሙር 46
ነመስግነካ የሆዋ
-
1. የሆዋ ዅል ግዜ ነመስግነካ፡
ስለ ዝገለጽካልና ብርሃንካ።
ፍሉይ መሰል’ዩ ምስማዕካ ጸሎትና፣
ምፍቃድካ ኽንገልጽ ናይ ልብና።
-
2. ነመስግነካ ወድኻ ሂብካና፣
ንዓለም ስዒሩ ኣቕሲኑና።
ፍቓድካ ኽንገብር ትሕግዘና፣
መብጽዓ ኽንፍጽም ትረድኣና።
-
3. ክንሰብኽ ምኽኣልና ነመስግነካ፣
ክንምህር ብዛዕባ ዓብዪ ስምካ።
ኪሓልፍ’ዩ ዅሉ ጭንቂ መከራ፣
ኪርህወና’ዩ፡ ክንወጽእ ሓራ።
(መዝ. 50:14፣ 95:2፣ 147:7፣ ቈሎ. 3:15 እውን ርአ።)